ር.ሊ.ጳ.፥ ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ንኸይዳረጉ ምክልኻል ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሰነ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻው ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 12 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ምዃኑ ዘኪሮም፥ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዘይ ዕድመኦም ንስራሕ ዓለም በስገዳድ ምድራግ ከብቅዕ ጽኑዕን ልባውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዲኒኒ ኣስዒበን ብዙሕ እዋን ቅዱስነቶም ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ኣሕሊፍካ ምሃብ ንገዛእ ርእሱ ጊልያነት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ የዘኻኽራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕጻናት ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ምዝመዛ ምክልኻል ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ፡ ንሳቶም ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መጻኢ እያቶም፡ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ጻውዒት ንናይ መንግስቲ ተቕዋማት ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነ “ንዅላትና” እዩ፡ ስለዚህ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ዘቕርብዎ ጻውዒት እዩ። እዚ ግብረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት፡ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ማሕበር ከምዝሕብሮ፡ ካብ 5 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ብጠቕላላ ን150 ሚሊዮን ሕጻናት ዝምልከት ማሕበራውን ሰብኣውን ቁስሊ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ተግባር እዚ “ሕጻናት ዕሸልነቶም ዝምንዝዕ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ንሓደጋ ዘቃልዕ ከቢድ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ሳዕቤን ዘለዎ እዩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ነዚ ክስተት እዚ ይገልጽዎ። ዝምጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 12 ሰነ መዓልቲ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝዝከረሉ ዕለት ከምዝኾነን፡ እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ጉዳይ ሓልዮ ውድብ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዘቖሞ ከምዝኾነ ዶኒኒ የዘኻኽራ።

ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምድጓን ጊልያነት እዩ

ቅዱስነቶም ኣተኩሮኦም ናብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ገይሮም፡ እዚ ለብዒ’ዚ ዝፈጠሮ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ጥዕና “ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት - ይብሉ - ብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራኦም ንምሕጋዝ ንስራሕ ዓለም ይዳረጉ”፥

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዘስዕብ ጊልያነትን ምንጻልን እዩ፡ ነቲ ዝተመዛበለን ተቐያያርን ኤኮኖምን ማሕበራውን ጋግ ንምትኽኻል ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ክዳረጉ ዝግበር ኪደት ኵሉ ንምውጋድ ተቕዋማት ብምሉእ ሓይለን ዝከኣለን ኩሉ  ክገብራ ጻውዒት አቕርብ። ሕጻናት ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መጻኢ እያቶም፡ ስለዚህ መጻኢኦምን ጥዕናኦምን ምርግጋኦምን ምድጋፍ ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ።

ከምዝበሉ ዲኒኒ ሓቢረን።

ንትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዚዩ ዘጥቕዕ

ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ምድጓን ብዙሕ እዋን ኣብ ድኻታት ሃገራት ብሰፊሕ ዝረአይን ሕጻናት ናይ ኣባይቲ ስድራኦም ድኽነት ኣገዲድዎምን ናይ ኣባይቲ ስድርኦም እቶት ክብ ንምባል ኣብ ስራሕ ምውፋር ጽሕፎቶኦም ክሳብ ዝመስል ቅቡልን ልሙድን እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራን ኣብ እስያን ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብሰፊሕ ዝርአይ እውን እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት እውን መጋበርያ ዓመጽን ወሲብን ንኽኾኑ ይግደዱን።ትምህርቲ ምርካብ መሰልን ክብርን ምዃኑ ተዘንጊዑ፡ እዚ መሰልን ክብርን’ዚ ቀዳምነት ዘይወሃቦ ይኸውን ከምዘሎን፡ ናይ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መጻኢ ብምዃኖም እዚ ጉዳይ’ዚ ንዓና ዓቢይ ናይ ሕልና ሕቶ ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዘዘኻኸሩ ዶኒኒ ይሕብራ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ንኸይዳረጉ ምክልኻል ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ
10 June 2020, 23:26