2019.05.31 ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ሩመንያ ቅድሚ ዓመት 2019.05.31 ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ሩመንያ ቅድሚ ዓመት 

መንእሰይ ወለዶን ሽማግለታትን! ብመንጽር ትንቢት ኢዮኤል

ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ኣብ ገግዝኡ ቀፊዱ ካብ ሓድሕዱ ኣርሒቁሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ድሕሪት ምልስ ኢልካ ነቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ክህሉ ዘለዎ ምትእስሳር ምድንፋዕ ከምዘድሊ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ደጋጊሞም ዝብልዎ እኳ እንተኾነ እዚ ግን ሎሚ ዘይኮነ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት በዅሪ ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ዝገበሩሉ ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ብ2013 ኣብ ሪዮ ዲ ጃነሮ ሃገረ ብራዚል ዝተላበውዎን ገና ዕለት ዕለት ዝላበውዎን እዩ።

ዜና ቫቲካን

ናይ ሎሚ ሸውዓተ ዓመት ይገብር ልክዕ ከም ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 26 ሓምለ 2013 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፈላሚ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ነቲ ብወለንታኦም ካብ ሥልጣኖም ዝወረዱ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 መዲቦም ባዕሎም ክኸፍትዎን ክመርሕዎን መዲቦም ንዝነበረ ብዙሕ ምስንዳው ዝተገብረሉ ዓለም ሓቆፍ ዕለተ መንእሰያት ንምብዓልን ንምምራሕን ናብ ሪዮ ዲ ጃነሮ ገሹ።

ቀንዲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዕለት 26 ሓምለ ጸሎተ መልእከ እግዚአብሔር ንምድጋምን ቃሎም ንምስማዕን ኣብ ሰገነት መካነ ሊቀ ጵጵስና ናይ ሪዮ ዲ ጃነሮ ኰይኖም ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር ትምህርቲ ነባሪ ትንቢት ብዝመስል እዚ ርክብ እዚ ኣድልዪ እዩ ከመይ ኣብ መንጎ ወለዶታት ከም ኣብ ሥድራ ምዝታይ የድሊ እንክብሉ መንእሰያትን ሽማገለታትን ኵዋስኡ ከምቲ ኣብ ዕለቱ ዝዝከሩ ቅዱሳን ሃናን ኢያቄምን ከኣ ብሕልፊ ኣብ መንጎ እኖ ሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ምስ ደቅደቆም ክገብርዎ ዘልዎ ርክብ ሕጻናትን ሽማግለታትን መጻኢ ህዝቢ ከምዝሃንጹ እዚ ከኣ እቶም ሕጻናት ንታሪኽ ንቅድሚ ስለዘሰጒሙ እቶም ሽማግለታት ከኣ ነቲ ኣብ መዋእሎም ምሉእ ዝሓዝዎ ጥበብ ስለዘውርሱ እንክብሉ ነቲ ኣብ ትንቢት ኢዮኤል ነቢይ 3.1 ‘በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም’ ንዝብል ብምግላጽ ዝጀመርዎ ድሕሪ ኣብ ዝሰዓበ ኩሉ ሓዋርያዊ ጒዕዞታት ነዚ ኣደንፊዖም።

ሎሚ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ሽሕ እኳ ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ዓጽዩ እንተሎ እንተ ቅዱስነቶም ብዝተፍለላለየ መራኸቢ ብዙሓን ብዝቅርብዎ ትምህርቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ወትሩ ምስ ኣመሓላለፉ እዮም ማለት ኣብ መንእሰይ ወለዶን ሽማግለታትን ዘሎ ርክብ ትንቢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ብራእይን ብሕልምን ተመሪሑ መጻኢ ከብርህ ከምዘለዎ ይምህሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 July 2020, 10:03