ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሰነ 2020 ዓም

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ወርሒ መጸ ብቪድዮ ዘመሓላልፍዎ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎቶም ንምግላጽ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 4 ሰነ 2020 ዓም ኣብ ወርሒ ሰነ ብጸሎት ክነሰንዮም ዘሎና ጉዳ ገሊጾም። ቅዱስነቶም ኣብ መግለጺኦም ኣብዚ ወርሒ እዚ ኩሎም ኣብ ዝርከቡ ልቦም ብቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ክትንከፍ ብምፍቃድ መዋጽኦ ሕይወቶም ክረኽቡ ንጸሊ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ወርሒ ሰነ ሓሳብ ጸሎቶም ብቀዳምነት ዝሰርዕዎ ስቃይ እቶም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተጠቅዑን ገና እውን ዝጥቅዑ ዘለው ኰይኑ ኣብ ኩሉ ጸገማቶም እግዚአብሔር ክረድኦም ስለኦም ክንጽሊ ብምዝኽኻር ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ብቋንቋ እስፓኒሽ ኣመሓላሊፎም።

ብዙሓት ሰባት በቲ ኣጓኒፍዎም ዘሎ ጸገማት ይሳቀዩ ኣለው።

ነዞም ሰባት እዚኦም በቲ ንሕይወት ሰባት ዝልውጥ ጒዕዞ ርሕራሔ ክነሰንዮም ንኽእል።

እዚ ከኣ ናብቲ ንልባትና ናብ ለውጢ ርሕራሔ ዝዕድምን ዝቅበልን ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ የቅርቦም።

ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ኩሎም ልቦም ብቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ክትንከፍ ብምፍቃድ መዋጽኦ ሕይወቶም ክረኽቡ ንጸሊ።

እዚ ጻውዒት ጸሎት እዚ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለምና ተተርጒሙ ብዓለምለኸ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጸሎት ቪድዮ ር.ሊ.ጳ ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሑ ንረኽቦ።                                                                                              

ብድምጺ ንምክትታል!
05 June 2020, 13:04