ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብእትገብርዎ መሥዋዕተነት ነመስግነኩም! ር.ሊ.ጳ ንባሕረኛታት
ዜና ቫቲካን
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መነባብሮ ደቂ ሰባት ዘገልግሉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ከምተዋፍር እዚ ከኣ ካብ ንእሽቶ ቤተጸሎት ጀሚርካ ክሳብ ዝለዓለ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ከምኡ እውን ካብ ናኣሽቱ ናይ ጥዕና ተቊማትን መዓስከራትን ክሳብ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንባርሕረኛታት እውን ተበርክት። እዚ ብዝተፈላለዩ ኣገልገልቲ ካህናትን ኣቡናትን ዝቆመ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ባሕሪ ኣብ ኣብ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝዋፈሩ ዝከታተል ኰይኑ ከከም ኣድላይነቱ ቻፕለይን ወይውን ኣባት ነፍሲ ብምምዳብ ይሰርሕ። ቅዱስነቶም ትማል ሮቡዕ ዕለት 17 ሰነ 2020 ዓም ናብዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ዝሰደድዎ ናይ ቪድዮ/ርእየት መልእኽቲ ከም ካልኦት ናይ ዓለምና ትካላት ባሕረኛታት ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ንዘጋጥሞም ጸገማት ከምዝርድእዎን በቲ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ዕጉብ ምዃኖምን ድሕሪ ምግላጽ ኣድላይነት ኣገልግሎቶም ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።
መንጎ ሰማይን ባሕርን ኣብ ተብሎ ዘይብልካ ምዃን!
ቅዱስነቶም ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕይወትና ዘስዓቦ ዘይንቡር ኩነታት በብሓደ ምስ ዘከሩ ብሕልፊ ናይ ባሕረኛታት ካብ ናይ ካልኦት ፍልይ ዘብሎ ኣብ ማእከል ባሕሪ ተዓንቂጽካ ላዕሊ ታሕትን ክትብለሉ ዘይትኽእል ኣጋጣሚ ንመሬት ከይትኣቱ ተኸልኪልካ ናብ ተብሎ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኣብኡ ደኣ እናተባሃልካ ነቲ ዘድሊ ነገራት ንክተማልእ ከኣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳስ ይኹን ሕይወት ኣብ ምድሓን ክትቃለስ ቀሊል ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ክፍሊ ሥራሕ ከምዘመልክቶ ካብ 150,000 ክሳብ 200,000 ዝኾነ ባሕረኛታት ኣብ ባሕሪ ተዓጽዮም ከምዘለው የመልክት። ዓለምለኸ ውድብ ሠራሕተኛታት ዝጣራዓሉ ዘሎ ሓደ ጉዳይ እቶም ዝጥርጠሩስ ይኹኑ እቶም ሕሙማት ኣብ ባሕሪ እንተተወሸቡ ጸገም ኣይኮነን እቲ ሓሲሙ ዘሎ ብኩሉ ኩሉ ጥዑያት ዝኾኑ ባሕረኛታት ኣብ ባሕሪ ተዕጽዮም ንመሬት ከይወርዱ ምኽልካል ከምዘይተዋሕጠሎም ነዚ ከኣ ቅድሚ ኣዋርሕ ግቡኦም ፈጺሞም ጥዑያት ምዃኖም ተረጋጊጹ ክንሱ በቲ ዝወጸ ኣዋጅ ናብ መሬት ከይወርዱ ተኸልኺሎም ምህላዎም ብሓዘኔታ ይገልጽ።
ኣይሽንኳይዶ ዓንድን ዓውድን ኣብ ዘይብሉ ማእከል ውቅያኖስ ተወሺብካ ኣብ ድልዱል መሬት እኳ ኣይግድን ኣብ ዝኾነሉ ሁመት እዞም ንነዊሕ ግዜ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዳርጋ ጅሆ ኮይኖም ዘለው ባሕረኛታት ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣካላዊ ድኻምን ከምዝረኣዮም እውን ዓለምለኸ ውድብ ሠራሕተኛታት ኣይሓብአን።
ኣይተረስዑን!
ቅዱስነቶም ነዚ ጸገም እዚ እውን ኣብ ግምት ዘእተው እንክመስሉ ነዞም ኣብ ብርቱዕ ስቃይ ዝርከቡ ባሕረኛታት ብቀጥታ ከምዘይተረስዑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ከምዚ ክብሉ ኣመሓላሊፎም።
ቅዱስነቶም ነዞም ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ናብ ዘመን ኢየሱስ ምልስ የብልዎም እሞ 'ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ገፈፍቲ ዓሣ ከምዝነብሩ ዘክሩ' እንክብሉ በዚ ክጸናንዑ ኣዘኻኺሮሞም።
ሓለዋ ድንግል ማርያም ኣይፈለኹም!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም መልእኽቲ ጸሎትን ተስፋን ምጽንናዕን ንኩሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ጸገማት ዘጓንፎም ድሕሪ ምሃብ ነቶም ኣብ ሓዋርያዊ ኣገሎትን መንፈሳዊ ረድኤትን ተዋፊሮም ንዘለው ብምምስጋን ከምዚ ክብሉ ቡራኬኦም ሃቡ።
ኮኸብ ባሕሪ ዝብል ማሕበር ወለንተኛታት ካቶሊካዊ ናይ ግብረሠናይ ማሕበር ኰይኑ ጠበቃኡ ንኮኸብ ባሕሪ ድንግል ማርያም ብምግባር ኣብ ባሕሪ ንዝጽገሙ ንምርዳእ ኣብ መጀመርያ 20 ክፍለዘመን ኣብ ግላስጎ እስኮትላንድ ዝቆመ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ እንክኸውን ሓዋያዊ ኣገልግሎት ባሕሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ልዕሊ 216 ቻፕለይንስ ወይውን ኣገልግልቲ ካህናትን ኣቡናትን ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ 311 ማርሳታት ናይ 30 ዝተፈላለያ ሃገራት ኣገልግሎት ዝህብ ክፍሊ እዩ።