ቅርበትን ድጋፍን ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ሕ. መ. ኣመሪካ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበትን ድጋፍን ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ሕ. መ. ኣመሪካ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 

ቅርበትን ድጋፍን ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ሕ. መ. ኣመሪካ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምኽንያ መቕተልቲ ጆርጅ ፍሎይድን ነዚ ስዒቡ እውን ተኣታትዩ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ንምድራት ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መግለጽታትን ንኢዶምን ኣመስጊኖምን ንመላኣ ብጹዓን ጳጳሳት ጸሎቶም ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጐመዝ ብስልኪ ከምእተራኸቡን ምስ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነት ቅርበቶምን ጸሎትም ኣረጋጊጾም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዘካይድዎ ዘለዉ ህርኩት ጻዕሪ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጽኑዕ ሓዋርያዊ ምብርታዕን ውሕስነት ዝኩራት ኣብ ጸሎቶምን እዚ እቲ ቅዱስነቶም ዛዕባ መቕተልቲ ጆርጆ ፍሎይድን ነዚ ስዒቡ ተፈጢሩ ብዘሎ ሕዝባዊ ናዕብን ሁከትን ኣማእኪሎም ብስልኪ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቡጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሎስኣጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ጎመዝ ብስልኪ ናይ ዘካየድዎ ርክብ ሕመረት ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ብስልኪ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጐምዝ ዘካየድው ርክብ ብወግዒ ዝሓበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዝኾነን፥ ቅዱስነቶም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምኽንያ መቕተልቲ ጆርጅ ፍሎይድን ነዚ ስዒቡ እውን ተኣታትዩ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ንምድራት ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መግለጽታትን ንኢዶምን ኣመስጊኖምን ንመላኣ ብጹዓን ጳጳሳት ጸሎቶም ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብፍላይ ጸሎቶም ንናይ ሳን ፓውሎን ሚነኣፖሊስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ በርናርድ ሀብዳን ንሰበኻኦምን ጸሎት ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጐመዝ እውን ብወገኖም ብስም መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንቕዱስነቶም ስለ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣመስጊኖም፡ ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ ህልው ኩነታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘኪሮምን ጸሎቶምን ቅርብቶምን ዘረጋግጽ ዘስምዕዎ መደረን ነመስግን ብወገንና እውን ጸሎትና ነረጋግጸሎም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅርበትን ድጋፍን ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ሕ. መ. ኣመሪካ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
05 June 2020, 12:56