በጃኻትኩም ዞባ ዶባስ ካብ ኣጽዋር ነጻ ግበርዎ ንሕዝቢ ከኣ ሰላሙ ምለሱሉ! ር.ሊ.ጳ ንኡክራይናን ሩስ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ሰንበት 26 ሓምለ 2020 ዓም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ምእመናን ብዝተፈላለየ ቋንቋ ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ነቲ ካብ 2014 ዓም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኡክራይናን ሩስያን ብዘሎ ግጭት ትሕመስ ዘላ ዞባ ዶንባስ ናይ ኡክራያና ካብ ኣጽዋር ነጻ ክኸውን እቲ ሕዝቢ ከኣ ሰላሙ ክምለሶ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ካብዘን ንልዕሊ 6 ዓመት ኣብ ዞባ ዶንባስ ናይ ኡክራይና ዝዋግኣ ዝነበራ ሃገራት ሩስያን ኡክራይንን ካብ ፍርቂ ለይቲ ናይ ዕለት 27 ሓምለ 2020 ዓም ኩሉ ኣጽዋር ውግእ ጸጥ ክብል ከምዝተሳማምዓ ዝገልጽ ኣዋጅ ቅዱስነቶም ብዓቢ ሓጐስ ከምዝተቀበልዎ ነቲ ልዕሊ 13 ሺሕ ሰባት ዝቀዘፈ ግጭት ንምቊራጽ ነቲ ብክየቭ ዝድገፉ ሰራዊት ድነሽክን ንሓርነት ዞባ ዶንባስ ዝቃለሱ መልሻን ዘሎ ውግእ ደው ምባሉ ከምዘሐጎሶም ገሊጾም።

“ነቲ እዛ ብውግእ ብዙሕ ዝቆሰለት ዞባ ብዙሕ ሃረር ትብሎ ንዝነበረት ሰላም ንክመልስ ዝተወስደ ሠናይ ተበግሶ እንከመስግን እዚ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ዝተበጽሐ ሰላም ኣብ ግብሪ ንክውዕልን ብጽጹይ ምውጋድ ኣጽዋርን ምእራይ ፈንጅታትን ክረጋገጽ እጽሊ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነዚ መርገጺ እዚ ንምርጉጓድ እውን ‘ነዚ ሕዝቢ እዚ ዝጽበዮ ዕርቅን ምትእምማንን ንምህናጽ ብከምዚ ጥራሕ እዩ ዝከኣል’ ኢሎም። ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ዜና ከኣ ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ሃገረ ኡክራይን ንዓለምለኸ መሻርኽቶም ብፍላይ ከኣ ንሃገረ ፈረንሳን ጀርመንን ኣመስጊኖም። እዚ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንሓዲስ ዘተን ነባሪ ፍታሕ ነቲ ቅልውላው ንምፍጣርን ዓቢ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ እውን ተገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 July 2020, 11:55