ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት መራኸቢ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎት ኣስተንፍሶ ክኸውን ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት መራኸቢ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎት ኣስተንፍሶ ክኸውን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት መራኸቢ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎት ኣስተንፍሶ ክኸውን

ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል ሚሳል ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ጭርሖ ምልኵት እዩ” ስለዚህ እዚ ነቲ ንማሕበራው ረብሓ ንዝግበር ኣገልግልቶ ኣስተንፍሶ ክኸውን ኣለዎ

ናብ መንፈስ ቅዱስ ብምጥማት ኣድልዎ ብዘርእን ዘይተገዳስነትን ምስናፍ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ዓውደ ጉባኤ 2020 ዓ.ም. መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እውን ከይተረፈ ዝረአይ ብውልትውና ምሉኩት ኣብ ዝኾነ ዘመን ጥርኑፋትን ስሙራን ክዀኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ምግምማዕን ምብትታንን ኣብ ዝረአየሉ እዋን ድልድል ዝሓንጹን ሕይወት ዝከላኸሉን መራኸቢ ብዙሓንን ሰባት ኣገደስቲ እያቶም፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ዝጥርንፍ ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ ዕለት 2 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ዝተፈላለና ግና ስሙራት ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምልስ ቢሎም፥ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ተልእዀ ፍጥረት ሰብ ናብ ሓድነት ንኸበል ምድጋፍ ዝብልን ርሕቐትን ምርሕሓቕ ንምጽባብን ኣገዳሲ ሓበሬት ምቕራብን ኣረኣእያን ልብን ንሓቒ ክፉት ምግባር እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ የዘኻኽሩ።

ኣቃልቦ ዘለዎ ኣገዳስነት ልክዕ ከምቲ ኣብ 1822 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብናይ ቻርለስቶን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጆን ኤንግላንድ ዝተመስረተ “catholic Miscellany - ካቶሊካዊ ትሕዝቶ” ናይ እተምየ ቀዳምይ ካቶሊካዊ ጋዜጣ ዘረጋግጾን እቲ ካቶሊካዊ ጋዜጣ ብብዙሓት ጋዜጣታትን መጽሔታትን ቆላሕታ ዝግበረሉን ሎሚ ከም ቀደም “ማሕበረሰብና ሓበሬታ ዘቕርቡን ዘዋህዱን መራኸቢ ብዙሓ የድልዮ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ሰናይ ካብ ክፋእ ንምልላይ ዝድግፍ

“ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል ሚሳል ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ጭርሖ ምልኵት እዩ” ስለዚህ እዚ ነቲ ንማሕበራው ረብሓ ንዝግበር ኣገልግልቶ ኣስተንፍሶ ክኸውን ኣለዎ፡  እዚኸኣ ኣብዚ ካቶሊክ ማሕበረሰብ እውን ከይተረፈ ዝትንክፎ ብግጭትን ብውልትውናን ዝልለይ እዋን ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹጽን ጉዳይ እዩ፡ እዚ ነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንዝዓዩ ካብ ከምዚ ዓይነትን ኵነት ብጭቡጥ ኣገባብ ሓራ ምውጻእ ከምዘድሊ የተሓሳስቡ። ድልድን ሕይወት ዝከላኸሉን ዝረኣዩን ረቐቕትን  ቅኑዕ ዘተን ሓቂ ንምርኻብን ዘተዓናቕፉ ፈላላይ መናድቕ ንምውጋድ ብዘይ ምውጋንን ብዘይ ምቕይያር ጭቡጥ ኩነት ብምቕራብ ሰናይ ካብ ክፋእ ንምፍላይን ጭቡጥን ሃናጽን ፍርዲ ንምቕራብን ማሕበራዊ ስኒትን ናይ ሓባር ቤትና ንምኽባርን ዝድግፍኑ መራኸቢ ብዙሓን የድልዩና” ከምዝበሉ ዝሓበራ ዲኒኒ ኣስዒበን፥ ስለዚህ “ጽኑዕ መትከል ዘለዎም ሓበሬታ ዘየዘንብዑን ንውልቃዊ ረብሓታትን ንዝብል ሸቶ ምምብርኻኽን ካብ ዝብል ኣካይዳ መራኸቢ ብዙሓን ዝኸላኸሉ ሰባት የድልዩና” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ንሓድ ሕድኩም ናይ ሓድነት ትእምርቲ ኩኑ

ምእንቲ`ዚ ውሁዳንን ንሓድ ሕድኩም ናይ ሓድነት ትእምርቲ ክትኾኑ እላበው፡ - ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ዓይነት መግለጺ እዩ ክብሪ ዘለዎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኵላትና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል ኢና ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣተሓሒዘን፥

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናይ መደምደምታ ምንጪ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት እዩ

ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን ናይ ሞያዊ ብቕዓት ሕቶ ጥራሕ ዘይኮነ ቅድም ቀዳድም ብውልቅኻ ናይቲ ከተቕርቦ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ሓቅነቱ ምልላይን ምምስኻርን የድሊ፡ ስለምንታይ  ኣብቲ ናይ መለኮታዊ ሕይወት ሃብታትን ምሳና ክካፈልን ዝደልን ካባና እውን ንኻልእቶ እቲ ናይ ምርኻብ ጸጋ ከነካፍልን ኣብቲ ናቱ ዝኾነ ሓቂ ኣብ ምግልጋል ጥርኑፋት ክንከውን ኣብ ዝሓተና ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓበሬታ ናይ መደምደምታ ምንጪ ሕይወት ኣብ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ክርስትያን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ሓቅን ሰብኣዊ ክብርን ዘነቓቕሑ እያቶም

ብናይ መንፈስ ቅዱስ ጠመተ ጥራሕ እዩ ነቲ ኣድልዎ ብዘርኢ ዝብል ሕማምን ኢፍትሓውነትን ዘይተገዳስነትን ብብቕዓት ንምስናፍ ክንዓዪ እንኽእል፡ ካልኦት እውን ጠመተኦም ናብ መንፈስ ቅዱስ ንኽገብሩ ንምድጋፍ ኣኽእሎት ዝህልወና፡ ብዙሕ እዋን ኣብቲ ብተውሳክ ግስን ብቕጽል ስምን ኣብ ዝዛረብ መራኸቢ ብዙሓን ክርስቲያን ሰብ ሙያ መርኸቢ ብዙሓን ብስም ዝዛረብን ነቲ ስቕተይና ሓቂ ዝጣበቑን ንሰብኣዊ ክብሪ ሓለፋ ዝብሉ ክኾኑ ይግባእ፥ ኣብቲ  ዓለም ምግምማዕን ግጭትን ኣብ ዘርእየሉ ናይ ድኻታትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ናይ ምሕረትን ሓልዮትን ሕቶ ድምጺ ክኾኑ ቅዱስነቶም ሓደራ ከምዝበሉ ድኒኒ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ ህሞታዊ ኣገባብ ኣብ ዝረኣየሉ ስሙራትን ጽኑዓትን ምዃን

“ምስቶም ኣብ እምነት ጥርኑፋትን ጽኑዓት ንኽትኮኑ ዘተባብዕኹምን ናይ ወንጌላዊ ሓቂ መኣዛ ካብ ዘይብሉ ህሞታዊ ባህሊ ዝበርታዕኹም ንኽትኮኑ ዘጽንዑኹም ምስ ናይ  ሮማ ጳጳሳት ስሙራት ምዃን እቲ ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን መለለዪኹም ሓደራ ክይዝንጋዕ” ዝበሉ ቅዱስነቶም መልእኽቶም - እዚ ከኣ እቲ ዕለት 29 ሰነ ዝተብዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን የረጋግጾ ቢሎም ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ብሓባር ኣብ ጸሎት ትጉሃን ንኹን” ከም ዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድነተ ኣብ ብዙሕነት መራኸቢ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎት ኣስተንፍሶ ክኸውን
01 July 2020, 12:30