ኣርእስተ ሊቃነ  ጳጳሳትን ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልምን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልምን 

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልምን

ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሰንበት ዕለት 8 ሚያዝያ 1968 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ሆሳዕና ነቶም ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ተክለ ሰብነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዘኪሮም ብዝተደናፈቐ ቃሎም “እቲ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ መቕተልቲ መስዋዕቲ እዩ”

ካብ ጳውሎስ ሻድሻይ ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ሕልሚ” ምሉእ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበረሰብ ኣፍሮ ኣመሪካውያን ዝብል ማርቲን ሉተር ኪንግ ዘመላኸቶ ሸቶ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ውዕዉዕ ድጋፍ ዝረኸበን ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ማዕርነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ክስዓብ ዘለዎ ኣብነት ምዃኑ ደጋጊሞም ከምዘመላኸቱን ዘተባብዑን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዘሰቕቕ ኣቀታትላ ጆርጆ ፍሎይድ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልሚ ሎሚ እውን እንተኾነ ክብጻሕ ዝግብኦ ክሳብ ክንደይ ርሑቕ ሽቶ ኮይኑ ከምዘሎ የረጋግጸልና፡ ቅድሚ 57 ዓመት ዕለት 28 ነሓሰ ከም መራሒ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ምንቅስቓ መራሒ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልሚ ኣሎኒ ዝብል ዘስምዖ መደረ ኣብዚ እዋን`ዚ በቶም ማሕበረሰብ ኣፍሮ ኣመሪካውያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሎሚ እውን ይቃላሕ ኣሎ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ክብርን ኣብ ዝሓቱ ልብን ኣእምሮን ልሳንን የቃላሕ፡ እቲ ሕልሚ ኣብ ወንጌል ዝተሰረተን ካብቲ ናጻ ዘውጽእ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተነቓቐሔን እውን ከምዝነበረን እቲ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ “ሕልሚ ኣሎኒ” መደረ ኣብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዓቢይ ኪዳን ከምዝረኸበን፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቶም ዓቢይ ናይ ባፕቲስት መጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ዕለት 18 መስከረም 1964 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምን ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣድልዎ ብዘርኢ ንኽውገድ ብዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከምዘበራትዑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጾ።

ልክዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ምስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተኻየደ ርክብ ብትኽክል ዕለት 4 ሚያዝያ 1968 ኣብ መንፊስ ከተማ ተነሲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብኢድ ሰብ ከምእተቐትለን እዚ ዜና ዝበጽሖም ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሰንበት ዕለት 8 ሚያዝያ 1968 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ሆሳዕና ነቶም ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ተክለ ሰብነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዘኪሮም ብዝተደናፈቐ ቃሎም “እቲ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ መቕተልቲ መስዋዕቲ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም “ጽልእን ቅርሕንትን ሕነ ምፍዳይን ኣይፋል ኣብ መንጐ ናይታ ዓባይን ፍትውትን ሃገር ዘሎ ዜጋታት ዓቢይ ናይ ፍልልይ ጸድፊ ክውገድን ሓድሽ ናይ ምሕረትን ሰላምን ዕርቅን ማዕርነትን ናይ ናጽነትን ግቡእን መሰልን ክብርን ዘረጋግጽ መስዋዕትነት ክኸውን ተላብዮም፡ እቲ መቕተልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝፈጥሮ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ በንጻሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ልቢ ምእንቲ መሰልን ክብር ቃልሲ ምክያድ ተሰጊሩ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ዝውሕስ ሕግን ስርዓትን ቆይሙ ኣብ መሰልን ክብርን ማዕረ ዝኾነ እዋናዊ ስልጣነን ክርስቲያናዊ ሕውነትን ዘረጋግጽ ይኹን” ከምዝበሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ልክዕ ድሕሪ 20 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 12 መስከረም 1987 ዓ.ም. ኣብ ኔው ኦርሊንስ ተረኺቦም ምስ ናይቲ ከባቢ ኣፍሮ ኣመሪካውያን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣፍሮ ኣመሪካውያን ኢፍትሓውነትን ናጽነት ካብ ጸቕጥን ዝብል ዕላማ ኣበሪኾም ዝፈጸምዎ ከቢድ ጉዕዞ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ክብረይን መሰለይን ማዕርነትን ናጽነት ካብ ጸቕጥን ዝብል ጉዕዞኽኩም እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣብ ጐደና ሰላም ዝመረሖ እዩ - ቢሎም - ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝመረሖ እግዚኣብሔር ዘነቓቐሖ ጎደና ሰላም ናይዛ ሃገር ጸለምቲ ዜጋታት መነባብሮን ብሓፈሻኡ ናይ ሕይወት ኩነት ክልወጥን ልክዕ ከምቲ ናይ ካልእ ኩሉ ኣመሪካዊ መሰሉን ክብሩን ክኽበረሎም ዝጽውዕ እዩ” ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ኣብቲ ተወላዲ ኣትላንታ መጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተሰግወ ክርስቲያናዊ ሕውነት ኣብቲ ኣብ ናይ ክርስቶስ ናጻ ዘውጽእ ዝኸፈሎ መስዋዕትነት ዝነበሮ እምነት መሰረት ዝገበረ እዩ” ቢሎም ከምዝገለጽዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 16 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ኣብ ዋሽንግቶን ኣብ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ናይቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ መስራቕን ዘላቒ ኣስተንፍሶን ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮ እምነት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን እቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝመረሖ ጸረ ጊልያነትን ምንቅስቓስ ሓልዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን” ካብቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮ እምነት ዝነቐለ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩን ኣብቲ ዘካይድዎ መገሻ ምስ ጓል ማርቲን ሉተር ኪንግ በርኒሰ ኣለበራይን ኣብ ነው ዮርክ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተራኸቡን ልክዕ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዝባዊ  ባይቶ ፊት ተረኺቦም፥ መንፈስ ኣመሪካውነት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሓንቲ ሃገር ዓባይ ዘብላን ዓባይ ተባሂሉ ክትግለጽ ዝገብራ ( . . . ) ንኹሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ መሰልን ክብረትን ናጽነት ማዕርነት እተነቓቕሕን ልክዕ ከምቲ  ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝገበሮ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እዩ” ቢሎም “እቲ ሕልሚ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሎሚ እውን ኣስተንፍሶ ኮይኑና እዩ ስለምንታይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥልቅን ሓቅን ዝምልከት ስለ ዝኾነ፥ . . .  እዚ ዓይነት ሕልሚ’ዚ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዛዘም ዘይኮነ ናብ ተግባርን ሱታፌ ጻዕርን ዝድርኽ እዩ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ከም በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ጓል መጋቤ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ተሓላቒት በርኒሰ ኣልበራይን ዕለት 12 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ፡ እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ስዒቡ ቁሩብ ሰሙን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት መስዋዕተ ማርቲን ሉተር ኪንግ ከምእተፈጸመን ቅዱስነቶም ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣድልዎ ብዘርኢ ክውገድ ዘካየዶ ቃልሲ ፈጺሙ ዘይርሳዕን ኣብነትን ምዃኑ ከምዝሓበሩን . . .  ዘይጎነጻዊ ቃልሲ -  ይብሉ ቅዱስነቶም - ብቆራጽነትን ብስሙር ሕይወትን ዝተመስከረ ብምዃኑ ውጽኢታዊ ክኸውን በቒዑ እዩ”፡ ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት እናሓሰቡ፥ “ብዓመጽ ዝተዓትረ ነገር የሎን ስለምንታይ እቲ ብዓመጽ እትረኽቢ ስለ ዝበርስ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሕልምን
04 June 2020, 16:15