ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ንቅድስቲ ሶፊያ እሓስብን ብዙሕ ሓዘን እውን ይስምዓንን

ዕለተ ማያት ባሕሪ ሓሳበይ ናብ ኢስጣምቡል ንኸብል ይድርኸኒ፡ ቅድስቲ ሶፊያ እሓስብ ዓቢይ ሓዘን እውን ይስምዓኒ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዝስምዕዎ ቃል፥ ቅድም ቀዳድም ስንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ ምዃኑ ዘኪሮምን ኣስዒቦም እውን ኣብ ኢስጣምቡል ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ብውሳኔ ናይ ቱርኪ መንግስቲ ናብ መስጊድ ምልዋጡ ዘሕደረሎም ስቓይን ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ሓምለ ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ ምዃኑ ኣዝኻኺሮም ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ቱርኪ ርእሰ ከተማ ኢስጣምቡል ናብ መስጊድ ምቕያር ቢዛንታዊት ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ዘሕደረሎም ጓሂ ክንክገልጹ፥

ዕለተ ማያት ባሕሪ ሓሳበይ ናብ ኢስጣምቡል ንኸብል ይድርኸኒ፡ ቅድስቲ ሶፊያ እሓስብ ዓቢይ ሓዘን እውን ይስምዓኒ!

ከምዝበሉ ታማሮ ኣፍሊጠን።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ነቶም ምስ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝተተሓሓዘ ኤኮኖሚ ዝዓዩን መነባብርኦም ምስ ማያት ባሕሪ ዝተኣሳሰረን ባሕረይናታትን እናሓሰቡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ይከኣል ምስ ማያት ባሕሪ ዝተተሓሓዘ ዕዮን ኤኮኖምን ምቁራጹን ኣዚ ኸኣ ነቶም ምስ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ብዝተኣሳሰረ ዕዮ ንዝመሓዳደሩ ዓቢይ ጸገም የስዕበሎም ከምዘሎን እናሓሰቡን፡ ሰንበት መዓልቲ ማያያት ባሕሪ ቅድሚ 100 ዓመት ኣብ እንግልጣር ዝተበገሰ በቢ ዓመቱ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝከር እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

ኣብዛ ካልአይቲ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ንዝክር፡ ንዅሎም ነቶም ምስ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝተተሓሓዘ ዕዮ ዝመሓደሩን ብፍሉይ እዝክር፡ ነቶም ኣብዚ ስራሕ እዚ ዝዋፈሩ ካብ ሃገሮም ካብ ዘፍቅርዎምን ርሒቖም ዝርከቡ እሓስብ፡ ነዛ ዕለት እዚኣ ንምብዓል ካብ ቺቪታቨኪያን ታርኵይናን ዝመጻእኩም ኣቢዚ ንእትርከቡን ሰላምታይ አቕርበልኩም`።

ከምዝበሉ ታማሮ ሓቢረን።

ሰላምታ ቅዱስነቶም ንምእመናን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሐር ዘስምዕዎ መደረ፥

ንኣኻትኵም ምእመናን ሮማን ካብ ወጻኢ ሃገራትን ዝመጻእኩም መንፈሳውያን ነገዶን ብፍላይ ከኣ ንስድራ ቤት ምንቕስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤትን ሰላምታይ አቕርብ። ንናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ልኡካንን ነቶም ኣብዚ ለብዒ ኾረና ተህዋስ ኣብ ዝረኣየሉ  ዘሎ እዋ ኣብ ጉድኒ ህሙማን ኮይኖም ዘገልግሉ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናን እሓስብ።

ቢሎም ምስ ዛዘሙ ንኹሎም ብሩኽ ሰንበት ተመንዮም ሰላምታኦም ደጊሞም ብምቕራብ ከምእተፋነዉ ማሪኖ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ ንቅድስቲ ሶፊያ እሓስብን ብዙሕ ሓዘን እውን ይስምዓንን
12 July 2020, 22:17