ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብእትገብርዎ መሥዋዕተነት ነመስግነኩም! ር.ሊ.ጳ ንባሕረኛታት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዚ ዓለምና ብለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ጻት ናብ ጻት ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ተቊዋማት ዝሳቀየሉን ከቢድ ዋጋ ዝኸፍለሉን ግዜ ብቀጻሊ ንኩሎም በብሓደ ዝምልከቶም መልእኽትን ምስጋናን ኣብ ርእሲ ምቅራብ ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ጸሎቶምን ብምቅዳም ክንዲ መላእ ዘመደ ኣዳም ኰይኖም ምስጋናን ምትብባዕን ከምዝህቡ ዝዝከር ኰይኑ ኣብዚ ዕለታት እዚ ከኣ ነቶም ሕይወት ካብ ምድሓን ክሳብ ዕለታዊ ቀለብ ዓሣ ንሰባት ንምቅራብ ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም ዝሠርሑ ባሕረኛታት ናይ ምስጋና መልእኽቲ ብቪድዮ ኣመሓላሊፎም።

ዜና ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መነባብሮ ደቂ ሰባት ዘገልግሉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ከምተዋፍር እዚ ከኣ ካብ ንእሽቶ ቤተጸሎት ጀሚርካ ክሳብ ዝለዓለ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ከምኡ እውን ካብ ናኣሽቱ ናይ ጥዕና ተቊማትን መዓስከራትን ክሳብ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንባርሕረኛታት እውን ተበርክት። እዚ ብዝተፈላለዩ ኣገልገልቲ ካህናትን ኣቡናትን ዝቆመ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ባሕሪ ኣብ ኣብ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝዋፈሩ ዝከታተል ኰይኑ ከከም ኣድላይነቱ ቻፕለይን ወይውን ኣባት ነፍሲ ብምምዳብ ይሰርሕ። ቅዱስነቶም ትማል ሮቡዕ ዕለት 17 ሰነ 2020 ዓም ናብዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ዝሰደድዎ ናይ ቪድዮ/ርእየት መልእኽቲ ከም ካልኦት ናይ ዓለምና ትካላት ባሕረኛታት ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ንዘጋጥሞም ጸገማት ከምዝርድእዎን በቲ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ዕጉብ ምዃኖምን ድሕሪ ምግላጽ ኣድላይነት ኣገልግሎቶም ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ኣብዚ ከቢድ ግዜ እዚ ከም ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ብዓቢኡ ነቲ ዓቢ ስድራቤት ዘመደ ኣዳም ከምኡ እውን ንካልእ ኣድላይነታት ኣድላይነትኩም ጥርዙ በጺሑ። ነዚ ኩልና ንፈልጦ ነመስግነኩም። እዚ ጥራይ ከይኣክል ንሓደጋ ዝተጋለጽኩም ምዃንኩም እውን ይርደኣና እዩ። እንክብሉ ኣባታዊ ሓልዮቶም ገሊጾም።”

መንጎ ሰማይን ባሕርን ኣብ ተብሎ ዘይብልካ ምዃን!

ቅዱስነቶም ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕይወትና ዘስዓቦ ዘይንቡር ኩነታት በብሓደ ምስ ዘከሩ ብሕልፊ ናይ ባሕረኛታት ካብ ናይ ካልኦት ፍልይ ዘብሎ ኣብ ማእከል ባሕሪ ተዓንቂጽካ ላዕሊ ታሕትን ክትብለሉ ዘይትኽእል ኣጋጣሚ ንመሬት ከይትኣቱ ተኸልኪልካ ናብ ተብሎ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኣብኡ ደኣ እናተባሃልካ ነቲ ዘድሊ ነገራት ንክተማልእ ከኣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳስ ይኹን ሕይወት ኣብ ምድሓን ክትቃለስ ቀሊል ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ናብ መሬት ክትወርድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ኰንካ ነዊሕ ግዜ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምዕጻው ምስቶም እትፈትዎም ስድራቤትካስ ይኹን ምስ ኣዕሩኽትኻን ደቂ ዓድኻን ንከይትራኸብ ኮሮና ቫይሩስ ከይለኽፈካ ብፍርሒ ተሸቊሪርካ ምጽባይ ንክትሽከሞ ብጣዕሚ ከቢድ ዝኾነ ኣርዑት እዩ። ኣጆኹም ጽንዑ ኢሎም።”

ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ክፍሊ ሥራሕ ከምዘመልክቶ ካብ 150,000 ክሳብ 200,000 ዝኾነ ባሕረኛታት ኣብ ባሕሪ ተዓጽዮም ከምዘለው የመልክት። ዓለምለኸ ውድብ ሠራሕተኛታት ዝጣራዓሉ ዘሎ ሓደ ጉዳይ እቶም ዝጥርጠሩስ ይኹኑ እቶም ሕሙማት ኣብ ባሕሪ እንተተወሸቡ ጸገም ኣይኮነን እቲ ሓሲሙ ዘሎ ብኩሉ ኩሉ ጥዑያት ዝኾኑ ባሕረኛታት ኣብ ባሕሪ ተዕጽዮም ንመሬት ከይወርዱ ምኽልካል ከምዘይተዋሕጠሎም ነዚ ከኣ ቅድሚ ኣዋርሕ ግቡኦም ፈጺሞም ጥዑያት ምዃኖም ተረጋጊጹ ክንሱ በቲ ዝወጸ ኣዋጅ ናብ መሬት ከይወርዱ ተኸልኺሎም ምህላዎም ብሓዘኔታ ይገልጽ።

ኣይሽንኳይዶ ዓንድን ዓውድን ኣብ ዘይብሉ ማእከል ውቅያኖስ ተወሺብካ ኣብ ድልዱል መሬት እኳ ኣይግድን ኣብ ዝኾነሉ ሁመት እዞም ንነዊሕ ግዜ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዳርጋ ጅሆ ኮይኖም ዘለው ባሕረኛታት ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣካላዊ ድኻምን ከምዝረኣዮም እውን ዓለምለኸ ውድብ ሠራሕተኛታት ኣይሓብአን።

ኣይተረስዑን!

ቅዱስነቶም ነዚ ጸገም እዚ እውን ኣብ ግምት ዘእተው እንክመስሉ ነዞም ኣብ ብርቱዕ ስቃይ ዝርከቡ ባሕረኛታት ብቀጥታ ከምዘይተረስዑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ከምዚ ክብሉ ኣመሓላሊፎም።

“በይንኹም ከምዘይኮንኩም ፈልጡ ከይዘይተረሳዕኩም እውን ፍለጡ። ሽሕ`ኳ ባህርያት ሥራሕኩም ካብ ካልኦት ርሑቅ ከምእትሰፍሩ እንተገበረኩም ኣብ ሓሳበይን ኣብ ጸሎተይን ንኣይ ቀረባ ኢኹም ከም እውን እቶም ዘገልግሉኹም ቻፕለይንስ ማለት ካህናትን ኣቡናትን ከምእው እውን ብስም እታ ረድኢት ጽጉማት ዝኾነ ኮኸብ ባሕሪ ዝተሰምየት ዘገልግሉ ወለተኛታት ኣብ ጸሎትይ እዮም ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነዞም ባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ናብ ዘመን ኢየሱስ ምልስ የብልዎም እሞ 'ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ገፈፍቲ ዓሣ ከምዝነብሩ ዘክሩ' እንክብሉ በዚ ክጸናንዑ ኣዘኻኺሮሞም።

ሓለዋ ድንግል ማርያም ኣይፈለኹም!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም መልእኽቲ ጸሎትን ተስፋን ምጽንናዕን ንኩሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ጸገማት ዘጓንፎም ድሕሪ ምሃብ ነቶም ኣብ ሓዋርያዊ ኣገሎትን መንፈሳዊ ረድኤትን ተዋፊሮም ንዘለው ብምምስጋን ከምዚ ክብሉ ቡራኬኦም ሃቡ።

“ጐይታ ንነፍሲወከፍኩም ይባርኽ! ንሥራሕኩምን ንሥድራቤትኩምን ይባርኽ። ኮኸብ ባሕሪ ዝኾነት ድንግል ማርያም ወትሩ ትሓሉኹም ኢሎም።”

ኮኸብ ባሕሪ ዝብል ማሕበር ወለንተኛታት ካቶሊካዊ ናይ ግብረሠናይ ማሕበር ኰይኑ ጠበቃኡ ንኮኸብ ባሕሪ ድንግል ማርያም ብምግባር ኣብ ባሕሪ ንዝጽገሙ ንምርዳእ ኣብ መጀመርያ 20 ክፍለዘመን ኣብ ግላስጎ እስኮትላንድ ዝቆመ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ እንክኸውን ሓዋያዊ ኣገልግሎት ባሕሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ልዕሊ 216 ቻፕለይንስ ወይውን ኣገልግልቲ ካህናትን ኣቡናትን ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ 311 ማርሳታት ናይ 30 ዝተፈላለያ ሃገራት ኣገልግሎት ዝህብ ክፍሊ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 June 2020, 12:59