ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብድሆ ሕውነታውነትን ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ኮቪድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብድሆ ሕውነታውነትን ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ኮቪድ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብድሆ ሕውነታውነትን ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ኮቪድ

ናይ ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ማእከል ሕውነታውነት ዝብል ኣምር እዩ፡ “ኣሕዋት” ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ንመላእ ዓለም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ቃሎም እውን ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ። ናይ ሕውነት ማዕቕን ኣብቲ ናይቲ ናይ ኣሲዚ ድኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ክኸውን ኣብ ዝሓረይሉ ኣብ መፈጠራዊ ናይ ሕይወት ጽማሬ መግለጺ መንነቶም ዝቃላሕ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ሎሚ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም፡ ንሓድ ሕድና ከም ኣሕዋት ክንረኣኣይ ይግብኣና እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣዚዩ ሕጹጽ ከምዝኾነን እነሆ ድማ ኣብዚ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሓደ’ኳ ንበይኑ ክድሕን ከምዘይክእል ነስተውዕልን መጻኢ ንምሕናጻ እንኰ ኣንፈት ሕውነታውነት ምዃኑ ቃሎምን ጻውዒቶምን የመላኽተና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣበይ ኣሎ ሓውኻ? ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ (ይግዕር) አሎ። እዚ ንኻልኦት ዝምልከት ሕቶ ኣይኮነን፡ ንዓይን ንዓኻን ንዓኽን ንነፍሲ ወከፍናን ዝምልከት ሕቶ እዩ” እዚ ዓሚይቕ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣምር’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ከም ሎሚ ሸውዓት ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ። እቲ ቁሩብ ሰዓታት ዝወሰደ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ላምፐዱዛ ብኻልእ መዳይ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እንታይን ከመይ ምዃኑ ዘመላኸተ እውን እዩ። ኣብታ ኢጣሊያዊት ደሴት ናይ ኤውሮጳ ደቡባዊ ጫፍ ዞባ ዝኾነት ላምፐዱዛ ተረኺቦም “እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን - ናብ እትብል” እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣምር ብጭቡጥ እንታይ ማለት ምዃኑ ዘብርህ እዩ። እቲ ሓቅን ጭቡጥ ኩነት ካብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማን ህልውናን ኮይንካ እዩ ዝፍለጥ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ማእከል ካብ ውግእን ጥምየትን ዘምለጡ ስደተይናታት ተረኺቦም እቲ “ድኻን ንድኻታትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ሕልሞም ብጭቡጥ ክትንከፍ ገይሮም። ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ቃኤልን ኣቤልም ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ስብከት ብዛዕባ ሕውነታውነት ሕቶ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘንበሩሉ እውን እዩ። ንእዋንናን ካብኡ ሰገር እውንዳርጋ ናይ ወትሩ መሰረታዊ ሕቶ እዩ።

ናይ ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ማእከል ሕውነታውነት ዝብል ኣምር እዩ፡ “ኣሕዋት” ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ንመላእ ዓለም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ቃሎም እውን ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ። ናይ ሕውነት ማዕቕን ኣብቲ ናይቲ ናይ ኣሲዚ ድኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ክኸውን ኣብ ዝሓረዩ ኣብ መፈጠራዊ ናይ ሕይወት ጽማሬ መግለጺ መንነቶም ዝቃላሕ እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ገዳማዊ መጸውዑ ሓው ዝብል እዩ፡ እዚ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝንጸባረቕን ዝንበርን ዝግለጽን መጸውዕ እውን እዩ፡ ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ዘለዎም ርክብ እውን ሕውነታውዊ እንክብሉ ይገልጽዎ፥ “ሓወይ”፡ ሕውነት ኣብ ኣቡ ዳቢ እቲ ዕለት 4 መስከረም 2019 ዓ.ም. ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ብወግዒ ብዘቕረብዎ ሰነድ ንኹሉ ፍሉጥ ዝገበርዎ ቅዉም ሓሳብ እዩ፡ እቲ ኣብታ ዓረባዊት መሬት ብወግዒ ዝተበጽሐ ሕውነት መበገስ ሕውነት እውን እዩ፡ ሕውነት ቀጻሊ እውን ምዃኑ የመላኽት።

ናብቲ “ናይ ላምፐዱዛ ሕቶ” ንመለስ፡ ኣብ ረዲፑሊያ ኣብ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ናይ መቓብር ስፍራ ብምኽንያት ዝኽሪ ብጋሴ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ቃኤልን ዝተኻየደ ዘተ ዘኪሮም፥ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 4 ፍቕዲ 9 “እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውኻ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ” ኣብተን መልሲ ቃኤል ናይ ሓውኻ ሓላውን ተኸላኻልን ዓቃብን ኣብ ምዃንካ ምብኳርካ እዩ ዘስምዕ፥ ኣብታ መልሲ ናይ ቃዔል እቲ ኩሉ ኣብ ዓለም እንርእዩ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘናውጽ ክፋእ ኣናስር ንረክብ፡ እዚ ኸኣ ብትኽክል ነቲ ኢየሱስ ዝሓተትና “ንሓዉ ዝሓልይን ዝከናኸንን መንግስተ ሰማይ ክወርሳ እዩ ንሓዉ ዘይሓልይ ግና ክጠፍእ እዩ” እንክብል ንዝመሃረና ዝጻረር እዩ፡ . . . ኣነ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሱ ብገዛእ ርእሱ እዩ ዝፈርድ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሔር ወጻኢ ምንባር ዝመርጽ እዩ። ቅዱስነቶም ሕውነታውነት ብኹሉ መልክዕ ኣብ ኩሉ ማዕቕናቱ ክገልጽዎን ከንበርዎን ንርእይ፡ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን፡ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ማዕቅን ፖለቲካን ኩሉ ዝነብርዎ። . . .

ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምስ ሺሞን ፐረስን ኣቡ ማዘንን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ርክብን ጸሎት ምእንቲ ሰላምን መደብ ዘቃልሕዎ፡ ኣብዚ ምርኻብኩም - ይብሉ ቅዱስነቶም ነቶም እስራኤልውን ፍልስጥኤማውን መራሕቲ - ከም ደቂ ኣብርሃም መግለጺ ዓቢይ ትእምርቲ ሕውነት እዩ፡ ኣብቲ ናይ ታሪኽ ጐይታ ኣብ ዝኾነ እግዚኣብሔር ናይ ዘሎካ እምነት ጭቡጥ መግለጺ እዩ። ኣብ ክርስቶስ ብዘሎካ ናይ ሓባር እምነት ህይዉት ዝኾነ ሕውነታውነት፥ እዚ ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ምስ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክን በቶም ቅዱስነቶም ሓወይ ቢሎም ብዝጽውዕዎም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝተባርከን ርክብ፡ ኣብ ኵይባ ፍራንቸስኮን ኪሪልን ብሓባር ናይ ሓባር ሰነድ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርሉ ርክብን፥ ኣብቲ ናይቲ ሰነድ መእተዊ፥ “ከም ኣሕዋት ኣብ እምነት ክርስትና ናይ ምርኻብና ሓሴት፥ ብህያው ድምጺ ንኸቃልሖ፡ . . . ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምእንቲ ንናይ  ደቡብ ሱዳን ሰላም ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ናይ ተቓዋሚ ሓይሊ መራሕትን ንመንፈሳዊ ሱባኤ ዓዲሞምን ኣብ ምዝዛም እቲ ሱባኤ ቅዱስነቶም ተምበርኪኾም እግሪ ናይቶም መራሔ መንግስትን ናይ ተቓወምቲ ሓይሊ መራሕትን ክስዕሙ ዝተራእየ መንፈስ ሕውነት፥ “ንኣኻትኩም ሰለስቴኹም ናይ ሰላም ስምምዕ ዝኸተምኩም - ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ - ከም ሓውኹም ኣብ ሰላም ንበሩን ኩኑን እንክብል ብምሉእ ልበይ እምሕጸነኩም፡ ኣብ ጎደና ሕውነት ንቕድሚት ንሰጉም” ዝበልዎ እቲ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መግለጺ ንረክብ።

ኣብቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ውሳኔ ፍረኡ ክህብ ከምዝጀመረን ስዒቡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ስጉምትታቱ ድንጉይ ክኸውን ዝተገደ እውን እንተመሰለ እዚ ኩነት’ዚ ንገዝእ ርእሱ ኣድላይነት ሕውነት ብዘየማትእ ኣገባብ ዝሕብር እዩ፡ “ኣበይ ኣሎ ሓውኻ” ዝብል እቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዕለት 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኦርቲ ዘፍጥረት ጠቒሶም ዘቕረብዎ ሕቶ ሎሚ እውን እቲ ዓቢይ ሕቶ ምዃኑ የዘኻኽር። ዓለም ብውልቁን ብገዛእ ሓይሉን ኵሉ ዝገብር ኮይኑ ዝስምዖን ርእሰ ምትእምማን ዝኸበቦን . . . እቲ ለብዒ - ኣብ መሬት ክወድቕ ገይርዎን ክሳብ እቲ ዝረአይ ዘሎ ኩነት ምእማን ዝሰኣኖም ኣብ ቅድሚ ዘይረአይን ዘይጭበጥን ጸላኢ ኣልቦ ዓቕምን ሓይልን ኮይኑ ተረኽበ። ዳግም ኣብ ምትንሳእ መሰረት ዘቑሞ ዓንዲ ሰኣነ። እዚ መሰረተ`ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ደጋጊሞም ሕውነታውነት ምዃኑ የተሓሳስቡ። ኣብ ልዕሊ እዚ መሰረት’ዚ ጥራሕ እዩ እንኮ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ጽኑዕ ናይ ሓባር ቤት ንምሕናጽ ከምዝከኣል የዘኻኽሩ።

እቲ ሃንደበታዊ ኾሮና ተህዋስ ዋላካ’ኳ ኣብ መንጐ ሃገራት ውሽጢ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለን እቶትን ይሃሉ ኵለን ተኣፋፊ ከምዝኾነ ኣስተርእዩ እዩ። ኣብ ሓንቲ ጀልባ እንርከብ ኣሕዋት ኢና፡ ዝናወጽ ማዕበልን ጸፍዕን ንኹሉ ብዘየማርጽን ብዘይምድላውን የጥቅዕ፡ “በቲ ብርቱዕ ማዕበል - ይብሉ ቅዱስነቶም ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዝናም ኣብ ዝዘንበላ ዝነበረት ዕለት ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ከናግፈና ጸሎትን ምህለላን ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ኣቕሪቦም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት - ተኣፋፍነትና ተቓልዔ እቲ ዝሓነጽናዮ ፈሰስን ናይ ሓሶትን ዝዀነ ውሕስነትን ዝክረ ነገራትናን ውጥናትናን ልማዳትናን ቀዳምነት እንሆቦን ኩሉ እንታይነቱ ኣግሃደ፡ ኤጐነትና እቲ ዝሓነጽናዮ ናይ ሓሶት ተክለ ሰብነትና ተቓልዔ፡ እቲ ልሙድ ኣረኣእያና ተቓልዔ ካብቲ ገዛእ ርእስና ክንኣልየሉ ዘይከኣለና (እቲ ዝተባርከ) ከምኣሕዋት ናይ ሓባራውነት ወገን ምዃንና ተጋህደ”  ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይዝከር። ውግእን ጥምየትን ኣብ ቤትና ሰለ ዘይኣተወ . . . ነቶም ካብ ውግእን ጥምየትን ዘምልጡ በራትና ከምዝዓጸናሎም እቲ ለብዒ ኣብቲ ዝደንዘዘ ሕልናና ነዚ ዅሉ ኣበራበረ። ሎሚ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ዝተራእየ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ኩነት’ዚ ገጽና ከዊልና ርኢና ከምዘይረኣና ኮይንና ክንሓልፍ ዝከኣል ኣይኮነን፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ኣሕዋት ምዃንና ስለ ዝስምዓና። ንሓድ ሕድና ኣባላት ከምዝኾንና ስለ ዝስምዓና። ካልእ ቦታ ዝበሃል የሎን። ገዛእ ራስኻ እትኽውለሉ፡ እቲ ካልእ ቦታ ኣንሕናን ኩላትናን ኢና። ኩላትና እንርከበሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብድሆ ሕውነታውነትን ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ኮቪድ
08 July 2020, 12:29