2019.10.05 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ዓመት 2019.10.05 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ዓመት 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ ነፍሲ ኣባ ግዮርግ ራጺንገር ይጽልዩ! መልእኽቲ ጽንዓት ይሃብ ናብ ልሂቅ ር

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝገለጽናዮ ዓቢ ሓዎም ንልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 96 ዓመ ዕድሚኦም ከምዝዓረፉን ቅዱስነቶም ንክበጽሕዎም ክሳብ ትውልዲ ዓዶም ሃገረ ጀርመን ከይዶም ከምዝተመልሱን ኣመልኪትና ነርና። ሎሚ ከኣ ብዛዕባ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ናብ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ዕለተ ቀብሮምን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ክነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ኩነታት ብደቂቁ እኳ ይከታተልዎ እንተነበሩን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ዝኣገረ ሞት ሓዎም ምስ ተረድኡ መጀመርያ ዝሓበርዎም ሰብ ባዕሎም ብምንባሮም ስለመዋቲ ኣባ ግዮርግ ጸሎተ ፍትሓት ከምዘዕረጉ ከምኡ እውን ነቶም ከም ኣባሓጎ ዝርእይዎም ብሽምግልና ደፊኦም ዘለው ልሂቅ ር.ሊ.ጳ እግዚአብሔር ኣብዚ ከቢድ ናይ ሓዘን ግዜ ምጽንናዑ ክህቦም ምእንታኦም ከምዝጸለዩን እተረጋግጽ ሕውነታዊ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ። ዝሓለፈ ዕለት 18 ሰነ ምስቲ ተኣፋፊ ጥዕናኦም ንሓዎም ንመጨረሽታ ግዜ ክሰናበቱ ንጀርመን በጺሖም ነበሩ።

ቅዱስነቶም ናብ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝጸሓፍዋ ናይ ጽንዓት ይሃብኩምን ምስጋናን መልእኽቲ ስለቲ ብዓቢ ጥንቃቄ ሞት ሓዎም ዝገለጹሎም ብምዝካር እግዚአብሔር ምጽንናዑ ክህቦም ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ድሕሪ ምግላጽ ብጸሎት ከምዘሰንይዎምን መንፈሳዊ ቅርበቶምን ገሊጾም። ነዚ ቃል ብቃሉ ጐይታ ሕይወት ዝኾነ ኣምላኽና ንመዋቲ ሓዎም ብሕያውነቱን ምሕረቱን ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ ወንጌል ኣብ ዘሰናድዎ ስፍራ ኣብ ሰማይ ክቅበሎ ጸሎት ፍትሓት ከምዝዕርጉ ድሕሪ ኣረጋጊጾምሎም ስለኦም እውን ከምዝጽልዩ እዚ ከኣ ብኣማልድነት እኖና ድንግል ማርያም ተስፋ ክርስትያንን ምጽንናዕ ሕዙናትን ብምዃና ክተጸናንዖም ወትሩ ከኣ ብሓባር ኣብቲ ምንጪ ተስፋን ሰላምን ዝኾነ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብሓደነት ክነብሩ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾምሎም።

ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ካልእ ዜና ከምዝገልጾ ከኣ ሥርዓት ቀብሪ ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግ ራጺንገር ንዝመጽእ ሮቡዕ ዕለት 8 ሓምለ 2020 ዓም ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤተክርስትያን ረገንስበርግ ሃገር ጀርመን ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 July 2020, 12:24