2020.05.12 speranza, croce, mani 2020.05.12 speranza, croce, mani 

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽሙው ገዓር ድኻታት ብንግባር ቀደም ንድጋፉ ኢዳ እትዝርግሕ ቤተ ክርስቲያን ክረክብ

ቅዱስነቶም እቲ ካብቲ ጥንታዊ ጥበብ ሲራክ ዝተወስደ ጥቕሲ ነቲ ብዝተፈላለየ ወጅሂ ዝግለጽ ድኽነት ዘመላኽት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ድኽነት “ምስ ኢየሱስ እትራኸበሉ ፍሉይ ስፍራ”

ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝውዕል ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፥ “እቲ ንኹላትና ንፈተና ዘቃልዔ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ክንደይ ንሕይወት ትርጉም ዝህቡ ሰናይ ዝኾኑ ኣብነታውያን ታሪኻት ንክንረክብ ገይሩና እዩ፡ ድጋፍን ምጽንናዕን ንምሃብ እውን ዘፍርሕ እንተነበረ ብዙሓት ኣእዳው ነቲ ተህዋስ በዲሀን እያተን” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫትካን

ዝዓያን ድጋፍ ንምቕራብ ዝተዘርገሓን ንምድሓንን በቲ ዘጋጠመ ኩሉ ብሓዘን ዝተመልአ ልቢ እውን ይሃሉ ንምብራኽ ስንድዋት ዝኾና ኣእዳው፡ ዝምንዝዓ ዘይኮነ እቲ ሰናይን ጽባቄን ዝኾነ ፍሽኽታ ብዝተሓወሶ “ልክዕ በቲ ናይ ክርስቶስ ሓዋርያ ናይ ምዃን ኣገባብ” ነቲ ዝጽበየን ሕይወት ዘወፍያ። ብጸሎትን ንእግዚኣብሔር ኣብ ምውካፍን ጭቡጥ ብዝኾነ ወስታ ምግልጋልን፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ጥበብ ሲራክ ምዕ. 7 ፍቕዲ 32 “(ንድኻ ኣእዳውካ ዘርግሓሉ) በረኸትካ ፍጹም ምእንቲ ክኸውን ንድኻታት ሓግዞም”  ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ከምዝኾነ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥ ቅዱስነቶም ኣብዘ ቃላት እዚኣተን ኣስተንትኖን እቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘቕርቦ ሕቶታትን ኣብቲ “ሊጣንያ ግብረ ሰናይ” ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ “ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት” መልሲ ከምዘሎን . . . ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ብምስክርነትን ብምሕብባርን መልሲ ክህበሉ ንዝተጸወዓሉ ብናይ ድኻታት “ጽሙው ገዓር” ክትሕተት እትፈቅድ ክትከውን ኣለዋ፡ ስለምንታይ ማንም ርሱዕ ዘይኾነሉ ሓደ’ኳ እቲ ዘድልዮ መሰረታዊ ኩሉ ዘይዕመጸሉ ናይ ሓባር ረብሓ ውሑስ ክኸውን ናይ ሕይወት ጻዕር ስለ ዝኾነ።

 

ጸሎትን ምትሕብባርን ዘይፈላለዩ እያቶም

ቅዱስነቶም እቲ ካብቲ ጥንታዊ ጥበብ ሲራክ ዝተወስደ ጥቕሲ ነቲ ብዝተፈላለየ ወጅሂ ዝግለጽ ድኽነት ዘመላኽት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ድኽነት “ምስ ኢየሱስ እትራኸበሉ ፍሉይ ስፍራ” ከምዝኾነን ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት ጥብቂ ርክብ ብምቛም ኣብ ጸገም ኣብኡ እምነት ምግባር የድሊ እንክብሉ ኣመላኺቶም፡ ስለዚህ ጽሎትን ምትሕብባርን ነቲ ጭቡጥ ሰብ ምርኣይን ጸሎት ናብ እግዚኣብሔርን ንድኻታትን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ምድጋፍን ዘይፈላለይ ተግባር እዩ፡ ቡራኬ ዝወርድ ጸሎት ካብ ኣገልግሎት ምስ ዘይፍለይ እዩ።

ሰዓትካን ገዛእ ርእስኻን ብዘይ ምርኣይ

“ንድኻታት ኣትህቦ ኣቃልቦ- ይብሉ ቅዱስነቶም - ብዘሎካ ግዜ ወይ ከኣ ብናይ ውልቂ ረብሓን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ማሕበራዊ ልልያን ዘይውሰን እዩ፡ . . . ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ገዝእ ርእስኻ ብምቕዳም ክትዕፍኖ ኣይግባእን፡ ብመለኮታዊ ፍቕሪ ተመሪሕካ ጭቡጥ ናይ ኣገልግሎት ዕዩ ምፍጻም ህልውና “ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ” ይገብር . . .

ንናይ ብዙሓት ድኻታት ጽምዉ ገዓር ድምጺ ንምዃንን ንምክልኻሎምን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘይተገዳስነትን ምስሉይነትን ንምክልኻሎምን ንምትሕብባሮምን ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ሕይወት ንኽሳተፉ መታን ሕዝበ እግዚኣብሔር ወትሩን ኣብ ዝኾነ ይኹን ስፍራን ብግንባር ቀደም ዝረኽቦ ክኸውን ኣለዎ፡

ንሕይወት ትርጉም ዝህብ ወስታ

ንክርስቲያን ናይ ሓባር ረብሓ ማንም ኣብ መሰረታዊ ድላዩ ከይዕመጽ ኩነት ምስክርነትን ማንም ከይርሳዕን ዝብል ናይ ሕይወት ጻዕሪ ዘጣመረ እዩ . . . ንሕይወት ትርጉም ዝህብ ወስታ . . .

ኣብ ቃልጺ ጸረ ተህዋስ ገበርቲ ሰናይ ኣእዳው

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ዘስዓቦ ጸገም ኩሉ ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም . . . ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ብዙሓት ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣባይቲ መሸጣ መድሃኒትን ቀማምያን መድሃኒትን ድኻታት ዝኣልዩ ወለንተይናታትን ነቶም ዝሳቐዩ እናረኣዩ ልቦም ብሓዘን እናደመየ ቡራኬ ዝህቡ ካህናትን ገዛእ ርእሶም ንሓደጋ ዘቃለዑን ብልግሲ ዘወፈዩን ዘርዚሮም . . .

ሊጣንያ ግብረ ሰናይ፥ እቲ ተህዋስ ከይለኽፈኒ ዝብል ፍርሒ በዲሆም ንድጋፍን ንምጽንናዕን ኣእዳዎም ዝዝርግሑ` ሕይወቶም ዘወፈዩን . . .

ናብ ድኻታት ዝዝርግሓ ኣእዳው

ኣብ ቅድሚ እቲ ተህዋስ ዘተኣታተዎ ዓቢይ ኩነት ኣልቦ ኣንፈታውነትን ድኹምነትን ተቓልዔ . . . ድኻታትን ህሙማንን ንምድጋፍ ዝተዘርገሓ ኣእዳው ተራእያ . . . ድኻ ፈሊኻ ምልላይን ንደገፉ ቀረባ ምዃንን . . . ናይ ምሕረት መጋበርያታት ብሃንደበት እትፈጥሮ ዘይኮነ ኣእዳው ምዝርጋሕን ምድጋፍን ገዛእ ርእስና ቅድሚ ምሕሳብ ናባና ዝተዘርገሔ ኢድ ከምዘሎ ብምስትውዓል ዕለት ብዕለት እተመዕብሎ እዩ።

ኣብ ቅልውላው ናይ ገዛእ ርእስና ርግጹነት

እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ናይ ውስንነት ትርጉምን ናጽነትና ክጸብብን ገይሩን ውስንነትን ድሩት ናጽነትን ተመክሮ ንኽንገብር ደሪኹና እዩ . . .  ፍቱዋትና ኣስኢኑናን ፍርሒ እንታይ ምዃኑ ብቐረባ ንኸነስተውዕል ገይሩናን . . . ይኹን ደኣ እምበር ናብቲ ኣገዳስነት ዘለዎ መሰረታዊ ንኸነተኵር ድማ ገይሩና እዩ፡ ሕውነታውነት ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩና እውን እዩ . . .

ጽንኩር ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ፖለቲካን ንጎረቤትናን ብጻይናን ንቐረባናን ኵሉ ዘሎና ሓላፍነት ክሳብ ዝተታኸሰ ኣይከብቅዕን እዩ!

ዝተዓጽዋ ኣእዳው

ኣብ ጁባ ዝጠለቓ ኣእዳው . . . ብድኽነትን ድኻታትን ዘይቡቕቡቓ . . . ብዙሕ እዋን ንድኽነትን ንናይ ድኻታት ኩነት ምኽንያት ምስ ዝኾኑ ተሓባባሪ ዘብል፡ ዘይተገዳስነትን ስስዔን መግቦም ዝኾኑ . . . ዝምንዝዓ ኣእዳውን . . . ናይ ሕዝብታትን ሃገራትን ቅልውላው ምኽንያት ዝኾና ኣእዳው . . . ኣጸ ፋርስ ዘዘዋውራን ዘይሕጋውነት ዝድግፋ ኣእዳው ኣጽዋር ውግእ ዘቕርባን ዝሸጣን ሕጻናት እውን ከይተረፈ ንሓደስቲ ጊልያነት ዘቃልዓን . .

ዘየኽብርዎ ሕግታት ዘጽድቑ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘንብሩ . . . ምስሉያት! ካልእ ሰብ ኩሉ ዝንጽል ኣገባብ ሕይወት ዝድግፉ . . . ናብ ዓውሎማዊ ዘይትገዳስነት ዘብጽሕ፡

ኣእድው ክነጽሓን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ፍትሕን ሰላምን መጋበርያ ይኹና።

ናይ ፍቕሪ መደብ

ተግባራትካ ኵሉ . . . ናይ ኵሉ ተግባራት ፍጻሜ ብጀካ ፍቕሪ ካልእ ክኸውን ከምዘይብሉ ጥበብ ሲራክ የዘኻኽረና፡ . . . እዚ ፍቕሪ’ዚ ምክፋልን ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ዝብል እዩ፡ ከምእተፈቐርካን ብፍቕሪ ከምዝተነቓቓሕካን ዝተንሳእካን ምዃንካ ካብ ምፍላጥ . . .

ዝተለገሰ ፍሽኽታ

መሊኡ ፍሽኻት ዘውሕዝ ፍቕሪ ኣደ . . . እቲ ሕጻን ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ዝተደልየን ዝተፈቕረን ምኹኑ ዝስምዖ፡ ንድኻታት እንልግሶ ፍሽኽታ ናይ ፍቕሪ ምንጪ እዩ፡ ብሓሴት ንኽትነብር ዝድግፍ፡ እዚ ኸኣ ናይ ክርስቶስ ሓዋርያ ናይ ምዃን ኣገባብ ምንባር ማለት እዩ . . . ቅዱስነቶም መልእኽቶም ናብታ ኣደ ድኻታት ዝኾነት ማርያም ጠመተኦም ገይሮም፥

ጸሎት ናይታ ኣደ ድኻታት ዝኾነት ማርያም ነቶም ምሩጻት ደቃ ዝኾኑን ነቶን ብስም ክርስቶስ ዘገልግልዎምን የሰንይ፡ እቲ ጸሎት ነትን ዝዝርግሓ ኣእዳው ንምክፋልን ንሕውነትን ሓቖፍቲ ክኾና ይለውጥ!

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽሙው ገዓር ድኻታት ብንግባር ቀደም ንድጋፉ ኢዳ እትዝርግሕ ቤተ ክርስቲያን ክረክብ
15 June 2020, 15:37