ሓዲስ ሰብኣውነት ዚሃንጹ ውጹዓት እምበር ሓያላን ኣይኮኑን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 5 ሓምለ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ማቴ 11.25 ዝዛረበሎም ትሑታትን የውሃንን ብምዝካር ቤተክርስትያን ዝተጸዋዕትሉ ስብከተ ወንጌል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩልና ከም ኢየሱስ ትሑታት ልብን የውሃትን ክንከውን ኣሎና እንክብሉ ምስ ኣተምሃሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም። ዘቅረብዎ ትምህርቲ እዚ ዝስዕብ ነበረ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም! ናይ ሎሚ ሰንበት ወንጌል ማቴ 11.25-30 ኣብ ሰለስተ ነገራት የተኩር። ብመጀመርያ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ማህሌት ውዳሴን ምስጋናን የቅርብ። ምኽንያቱ ከኣ ንምሥጢር መንግሥተ ሰማያት ንድኻታትን ገርሀይናታትን ስለዝገለጸ! ቀጺሉ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቦኡን ንሱን ዘሎ ፍሉይን ጥቡቅን ርክብ ይገልጽ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዕረፍቲ ንክንረክብ ናብኡ ክንመጽእ ንዑ ናባይ እናበለ ይዕድመና።

 ብቀዳምነት ኢየሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ንምሥጢረ መንግሥተ ሰማያት ንሓቁን ካብ ጥበበኛታትን ምሁራትን ስለዝሓብኦ የመስግን። ከምዚ ክብል እንከሎ ቅንያዊ ኣዘራርባ ኰይኑ እቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ምሁራትን ኢና ዝብሉ ብዙሕ ግዜ ልቦም ዝለዚዓጽው ኣይቅበሉን ክብል ኢሉ እዩ። እታ ሓቀኛ ጥበብ ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እምበር ሓሳባት ሰሚዕካ ክትርዳእ ብምጽዓር ኣይኮነነ ከምኡ እውን ሓቀኛ ጥበብ ናብ ልቢ እዩ ዚኣቱ። ብዙሕ ትፈልጥ እንተኾንካ ልብኻ ግን ዕጽው እንተዀይኑ ፈላጥ ኣይኮንካን። በዚኸስ ምሥጢራት ሰማያዊ ኣቦኡኡ ንናኣሽቱ ይግለጽ ይብለና። እዚኦም ኣብ ቃል ድሕነት ምሉእ ምትእምማን ኣሕዲሮም ልቦም ንቃል ድሕነት ዝኸፍቱ ንሱ ከምዘድልዮም ዝፈልጡን ንኩሉ ካብኡ ንዝጽበዩን እዩ ዘመልክት። እዚ ከኣ ምሉእ ምትእምማን ዘለዎን ንጐይታ ክፉትን ዝዀነ ልቢ እዩ።

ካብዚ ቀጺሉ ኢየሱስ ንኩሉ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ከምዝተቀበሎ ይገልጽ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣቦኡን ዘሎ ሓድነትን ርክብን ንክገልጽ ከኣ ኣቦይ ቢሉ ይጽውዖ። ከም ሓቁ ከኣ ኣብ መንጎ እግዚአብሔር ኣቦን ወልድን ፍጹም ምምልላእ ኣሎ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይፈልጦ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ይነብሩ። እዚ እንኮ ውህደት እዚ ከም ዕምባባ ዓምቢቡ ብነጻ ጽባቄኡን ሕያውነቱን ይገልጸልና። በዚ ከኣ ኢየሱስ ነዚ ዕድመ እዚ የቅርበልና 'ናባይ ንዑ' እናበለ ነዚ ካብ ኣቡኡ ዘስተማቀሮ ጸጋ ክዕድለና ይጽውዕ። ነቲ ሓቂ ክህበና ይደሊ። ሓቂ ኢየሱስ ወትሩ ብነጻ እዩ ዚዕደል። ጸጋ እዩ። እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ከምቲ እግዚአብሔር ኣቦ ንናኣሽቱ ዝመርጽ ኢየሱስ እውን ንዝደኸሙን ዝጸዓሩን ናብኡ ይጽውዕ። ንገዛእ ርእሱ ምሳኦም ብምቊጻር ከኣ 'ኣነ ትሑትን የዋህን ልቢ እየ' ይብል። 'ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት እዩ' (ኁ.29)፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን ትምህርቲ ብፅዕና ትሑታትን ብመንፈስ ድኻታትን የወሃንን (ማቴ 5.3.5) ክብል ዝገልጾ ለዋህነት ኢየሱስ እዚ እዩ። እዚ ትሑትን ለዋህን ልቢ ኢየሱስ ንተስፋ ዝቈረጹ ወይውን ተጐዲኤ ኢሎም ከጉረምርሙ ንዝነብሩ መሪሕ ክኸውን ኣይክእልን እንታይ ደኣ ነቲ ንኩነታቱ ብምሉእ ነጸብራቅ ፍቅሪ ኣቦ ማለት መንፈስ ቅዱስ ብምሉእ ልቡ ንዝነብር እዩ። ንሱ ኣብነት ናይቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝበሎምን ካልኦት ናይ ወንጌል ብጹዓንን ኰይኖም ፍቃድ እግዚአብሔር ዝፍጽሙን ንመንግሥቱ ዝምስክሩን እዩ።

ቀጺሉ ኢየሱስ ናብኡ እንተደኣ ከድና ዕረፍቲ ከም እንረክብ የረጋግጸልና። እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጽዕሩን ጾር ንዝኸበዶምን ዘተስፍዎ ዕረፍቲ ሥነ ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ወይውን ዝሰፍሐ ምጽወታ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ድኻታት ስብከተ ወንጌል ብምቅባልን ሓነጽቲ ሓዲስ ሰብኣውነት ብምዃንን ዝረኽብዎ ታሕጓስ እዩ። እዚ እዩ እቲ ዕረፍቲ ታሕጓስ እዚ ታሕጓስ እዚ ከኣ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ። እታ እንኮ ናቱ ታሕጓስ እያ። እዚ መልእኽቲ እዚ ንክሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ደቂ ሰባት እዩ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኢየሱስ ነዚ ሃብትን ስልጣንን ዝንእድ ዓለምና ነዚ ዕድመ እዚ የቅርበሉ ኣሎ። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን 'ኣሕ ኣነ እውን ከምኡ ክኸውን ምደለኹ ወይውን ከምኣ ክኸውን ምደለኹ እናበለ ሃብትን ስልጣንን ንዘለዎም ኣብ ዓለምና ምንም ንዘይጐድሎም ክንመስል ዘይተቃለስና'። ዓለምና ንሃብታማትን ሰበሥልጣንን በየን ከምዝረኸብዎ ብዘየገድስ ሓንሳእ ሓንሳእ ንሰብን ክብሩ ን ረጊጹ ዘምጽኦ እውን ክኸውን ይኽእል ነዚኦም ጥራይ ይንእድ። ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ንዕዘቦ ኣሎና። ድኻታት ይርገጹ ኣለው። ነታ ብናይ ምሕረት ሥራሓት ክትነብርን ድኻታት ትሑታትን ለዋሃትን ክኾኑ ወንጌል ክትሰብኽ ንዝተጸውዔት ቤተክርስትያን እዚ ሓደ መልእኽቲ እዩ። ጐይታ ቤተክርስትያኑ ከምዚ ክትከውን እዩ ዝደልያ። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ከኣ ንሕና ኢና።

ካብ ፍጥረት ኩሉ ዝተሓተትን ዝዓበየትን እኖና ድንግል ማርያም ንምልክታት ሕይወትና ኣለሊና ነቲ ንዕቡያት ተሰዊሩ ንትሑታት ዝግለጹ ምሥጢራት ኣለሊና ምእንቲ ክንክእል ጐይታ ጥበብ ልቢ ክህበና ምእንታና ተማልደልና።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 July 2020, 10:49