ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ብዙሕ ምትሕልላፍ መጐዓዝያን ጫውጫውታን ናጻ ናይ ዝኾኑ መቓምጦ ጽባዌ ርኽበት

ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዓለም ካብ ሕብረተሰብ ዝነቐለ ዝተፈላለዩ ተብገሶታት ይነቓቓሕ ምህላዉ ዘኪሮም፡ . . . ንናይ ሓባር ቤትና ፍሉይ ምስትውዓል ዜግነታዊ ክኸውን ዘተባብዑ ምዃኖም እውን የብርሁ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 20 ሰነ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብዚ እዋን ለብዒ ናይ ብዙሓት ከባቢታት ጽባቔ ክጥጥዕ ከምእተራእየን ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ኩነት ከባቢናን ብሓፈሻኡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘሎና ሓላፍነት ልዑል ምስትውዓል ክህልወና ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስቲ ለብዒ ዝተኣሳሰረ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማዕዝናት ከተማታትና ብሸበድበድ ዕለታዊ መነባብሮና ብዙሕ እዋን ብዕግርግር ተዓቢጡን ተታሚሙን፥

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ካብ ዝሓበረና ካልእ ኩሉ እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ማሓድሮን ዘሎ ርክብ ምስትንታን ዝብል እዩ፡ ውሸባ ብከላ ከባቢ ኣየር ክንክይ ገይሩን ናይ ብዙሓት ከባቢታትን ቦታን ካብ ምትሕልላፍ መጐዓዝያን ጫውጫውታን ናጻ ኮይኑ ጽባቔታቱ ዳግም ንኸነስተውዕል ገይሩ እዩ፡ ሕጂ ናብቲ ንቡር ምንቅስቓሳት ምምላስ መብዛሕትና ኣብ ልዕሊ መሓድሮ ዘሎና ሓላፍነት ንኸነስተውዕ ሓደራ!

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ብዙሕ ከባቢ ዓለም ካብ ሕብረተሰብ ዝነቐለ ዝተፈላለዩ ተብገሶታት ይነቓቓሕ ምህላዉ ዘኪሮም፡ . . . ንናይ ሓባር ቤትና ፍሉይ ምስትውዓል ዜግነታዊ ክኸውን ዘተባብዑ ምዃኖም እውን የብርሁ።

ዳግም ዝተኾለዔ ጽባቔ

ኣብ ሮማ መዓልቲ ውሕጅ ተቨረ ዝብል ከተማታት ብብሽክለታ ዝብሉን ብጠቕላላ እቲ ለብዒ ዘስዓቦ ውሸባ ከተማታትና ካብቲ ዘጓንፎ ብከላ ናጻ ክኸውን ገይሩ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ካብቲ ለብዒ ክንመሃሮ ዝግብኣና ኣብ ልዕሊ መሓድሮ እነውርዶ ብከላ ይኣክል ዝብል ብጋሴ እዩ፡ መሓድሮ ምብካል ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ህብረ ህይወትን እውን ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ለብዒ እዩ።

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎን እቲ ዝገልጽዎን ሓሳብ ቅድሚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እውን ምዃኑ ብዙሕ ነገር ንኸነስተውዕል ይድርኸና፡ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቃሎም ዝበልዎ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ጽቡቕ ጽባቔ ከባቢታትን ተፈጥሮን ንኸነስተውዕል ገይሩ እዩ፡ ከተማታት ካብ መንበሪ ንጥዕና ጸገም ካብ መቀራረቢ መረሓሓቒ ካብ ማሕበራውነት ውልቃውነትን ዘእንግዳ እናኾና ብዙሓት ናብ ወሰናስን ከብሉ ክርስዑን ክንጸሉን ገይሩ እዩ፡ ምዕባለ ጠርናፊ እንተዘይኮነ ነጻልን ጸገምን እምንበር ምዕባለ ክኸውን ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ።

ናይ ሓባር ቤትና ምክልኻል

ኣብዚ እዋን ለብዒ ሰብ ህድእ ምስ በለ መሓድሮ ዝተሓብዔን ዝተዓፈነን ጽባቔኡ ክቀላቐል ጀመረ እንክቡ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ መጓዓዝያን ጫውጫውን ተልኣሊዩ ጽብቔ ተኾሊዑን ንኸነስተውዕሎ በቒዕናን ህልቂትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ኣየድልይን ኣዚ ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝበልዎ እዩ፡ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ብጻዩን ምስ ገዛእ ርእሱን ተፈጥሮን ክዕረቕ ጻውዒት የቕርቡ፡ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት ቅዱስነቶም “ኩሉ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ሓልፍነት ክስምዖ” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ብዙሕ ምትሕልላፍ መጐዓዝያን ጫውጫውታን ናጻ ናይ ዝኾኑ መቓምጦ ጽባዌ ርኽበት
22 June 2020, 15:53