ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ሶሪያን ካባቢ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት መጻኢ ይጽልዩ

እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ናብ ዓስራይ ዓመቱ ኣብ ዘብለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሶሪያን ኣብቲ ዞባን ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ጽንኩርን ልዕሊ 400 ሺሕ ንሞት 11 ሚሊዮን ንምዝብልናን ዳሪጉን ክትገልጸ ዘጸግም ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላውን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ክመዛበሉን ከምዝገበረን

ሶሪያን ንሊባኖስን የመንን ኡክራይንን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 28 ሰነ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቂዑ፡ ምእንት እተን ኣብ ጽንኩር ቅልውላው ዝርከባ ሃገራት ከምዝጸለዩን ምእመናን ኣብዚ ጸሎት’ዚ ክሓብሩን ከምዝዓደሙ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማርኮ ጉወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ነቲ ክብሩን ፍቱውን ሕዝቢ ሶሪያ ኣብ ጸሎትና ንዘክር ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታኡ ናብኡ ከብልን እንክብሉ ደጋግሚም ዘቕርብዎ ጽዒት እዩ፡ ዕለት 28 ሰነ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሶርያን ናይ ዞባ ማእከላይ ምብርቕ መጻኢ ንምድጋፍ ብዝብል መርሕ ሓሳብ ዘካይድዎ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ እናሓሰቡ፥

ናይ ሕዝቢ ሶሪያ ብፍላይ ነታ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ዝረኣየላ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ኩነት ንኸተብል እትድረኽ ዘላ ሃገረ ሊባኖስን ጉረባብታን ሃገራት ህልውን መዓተይናን እዋናዉ ኩነት ክመሓየሽን መታን ምእንቲ እቲ ዝካየድ ኣገዳሲ ዓውደ ጉባኤ ንጸልይ፥ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሕጻናት ዝብላዕ ዘይብሎምን ሕስብ እሞ ነብል፡  እቶም መራሕቲ ሰላም ንምርግጋጽ ብቑዓት ይኹኑ!

ናይ ዓመጽን ግርጭትን ዓመታትን ግዳያትን

እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ናብ ዓስራይ ዓመቱ ኣብ ዘብለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሶሪያን ኣብቲ ዞባን ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ጽንኩርን ልዕሊ 400 ሺሕ ንሞት 11 ሚሊዮን ንምዝብልናን ዳሪጉን ክትገልጸ ዘጸግም ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላውን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ክመዛበሉን ከምዝገበረን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ ኣዚዩ ጽንኩር ኩነት የብእሶ ከምዘሎ ማርኮ ጉወራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ይሕብሩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት እዚ እቲ ኣብ ብራሰልስ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብሓባር ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ንራብዓይ ግዜ ዘካይድዎ ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሶሪያን ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ጉዳይ ዝመክር እቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረትን ግጭትን ዓለም ሓቆፋዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንኽረክብን ኣብ ሶሪያን ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ  ቅልውላው ንምውጋድን ነቶም ሶርያውያን ተመዛበልቲ ዘአንግዳ ሃገራት ዘድሊ ድጋፍ ንምቕራብ እውን ዝመክር ከምዝኾነን ሊባኖስን ዮርዳኖስን ቱርክን msrnን ዒራቕን ኣብ ምእንጋድ ተመዛበልቲ ሶርያውን ዘቕርብኦ ድጋፍን ምትሕብባርን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘቃልሕን ብዛዕባ እዚ እውን ተኣንጋስድንት ኣአንገድትን ሃገራት እውን ከምዝመያየጥ ጉወራ ናይ  ሕብረት ኤውሮጳ መግለጺ ጠቒሶም የመላኽቱ።

ሕጻናት የመንን ኣብ ኡክራይን ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይን

ተመሳሳሊ ስቓይ እውን ኣብ የመን፥ ቅዱስነቶም ነታ ኣብ ግጭትን ውግእን ካብ እተብል ሓምሻይ ዓመታ ተቑጽር ንዘላ የመን እናሓሰቡ ሕዝባ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነት ከምእትርከብ እውን ገሊጾም፥

ምእንቲ የመንን ሕጻናት እታ ሃገርን ብከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝሳቐዩ ዘለዉ፡ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጠቕዔት ኡክራይን (ምዕራባዊ ኡክራይን) ንጸልይ፡ ካብ ጐይታ ምጽንናዕ ካብ ኣሕዋት ጭቡጥ ድጋፍን ክበጽሖም ምታን ንጸልይ!

ከምዝበሉ ጉወራ ሓቢሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ የመን ኣብ መንጐ ብኢራን ዝድገፍ ሺዓዊ ዕጡቓት ሃይሊ ሁቲን ብቐዳምነት ብሱዒዲ ዓረብን ብካልኦት ሱናውያን ዓረብ ሃገራታ ዝድገፍ ናይ ሃይዲ መንግስቲ ደገፍቲ ዕጡቓት ሓይሊ ዝካየድ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ልዕሊ 3 ሚሊዮን ዜጋታት እታ ሃገር ከምዘመዛበለን ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 26 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናት ማሕበር ኣብ የመን ካብ ኣርባዕተ ሕጻናት ሰለስተ ብጥምየትን ብስእነት መግብን ስእነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንሓደጋ ሞት ከምዝቃልዑ ከመልክት እንከሎ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እውን ብወገኑ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚዩ ጽንኩርን ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈጥ እንክብል ከምዝገለጾ ኣዘኻኺሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኮንጉኣው ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ሮማ ምእንቲ ሰላም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝተኻየደን ጸሎትን ጠቒሶም ምእንቲ ሕዝቢ ኮንጐ ክንጽለይ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ሶሪያን ካባቢ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት መጻኢ ይጽልዩ
29 June 2020, 11:50