ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓለም ለኸ ተልእኾ ወንጌል መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓለም ለኸ ተልእኾ ወንጌል 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓለም ለኸ ተልእኾ ወንጌል

ኣብ ስቑል ኢየሱስ እግዚኣብሔር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘለዎ ፍቅሪ የስተርእይ “ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ድማ ነፍሲ ወከፍና ልኡኻት ንክንከውን ውልቃዊ ስንድውና ክህልወና ይሓተና ( . . . ) ወትሩ ካብ ገዛእ ርእስኻ ንምውጻእ”

ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. በቢ ዓመቱ ምስ በዓለ ጰራቅሊጦስ ተተሓሒዙ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. “እኔኹ ለኣኽኒ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ መንጐ መንፈስ ቅዱስን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ጽኑዕ ምትእስሳር የብርሁ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እናሓሰቡ፥ “ሰብኣዊ ፍጥረት ብሓባር ክቐዝፍ” ጻውዒት ኣቕሪቦም “እግዚኣብሔር ናብ ኩላትና ብፍቕሪ ክበጽሕ ይደልይ ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቢይ ኢሳያስ እግዚኣሔር “ንመን ክልእኽ እየ? - እንክብል ምስ ሓተቶ -  እኔኹ ልኣኸኒ” እንክብል ዝሃቦ መልሲ ናይ መልእኽቶም ኣርእስቲ ገይሮም፥ እዚ ጸዋዕታ’ዚ ካብ ልቢ እግዚኣብሔር እዩ ዝምንጨውን፡ ካብ ምሕረቱ፡ “እዚ ነቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ዓለም ርኢኻ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለም ዓቢይ ሕቶ እዩ” ምዃኑ የብርሁ።

ኵላትና ብሓባር ንቕድሚ ንኽንብል ንጽዋዕ

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝበዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ምኽንያት ቅድም ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝሰፍሕ ዘሎ ሞትን ሕማምን እቲ ለበዳ ከብቅዕን ኣብ ሰገነት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኵሉ በዚ ሕማም ተላገብ ምኽንያት ኣብ ቤት ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ምእመናን ክሳተፉሉ ዘይከኣሉ እውን እንተነበረ፡ ብናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ፡ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንም ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንሮማ መላእ ዓለምን ናይ ምሉእ ሓጢኣት ስርየት ኣብ ዝሃቡሉ ስነ ስርዓትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 35 ክሳብ 41 ዝተወስደ በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ከምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን ፥በሎም። ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሃሉ። እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተኣፋፍነትና የቃላዕን እቲ ዝሃነጽናዮ ፈሰስን ናይ ሓሶትን ዝዀነ ውሕስነትን ዝክረ ነገራትናን ውጥናትናን ልማዳትናን ቀዳምነት እንሆቦን ኩሉ እንታይነቱ የቃልዕ፡ እቲ ንማሕበረሰብና ዘበራትዕን ዝድግፍን ንሕይወትና ሓይሊ ዝህብን ከታኽስ ንበይኑ ሓደግናዮ፡ ናይ ሕዝብና መንፈስ ዝመገበ ረሲዕናዮን … ኣናስርና ረሲዕና፡ ናይ ኣበው ዝኽሪ ዘንጊዕና፡ ጸላኢና ከጥቅዓና ዘይክእል ምዃኑ ካብቲ ዘረጋግጸልና ከሃሌ ኵሉ ርሒቕና፡ ምስቲ ብርቱዕ ህቦብላ ምስ ተላተምና… እቲ ኢጐነትና እንኽውለሉ ዘበለ ኩሉ ተቓሊዑ፡ እቲ ዝተባርከ ኵላትና ኣይፋል ክንብሎ ዘይከኣለና ኣሕዋት ምዃንና ዝገልጽ ሓባራውነትና ጐሊሑ ክረአይ ይገብር ኣሎ። ዝበልዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ኩላትና ኣብ ሓንቲ ጀልባ ንርከብ ተኣፈፍቲ ግና ኣገደስቲን ዘድልዩን - “ኩላትና ብሓባር ንኽንከውን ዝተጸዋዕና፥ ኩላትና ሕድ ሕዳዊ ምጽንናዕ ዘድልዮም፥

ሰንቢድና ኣልቦ ኣንፈት ኮይናን ፍርሒ ከቢቡና ንርከብ፡ ስቓይን ሞትን ሰብኣዊ ተኣፋፍነትና ክንምኮሮ ገይሩና እውን እንተኾነ ኩላትና ብርቱዕ ናይ ሕይወትን ሓርነት ካብ ክፋእን ኣብ ዝብል ዓሚቕ ድላይ ናይ ሓባር ሱትፌ ከምዘሎና ነስተውዕል፡ ኣብዚ ኵነት’ዚ ጸዋዕታ ንተልእኾ ነስተውዕል፡ ንፍቕሪ እግዚኣብሔርን ንብጻይናን ካብ ገዛእ ርእስና ንኽንወጽእ ዝዕድም ናይ ተኻፋልነትን ኣገልግሎትን ምሕጽንታን ዕድል፡ እቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ተልእኾ ካብቲ ብፍርሕን ንምዕጻውን ናብ ተወፋይነትን ዘሰጋግር እዩ!

ናብ እትብል ትወጽእን ቤተ ክርስቲያን ንኽንከውን ክርስቶስ እዩ ዝድርኸና

ኣብ ስቑል ኢየሱስ እግዚኣብሔር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘለዎ ፍቅሪ የስተርእይ “ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ድማ ነፍሲ ወከፍና ልኡኻት ንክንከውን ውልቃዊ ስንድውና ክህልወና ይሓተና ( . . . ) ወትሩ ካብ ገዛእ ርእስኻ ንምውጻእ”፡ ምእንቲ’ዚ ከምቲ ንሱ ንድላይ ኣቡኡ ምእዙዝ ዝኾኖ ድማ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕመረት ዝኾነን ንኣና እውን ልኡኻት ዝገብረና መንፈስ ቅዱስ ዝጽግወና ወዱ ለኣኸልና። “ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ብናታ ጽቡቕ ድላይ ዘይኮነ ብኽርስቶስ እያ እትድረኽ፡ ክርስቲያን ወንጌል ንኽከበስር ዝድርኾ መንፈስ ቅዱስ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕይወት ብናጻ ዝተዓደለና ንገዛእ ርእሱ ናብቲ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ ዝብል ድልዉነት ክህልወና ዝዕድም ግልጺ ዝኾነ ዕድመ ዝዓቖረ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝዝራእ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ድዩ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጸዋዕታ ንጽሕናን ቅርጺ ይለብስ፡ ሕይወት ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዝውለድን ኣብ ፍቕሪ ዝዓብን ናብ ፍቕሪ ዘዘንብልን እዩ፡

ምሕረት እግዚኣብሔር ናብ መላእ ዓለም ዝውሕዝ እዩ

ንማንም ዘይንጽል ንኹሉ ዝምልከት፥ ምሕረት እግዚኣብሔር “ናብ መላእ ዓለም ዝውሕዝ እዩ”፡ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ሓጢኣትን ሞትን ሰዓረ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ናይ ኢየሱስ ተልእኾ እያ እትስዕብ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም፡ “እግዚኣብሔር ናብ ኵሉ ክበጽሕ ፍቕሩ ክግለጽን ልብታትን ኣእምሮን ኣካልን ሕብረተሰብን ባህልን ኣብ ኩሉ ስፍራን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ርህው ክኸውን መታን” ንዅላትና ኣብዚ ተልእኾ`ዚ ይዕድመና”።

ኣብ ሎማዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሎማዊ ታሪኽን ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምፍጻም

ጸዋዕታ ንተልእዀ ይብሉ ቅዱስነቶም ምስ ኢየሱስ ውልቃዊ ርክብ እንተሎና እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህላዌ ኣብ ህይወትና ንኸነእንግድ ይሓተና፡ ዝኾነ ይዅን ደረጃ ሕይወትና፡ “እምነትና ኣብ ኩሉ ስፍራ ንኽንምስክር ንተልእኾ ስንድዋት እንተድኣ ኮይንናን ከም ማርያም ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ንኽንፍጽምን ኣብ ሎማዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሎማዊ ታሪኽን እምነትና ንኽንምስክር ስንደዋት ንኸውን።

ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ እግዚኣብሔር እንታይ ይብለና ከምዘሎ ንኽንርዳእ እዚ ኵነት’ዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ብድሆ ይኸውን፡ ሕማምን ስቓይን ፍርሕን ተነጽሎን ንኣና ዓቢይ ሕቶ እዩ፡ ናይቲ ኣብ ብሕትውና ድኽነትን ዝመውት ንገዛእ ርእሱ ዝተጠንጠነን ካብ ዝነበሮ ስራሕ ዝስተሰጎን ዝኽፈሎ ዝነበሮ ደሞዝ ዝስእንን ኣልቦ ቤትን መግብን ዝኾነን ንዓና ዓቢይ ሕቶ እዩ።

ንናይ ኣሕዋትና ጽምኢ ፍቕርን ክብርን ገዛእ ርእስና ምርሃው

ንማሕበራዊ ምርሕሓቕን ንምፍንታትን ኣብ ዝተገደድናሉ እዋን - ቅዱነቶም ኣብ መልእኽቶም ማሕበራዊ ርክብን “ማሕበራዊ ርክብ ምስ እግዚኣብሔርን” ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብጥልቂ ነስተውዕል ቢሎም ኣብዚ ኩነት’ዚ ንብጻይና ንዘድልዮ ኣተኩሮ ንኽንገብር ይግብኣና፥

ከም ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቁርባን ምብዓል ይትረፈና ምባል ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን፥ እዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን እዚ ሰንበት ቅዱስ ቁርባን ንምብዓል ክኡል ኣብ ዘይነበረሉ  ኣዋን ብጥልቂ ከነስተውዕሎ በቒዕና፡ ኣብዚ ኩነት’ዚ እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ሕቶ፥ ‘መን ክልእኽ እየ’ ዝብል እዩ፡ እዚ ሕቶ እዚ ካባና ለጋስን ርጉጽን ‘እነኹልካ ንዓይ ልኣከኒ’ ዝብል መልሲ ዝጽበይ እዩ፡ እግዚኣብሔር ሎሚ እውን ናብ ዓለምን ናብ ኩሎም ሕዝብታት ፍቕሩን ምሕረቱ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጽነት ካብ ክፋእን ዝምስክሩ የናድይ፡

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ብጸሎትን ብፍቕርን ምብዓል

ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ በቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ንኽንሳተፍ ዕድል ብዝኾነ ጸሎትን ኣስተንትኖን ብጭቡጥ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ንኽንነብሮ እንክምዕዱ፥

ኣብታ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሳልሰይቲ ሰንበት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝእከብ ምጽዋት ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ተግባር ኣብ ዓለም ንዝሳለጥ ኣገልግሎት ተልእኾ ዝውዕል፥ እዚ ኸኣ ንናይ ብዙሓት መንፈሳውን ቁሳውን ኣብ መላእ ዓለም ንናይ ኩሉ ድሕነት ንዘገልግላ ኣቢያተ ክርስቲያን ድጋፍ ዝውዕል እዩ፡

ቢሎም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ብጸሎትን ብናይ ፍቕሪ ስራሕን ነብዕሎ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ
02 June 2020, 15:24