ንወንጌል ምቅባሉን ምልባሱን ብልግሲ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ንቡር ሕይወት ደቂሰባት ግላዊ ጥቅምን ምትእስሳር ዘመድን ሃረርታ ሥልጣንን ነቲ ቀንዲ ምልክት ሕይወት ክርስትና ዝኾኑ ኣገልግሎትን ተወፋይነትን ስለዝዕንቅጹ ካብዚኦም ንጠንቀቅ ክብሉ ዘስተምሃሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 28 ሰነ 2020 ዓም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ጴጥሮስ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምድጋም ነበረ። ነዚ ዝተጠቅሰ ኣገልግሎትን ተወፋይነትን ክርስትና ከኣ ኣብ ግዜ ለበዳ ብዙሓት ወለተኛታት ብግብሪ ከምዝመሃሩና ምስ ገለጹ ከኣ ንበዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስ ጳውሎስን ክንሰናዶ ብምዝኻኽር ብሓዋርያዊ ቡራኬ መደቦም ዛዘሙ። ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልኣከ እግዚኣአብሔር ከኣ እዚ ዚስዕብ ነበረ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ደሓንዶ ውዒልኩም! ናይ'ዛ ሰንበት እዚአ ወንጌል ማቴ 10.37-40 ነቲ ንኢየሱስ ብምቅባልና ዝጽበየና ኣገልግሎትን ነጻ ተወፋይነትን ብምልኣትን ብዘይ መንቅብን ክንነብሮ ሓያል ጻውዒት የቅርበልና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነርድእቱ ነቲ ወንጌል ዚሓቶም ነገራት ቀንዲ ውራዮም ገሮም ክሕዝዎ ነዚ ከኣ ኣብ ዝጠዓመካ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ መሥዋዕትን ድኻምን ኣብ ዚሓተሉ ግዜ እውን እሙናት ክኾኑ ይምላበዎ። እታ ቀዳመይቲ ሽርካ ዘይብላ ኣገዳሲትን ወሳኒትን ውዕሊ ኣብ ፍቅሩ ማንም ዝጫረት ከምዘየለ ክንዮ ናይ ቤተሰብ ወለድን ውሉድን ክኸውን ከምዘለዎ ከመልክት 'ካባይ ንላዕሊ ንኣቦኡ ወይ ንእኖኡ ወይውን ንወዱ ንጓሉ ወዘተ ዘፍቅር እንተልዩ ንዓይ ዚበቅዕ ኣይኮነን` ይብሎም። ኣብዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቅሪ ወለድን ውሉድን ኣዝማድን ኣትሒቱ ኣይኮነን ዝግምት ዘሎ እንታይ ደኣ ቀዳሞት ክወሃቦ ዘለዎ ኣየናይ ምዃኑ እዩ ዘመልክት ዘሎ እንተዘየሎ ካብቲ ተልእኮ ክዛባዕ እዩ። ነዚ ጸገም እዚ ኣብ ገለ ዘይዕውታት ስሱዓት መንእሰያትና ክንምልከቶ ንኽእል ኣብ ኣገልግሎት እንከለው ካብ ፍቅሪ ሃገር ፍቅሪ ቤተሰብን ስለዘቀድሙ ኣብ ብዙሕ ናይ ጉቦን ብልሽውናን ጸገም ይወድቁ። ኢየኡስ ዝብሎ ከኣ ካብ ፍቅሩ ንፍቅሪ ቤተሰብ እንተኣቀዲምካ ክትጽገም ኢኻ እዩ ዝብለና ዘሎ። እንተ ሕይወት ዘቅርበልና ግድል ግን ኩልና ጸገም ከምዘሎና ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ንቤተሰብ ክነሐጒስ ክንብል ተጻይ ትምህርቲ ወንጌል ክንከይድ ንፍተነሉ ግዜ እውን ኣሎ። እንተኾነ ፍቅሪ ወለድን ውሉድን ብፍቅሪ ኢየሱስ ክኹስኰስን ክጸርን እንከሎ ብጣዕሚ ፈራዪ ኰይኑ ንሠናይ ናይቲ ቤተሰብን ይኹን ንካልኦትን ዝኸውን ፍረ ክፈሪ ይጅምር። በዚ መንገዲ እዚ ክንርድኦ እዩ ኢየሱስ ነዚ ዝብለና። ኣብዚ ጉዳይ ነቲ ኣብ ማር 7.8-13 ጐይታና ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕጊ ብዛዕቢ እቲ ንቊርባን ዝቀርብ ነገር ብዝምልከት ነቲ ንወለዲ ዝግባእ ክብሪ ብምጒዳሎም ይነቅፎም። ስለዚ ሓቀኛ ፍቅሪ ኢየሱስ ሓቀኛ ፍቅሪ ወለዲ ውሉድ ይሓትት እንተኾነ ንመን ቅድምያ ከም እንህብ ንጠንቀቅ። ንጥቅሚ ቤተሰብ እንተኣቀዲምና እዚ ጌጋ መንገዲ እያ።

        ካብዚ ኣስዒቡ ኢየሱስ ንኣርድእቱ 'መስቀሉ ተሰኪሙ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ዚበቅዕ ኣይኮነን` ክብል ናብ ካልኣይ ደረጃ ይመርሖም። እዚ ማለት በታ ንሱ ዝሓለፋ መንገዲ ፍኖተ መስቀል ብዘይ ሕብእብእን ኣቋራጭን ምስዓቡ ከምዘድሊ የመልክት። ብዘይ መስቀል ፍቅሪ ዝብሃል የለን። ብኣካል ዋጋ ከይከፈልካ ፍቅሪ ዝበሃል የለን። ነዚ ብዙሓት ኣደታትን ኣቦታትን ይብልዎ። ከመይ እዚኦም ደቆም ንከዕብዩን ንክኩስኩሱን ዝኸፍልዎ መሥዋዕቲ ዝስክመዎ መሳቅል ንሶም ጥራይ እዮም ዝፈልጥዎ። ነዚ ከኣ ስለዘፍቅሩ እዮም ዝገብርዎ። እዛ ብዙሕ እተጸግም ትመስል መስቀል ምስ ኢየሱስ ኰንካ እንተተሸኪምካይ ኣይተፍርህን እያ ከመይ ንሱ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ብርቱዕ ፈተና ኣብ ዘጋጥመና ክድግፈና ሓይልን ትብዓትን ክህበና ተሰናድዩ ይጽበያን። ኣብዚ ንሕይወትና ክነድሕን ኢልና እውን ክንሻቀል ከምዝበይልና ብምርዳእ ነቲ ባህርያዊ ናይ ፍርህን ንዓይ ክጥዕመኒ ዝብልን ስምዒት ክንፈርህ ክንጠራጠር የብልና። ከመይ ኢየሱስ ባዕሉ 'እቲ ንሕይወቱ ንገዛእ ርእሱ ዝሕዛ ከጥፍኣ እዩ እንተ እቲ ምእንታይ ንሕይወቱ ዘወፍያ ከድሕና እዩ እዚ ማለት ከኣ ንስለ ፍቅሪ ስለፍቅሪ ኢየሱስ ስለፍቅሪ ብጻይ ንኣገልግሎት ካልኦት ዘወፍያ ማለቱ እዩ` ። እዚ ስግንጢር ወንጌል ክንብሎ ንኽእል። ነዚ ዝኾኑ ኣውን ብዙሕ ኣብነታት ኣሎውና! ምስጋን ንጐይታ ይኹን። ኣብዚ ዘመነ ኣካሒዳ ዝመስል ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ክንደይ ሰባት ንካልኦት ምእንቲ ክሕግዙ ሓፍ ዘይብል መሳቅል ሒዞም ዘይጐዓዙ። ከመይ ገሮም ክኢሎሞ ክንብል ክንብል ንኽእል ምስ ኢየሱስ ኰና ኩሉ ኪግበር ይከኣል። ምልኣትን ፍጽምናን ሕይወትን ታሕጓስን ገዛእ ርእስኻ ንወንጌልን ንኣሕዋትን ብምውፋይ ነዚ ከኣ ልብኻ ብምኽፋት ብምቅባል ኣሕዋትን ፍቅርን ምግባረ ሠናይን ትረኽቦ።

ከምዚ ብምግባር ከኣ ንልግስን ጸጋን እግዚአብሔር ክነስተማቅር ንኽእል። ነዚ ጐይታ ኣብ ፍጻሜ ናይ ሎሚ ወንጌል 'ንዓኹም ዚቅበል ንዓይ ይቅበል . . . ንሓደ ካብዞም ናኣሽቱ ሓንቲ ብኬሪ ዝሕልቲ ማይ ንምስታይ ዝወፊ . . . ዓስቡ ኣይስእንን' እናበለ እቲ ለጋስ ፍቅሪ እግዚአብሔር ነተን ዝተሓታን ዝነኣሳን ኣገልግሎታትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ቊጹራት ከምዝኾና ይገልጸልና። ኣብዚ መዓልታት እዚ ሓደ ካህን ኣብ ሓንቲ ቊስና ሓድ ንእሽቶይ ሕጻን ብዘዘንተዎ ብዙሕ ከምዝተተንከፈ ሰሚዔ። እቲ ሕጻን ናብቲ ካህን ከይዱ 'ኣባቴ እዚኤን ኣነ ዚኣከብክወን እየ ቁሩብ እዩ ንድኻታትኩም ሓገዝ እንተኾናኹም ነቶም ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ሎሚ ተጸጊሞም ዘለው' ኢልዎም። እቲ ገንዘብ ቁርብ እዩ እቲ ሓሳብ ግን ብጣዕሚ ዓቢ እዩ። እቲ ካብ ጐይታን ፍቅሪ ኣሕዋትን እንረኽቦ ፍቅሪ እዩ እምበኣር ንሕና እውን ብግደና ንካልኦት ንክንሕግዝ ዝደፋፍኣና። ሓደ ሰብ ሓደ ኣገልግሎት ከወፊ እንከሎ ግብኡ ኰይኑ ከይስምዓና ንጠንቀቅ። ብዙሕ ኣገልግሎት ብነጻ እዩ ዝግበር። ንወለተኛታ ሕሰቡ ሃገረ ጣልያን ብዚ ፍልጥቲ እያ ብዙሓት ናይ ግብረ ሠናይ ወለተኛታት ኣለውዋ። ክንደይ ካብዚኦም ንሰባት ከድሕኑ ክብሉ ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ሕይወቶም ዘይከፈሉ። እዚ ስለ ፍቅሪ ይግበር። ንኣሕዋት ንምግልጋል። ነቲ ዝግበልካ ኣገልግሎት ብምስጋና ምቅባልን ምፍላጡንከስ ምልክት ጽቡቅ ኩስኰሳ እኳ እንተኾነ ምልክት ክርስትና እውን ኣዩ። ቅልል ዝበለ ምልክት መንግሥቲ እግዚአብሔር እዚ ከኣ መንግሥቲ ብነጻ ዝዕደል ፍቅርን ነዚ ምፍላጥን እዩ። እታ ክንዮ ገዛእ ርእሳ ንኢየሱስ ዘፍቅረትን ክሳብ ፍጻሜ ጒዕዞ መስቀል ዝተኸተለቶን ቅድስት ድንግል ማርያም ብውፉይ ልቢ ወትሩ ንእግዚአብሔር ቅድምያ ሂብና ንጠብያትናን ንምርጫታትናን ቃሉ ንክፈርዶ ንኣኡ ክንሓድጎ ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 June 2020, 16:31