ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክልተ ደቀንስትዮ ንዓቢይ ሓላፍነት ሰሚዮም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክልተ ደቀንስትዮ ንዓቢይ ሓላፍነት ሰሚዮም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክልተ ደቀንስትዮ ንዓቢይ ሓላፍነት ሰሚዮም

ሚላኖ ኣብ ዝርከበ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ልበ ኢየሱስ መምህርን ኣብ ሚላኖ ናይ ጠበቓታት ማሕበር ኣባልን ናይ ስነ ኤኮኖሚ ማሕበር ኣደ መንበርን ናይ ኤኮኖሚ ስነ ሕጊ መምህርን ናይ ካቶሊካውያን ማሕበር ደያኑ ኣባልን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ሓላፊት ንኽኾና ንዶክተር ራፋኤላ ቪንቸንቲን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሃገር ቫቲካን ናይ ቁጠባ ሓበሬታ በዓል ስልጣን ቤት ምኽሪ ኣባል ንኽኾና ንፕሮፈሰር ኣንቶኔላ ሻሮነ ኣሊብራንዲን ከምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊ ኮይነን ዘገልግላ ንዝነበራ ንዶክተር ራፋኤላ ቪንቸንቲ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ሓላፊት ንኽኾና ብቕድስቶም ከምእተሰምያ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓባሬታ ዝከታተል በዓል መዚ ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ሕጋዊ ንምግባር ዝካየድ ምንቅስቓስን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣሸበርትን ሃብቲ ገንዘብ ዝከታተል ክኸውን እንከሎ ሕጽቦ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ ናይ ዝቆጻጸር ናይዚ በዓል መዚ ቤት ምኽሪ ኣባል ንኽኮና ብቕዱስነቶም ዝተሰምያ ዶክተር ኣሊብራንዲ፡ ሚላኖ ኣብ ዝርከበ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ልበ ኢየሱስ መምህርን ኣብ ሚላኖ ናይ ጠበቓታት ማሕበር ኣባልን ናይ ስነ ኤኮኖሚ ማሕበር ኣደ መንበርን ናይ ኤኮኖሚ ስነ ሕጊ መምህርን ናይ ካቶሊካውያን ማሕበር ደያኑ ኣባልን ከምዝኾና ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክልተ ደቀንስትዮ ንዓቢይ ሓላፍነት ሰሚዮም
13 June 2020, 21:23