ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ውሑስ ክኸውን ዘተን ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳም የድሊ

ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ላዕለዋይ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ቤት ምኽሪ ዘጽደቖ “ኣብዚ እዋን ለብዒ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ” ደጊፎም ዓመጽን ውግእን ደው ክብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 19 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ደጊሞም ብምቕራብ “ኣብ ዞባ ካውካስ ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን” ተባሪዑ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን እናሓሰቡ ምእንቲ እቶም በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ዝሞቱን ኣባይቲ ስድራኦምን ንጸልይ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ገና ኣብ ዘይተገትኣሉ እዋን ነቶም ነዚ ሕማም ንምብዳህ ዝዓዩን ነቶም ዝሓመሙን ነቶም ነቲ ለብዒ ብዘተኣታተዎ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላይ ንዝሳቐዩ ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ብፍላይ እቲ ለብዒ ከይኣክል ብውግእን ግጭትን ምኽንያት ኣዚዮም ኣብ ከቢድ ስቓይ ንዝርከቡ ሕዝብታት እሓስብ ከምዝበሉ ጓራሺ ኣፍልጦም።

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ንሰላም ዕድል ዝህብ ዘጽደቖ ዓለም ሓቆፍ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ፡ ሰላምን ደሕንነትን ውሕስ ንምግባርን ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብን ወሳኒ እዩ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ኣብዚ እዋን እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ እቲ ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን ዝተበገሰ ውጥረትን ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ምኽንያት ዝሞቱን ኣባይቲ ስድራኦምን እናሓሰቡ ዓለም ሓቆፍ ማሕብረሰብ እቲ ውጥረት ብዘተን በቶም ናይቲ ውጥረት ተዋሰእቲ  ጽቡቕ ድላይን መሰረት ናይቶም ፍቱዋት ሕዝብታት ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዝድግፍ ዘላቒ ሰላማዊ መፍትሒ መታን ክርከብ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ጓራሺ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ውሑስ ክኸውን ዘተን ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳም የድሊ
20 July 2020, 12:48