ፍራንቸስኮ፡ እግዚኣብሔር ዝብጻሕ ገዛእ ርእስኻ ብምፍላጥን ብተወፋይነት እዩ ፍራንቸስኮ፡ እግዚኣብሔር ዝብጻሕ ገዛእ ርእስኻ ብምፍላጥን ብተወፋይነት እዩ 

ፍራንቸስኮ፡ እግዚኣብሔር ዝብጻሕ ገዛእ ርእስኻ ብምፍላጥን ብተወፋይነት እዩ

ዝነብርዎ እምነት ምስ ዕለታዊ ሕይወት ዝተኣሳሰረን ካብ ዕለታዊ ሕይወት ዝብገስን እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ሕይወት ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ ካብ ዝብል ብቕዓት ዝውሰን እዩ፡ ገዛእ ርእሱ ሰገር ዝኾነ ሕይወት ፍርያም ይኸውን፡ ሕይወትን ሞትን ንገዛእ ርእሳውነት ክኸውን እንከሎ ትርጉም ኣልቦ ይኸውን

“ለውጢ” ዘርእስታ መጽሓፍ ብሶልፈሪኖ ቤት ማሕተም ዝተሓትመት ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ - ፍራንቸስኮ እቲ ቃል ኣምላኽ ብዘይ ምስሉይነት ንኽትሰምዕ ኣብ ዝመርሕን ናይ  ኣልባባት ድላይ ካብቲ ሰብኣዊ ውሕስነት ኩሉ ናጻ ኣብ ዝገብር ተመክሮ እምነት ክርስትና ዘካየድዎ ኣስተንትኖ ዘማእከለት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ መጽሓፍ ንድሕሪት ምልስ ቢላ ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ኢየሱሳዊ ካህንን ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ዝርከብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓለቓን እንከለዉ ነቲ ዝነበሮም ናይ ሕዳሴ ድላይ ተስተውዕል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ለብዒ  ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን። እታ ናይ ኢየሱሳውያን ካቶሊካዊ ስልጣኔ ናይ እተሰምየት ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ኢየሱሳውያን ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ዝደረስዎ መቕድም ዝተነብራ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት “ለውጢ” ዘርእስታ መጽሓፍ ናይቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ኢየሱሳዊ ር.ሊ.ጳ.  እምነቶም ረቂቕ ከም ኡጦቢያ ዘይኮነ ካብቲ ህልውን ጭቡጥ ዝኾነ ዝነቅል ናይ ሕይወት ሓይልን ንመጻኢ ክፉት ምዃንን ዘለዎ ኣገዳስነት እተብርህ እያ። ኣብቲ መቕድም ከምእነንብቦ፡ ንፍራንቸስኮ ንኽትርድኦም ናብቲ ዝተቐበልዎ ሕንጸትን ዘሕለፍዎ ቅልውላውን ናይ ለውጢ ህሞትን ምልስ ቢልካ ካብ ዝብል ታሪኾም ምፍላጥ የድሊ። ብሓጺሩ እታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንክትርድኦምን ንኽትፈልጦምን ተብቅዕ።

ዝነብርዎ እምነት ምስ ዕለታዊ ሕይወት ዝተኣሳሰረን ካብ ዕለታዊ ሕይወት ዝብገስን እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ሕይወት ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ ካብ ዝብል ብቕዓት ዝውሰን እዩ፡ ገዛእ ርእሱ ሰገር ዝኾነ ሕይወት ፍርያም ይኸውን፡ ሕይወትን ሞትን ንገዛእ ርእሳውነት ክኸውን እንከሎ ትርጉም ኣልቦ ይኸውን። መኻን እዩ ዝኸውን፡ ንገዛእ ርእሳውነት ዘይምንባር ንገዛእ ርእሳውነት ዘይሙማት፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ሕይወት እውነተይና ሕይወት፡ ሞት እውነተይና ሞት ዝኸውን፡ በጃ ዝብል ሕይወት ንምውፋይ ክፉት ዝኾን ሕይወት እዩ እቲ ሕይወት፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሞት ሕይወት ኣሎ፡ እዚ ቅዱስነቶም ናብቲ ናይ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ መንፈሳውነት ኣዚዩ ቀረባ ይገብሮም፡ ሃረርታ ልቢ የስፍሕ ኣብቲ ሃረርታ ድምጺ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ እዋንና ታሪኽ ልልያ ንኽትገብር ይድርኽ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ናይታ መጽሓፍ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ጽማሬ ምዃኑ ኣባ ስፓዳሮ ኣብቲ ዝደረስዎ ናይታ መጽሓፍ መቕድም የብርሁ።

ገዛእ ርእስኻን እግዚኣብሔርን

ህላዌ እግዚኣብሔርን ህላዌ ርእሳውነትን፥ እዚ ናይታ መጽሓፍ ሳልሳይ ምዕራፍ ሕመረት እዩ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ናብ እግዚኣብሔር የቕርብ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምፍላጥ እግዚኣብሔር ብትኽኽል ጭቡጥነት ኣባኻ ይዓብይ፡ ሰቂለ ሕልና ረቂቕን ካብ ጭቡጥ ኩነት ዝረሓቐ ማለት ኣይኮነን፡ ካብ ናይ ታሪኽ ጭቡጥነት ዝነቅል እዩ። . . .

ገዛእ ርእስኻ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምቕንጣጥን እግዚኣብሔር ምግልጋልን

ኣብታ ናይታ መጽሓፍ ራብዓይ ምዕራፍ፥ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝብልዎ፥ ጽኑዕን ዘይጽኑዕን ክርስቲያንን እንክብሉ ኣብ ዝገልጽዎ ሓሳብ የተኩር፡ ብዛዕባ ጽሞናን ማሕበረሰብን ፍቕርን ዕርድን ሕያዋይ ናይ ምዃን ድላይን እዚ ኸኣ ኣብ ጸዋዕታ ጽኑዕ ምስ ምዃን ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነን፡ ተጻዋርነትን ትዕግስትን ምክእኣልን ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን እትገብሮ ምንቅስቓስ ንዘጋጥም ፈተና ድዩ ብድሆ ርኢኻ ንድሕሪ ዘይምባል። ነዚ ሕሳብ እዚ እውን ምስ ጸዋዕታ ገዳማውን ልኡካን ወንጌልን ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወትን ብምትሕሓዝ ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ ይትንተን።

ፍራንቸስኮ፡ እግዚኣብሔር ዝብጻሕ ገዛእ ርእስኻ ብምፍላጥን ብተወፋይነት እዩ
19 June 2020, 19:10