ድለ

2020.06.03 ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ 2020.06.03 ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ 

ኣቦና ኣብርሃም ምስ እግዚአብሔር ከም ውሉድ ምስ ወላዲ ምዝራብ ይምህረና! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓም ቅ.ኣ.ርሊ.ጳ ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀምርዎ ትምህርቲ ክርስቶስ ብምቅጻል ነቲ ኣብርሃም ምስ እግዚኣአብሔር ዝገበሮ ዘተን ዘርኣዮ እምነትን ንምግላጽ ካብ ዘፍ 15.1 ከም መኽፈቲ ኣስተምህሮኦም ብምግባር ነዚ ዝስዕብ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣቅሪቦም።

‘ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህ፡ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ እዩ። ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ አሎኹ፡ ወራስ ቤተይ ዚኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧ በለ። ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይሀብካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ፡ በለ። እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸ፡ ኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ። ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።’ (ዘፍ 15.1)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ሕይወት ኣብርሃም ብሃንደበት ዝስማዕ ድምጺ ርኢና። እዚ ድምጺ እዚ ንኣብርሃም ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ክጐዓዝ ይዕድሞ። እዚ ድምጺ እዚ ካብ ዓዱ ካብ መረበቱ ካብ ሥድራቤቱ ናብቲ ኣብ መጻኢ ዘርእዮ ሃገር ገጹ ክጐዓዝ ይደፋፍኦ። ነዚ ኩሉ ክብሎ እንከሎ ከኣ ሓደ ተስፋ ይህቦ እታ እንኮ ክገብራ ዘለዎ ከኣ በዚ ተስፋ እዚ ምትእምማን ነበረ። ከም ሓቁ ንሕና ደቂ ሰባት ንዝተዋህበና ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ቀሊል ኣይኮነን ትብዓት የድሊ እምነት የድሊ። ኣብርሃም ኣመነ።

ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ቀዳማይ ኣቦ ሕሉፍ ታሪኽ ብዙሕ ኣይገልጽን። ናይ ነገራት ቅደም ሰዓብ ተመልኪትካ ግን ነቲ ዝኽተሎ ዝነበረ እምነትን ቅዲ ሕይወትን ጥንጥን ኣቢሉ ንክልውጥ ከመይ እምነት ዝነበሮ ጥበብ ዝመልኦ ሰብ ንሰማይን ከዋኽብትን ክምርምር ዝኽእል ሰብ ከምዝነበረ ንዕዘብ። ጐይታ ከኣ ናብዚ ሓዲስ ጸዋዕታ ክመርሖ እንከሎ ወለዶኡ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ከዋኽብቲ ከምዘብዝሖ ቃል ኪዳን ይኣትወሉ።

ኣብርሃም ይነቅል። ቃል እግዚአብሔር ይሰምዕ ብቃል እግዚአብሔር ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመን። እዚ ኣድላዪ እዩ ብቃል እግዚኣብሔር ምሉእ ብምሉኡ ምትእምማን ብሓቂ መሠረታዊ እዩ። በዛ ምትእምማን እዚኣ ከኣ ሓዲስ ርክብ ምስ እግዚአብሔር ይውለድ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብርሃም ኣብተን ዓበይቲ እምነታትን ባህልን ዕብራውያንን ክርስትያንን ኣስላምን ከም ፍጹም ሰብ ዝቀርብ። ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮ ርክብን እምነትን ከኣ ኣብ ዘይርድኦ ነገራት እውን እንተኾነ ብእግዚአብሔር ይተኣማመን።

ኣብርሃምከስ ናይ ቃል ሰብ ነበረ። እግዚአብሔር እንክዛረብ እቲ ንቃል ኣምላኽ ዝቅበል ሰብ ሕይወቱ ቃል እግዚኣአብሔር ሥጋ ዝለብሰሉ ይኸውን። እዛ ነጥቢ እዚኣ ኣብ ጉዕዞ እምነት ዘመደ ኣዳም ዓቢ ዜና እዩ። ሕይወት ኣማኒ ከም ጸዋዕታ ክርድእዋ ይጅምሩ። ጸዋዕታ ማለት ከኣ ሓደ ተስፋ ዝጅምረሉ ቦታ እዩ። በዚ ጸዋዕታ እዚ ዝውሰድ ተበግሶኸስ ብናይ ገዛእ ርእስኻ መደብን ዕላማን ክብደቱን ዘይኮነ ብሓይሊ እቲ ሓደ መዓልቲ ክፍጸም ዘለዎ ዝተዋህበካ ተስፋ ይጐዓዝ። ከምቲ መልእኽቲ ዕብራውያን 11.8 ዝብሎ 'ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ' እንክብል ዝገልጾ ኣብርሃም ብዘይ ምንም ምጥርጣር ምሉእ ብምሉእ ብቃል እግዚአብሔር ተኣማመነ።

ኦሪት ዘፍጥረት እንክነንብብ ኣብርሃም ከመይ ቢሉ ኣብዛ ቃል ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚኑ ብቀጻሊ ይጽሊ ከምዝነበረ ንምልከት። ጥቅልል ኣቢልና እንክንምልከቶ ሕይወት ኣብርሃም እምነት ታሪኽ ከምዝኸውን ይገብሮ። እምነት ታሪኽ ይኸውን ኣብርሃም ከኣ ብሕይወቱ ብኣብነቱ ነዚ ጒዕዞ ከመይ ኢልና ክንስዕቦ ከምዘሎና ይምህረና። እምነት ታሪኽ ዝኾነሉ መንገዲ ኸኣ እዚ እዩ። እግዚአብሔርከስ ኣብ ፍጻሜታት ፍጥረት ጥራይ እተስተውዕለሉ ኣብ ርሑቅ ዝነብር ዘፍርህ ዘርዕድ ዘይኮነ ቀረባ ምዃኑ ንርኢ። ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኸይ እውን እዩ ኣምላኽ ታሪኽ ሕይወት እዩ። በዚ ከኣ ስጉምታተይ ይመርሕ ኣይሓድገንን ወትሩ ምሳይ እዩ ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወተይ የሰንየኒ ኣምላኽ ሓልዮት ኰይኑ ወትሩ ይሓልየለይ የሰንየኒ። ኣነ እንከስተንትን ንገዛእ ርእሰይ ዝሓቶ ሕቶ ኣሎኒ ንዓኹም እውን ክሓተኩም ፍቀዱለይ! ብሓቅዶ ናይዚ ኣምላኸይ ዝብሎ ዘሰንየኒ እሙን ብጻይ ናይ ግላዊ ጉዕዞ ሕይወተይ ኣምላኽ ስጉምታተይ ዝመርሕ ኣምላኽ ወትሩ ዘይሓድገኒ ኣምላኽ ኣምላኽ ዘመነይ ተመኲሮ ኣሎንዶ! ኣስተማቅረዶ! እስኪ ቁሩብ ነስተንትን።

እዚ ዘደንቅ ተመኲሮ እምነት ኣቦና ኣብርሃም መበቆላዊ ዝኾኑ ታሪኽ መንፈሳውነት ካብ ዝትርኹ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ብለይዝ ፓስካል ዝበህላ ዝኽርታተይ ኢሉ ዝደረሶ መጽሓፍ ይትርኾ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ክብል ይጅምር። `ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሓቅ ኣምላኽ ያዕቆብ እምበር ኣምላኽ ፍላስፋታትን ኣምላኽ ሊቃውንትን ዘይኮነ! ፍጹም ርግጽነት ዝስማዕ ሓጐስን ሰላምን ዝህብ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ` ይብል። እዚ ዝኽሪ እዚ ኣብ ንእሽቶ ብራና ዝተጻሕፈት ኰይና ድሕሪ ሞት ብለይስ ፓስካል ኣብ ጫፍ ክዳኑ ተሰፍያ ዝተረኽበት እያ። እዚ ዝገልጾ እንተልዩ ሓደ ሊቅ ብኣእምሮኡ ዝገበሮ ተራቅቆ ፍልስፍና ኣይኮነን ዘመልክት እንታይ ደኣ ትርጉም ሕይወቱ ትርጉም እምነቱ ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወቱ ብከመይ ከምዘስተማቀሮ ይገልጽ። ብለይዝ ፓስካል እዛ ተገልጾ እዚኣ መኣስ ከምዝረኸባ እውን ዕለታን ዓመተ ምሕረታን እዋናን ይገልጽ። ምሸት 23 ሕዳር 1654 ዓም ነበረ ይብል። እዚ ኣምላኽ እዚ ብፍልስፍና ተመራሚርካ ዝብጻሕ ወይውን ከምቲ ኣብ ጥንቲ ዘመን ኣብርሃም ብሰማይን ከዋኽብትን ዝግለጽ ኣይኮነን። ናይ ግልኻ ኣምላኽ ናይ ጸዋዕታ ኣምላኽ ንእብርሃም ዝጸወዔ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ብርግጽነት እትሰምዖ ኣምላኽ ሓጐስ! ሓጐስ ብርእሱ ዝኾነ እዩ።

ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.2570 ዝገልጾ `ጸሎት ናይቲ ሱቊተኛ ዝኾነ ኣብርሃም ኣብ ዝበጽሖ ቦታ መሠውዒ ንጐይታ ብምህናጽ ብተግባር ይግለጽ` እንክብል ውሽጣዊ እምነት ብተግባር ይገልጽ ከምዝነበረ ይምህር። ኣብርሃም ቤተመቅደስ ኣይኮነን ዝሃንጽ እንታይ ደኣ ቁሩብ ኣእማን ኣኪቡ ምስ እግዚኣአብሔር ዝተራኸበሉ ቦታ ከም መንበረ ታቦት እናኣመልከተ ይጐዓዝ። እዚ ብሃንደብነቱ ዝተፈልጠ ኣምላኽ ሓንሳእ ከማ ሠለስተ ኣጋይሽ ይበጽሖ እሞ ንኣኡን ንሳራ በዓልቲ ቤቱን ዘጨንቅ ዝነበረ ጸገም ናይ ፍታሕ ብሥራት ብምልጋስ ልደት ይስሓቅ የበስሮ (ዘፍ 18.1-15)። ኣብርሃም ሚእቲ ዓመት ነበሮ ሰበይቱ ከኣ ከባቢ ተስዓ ዓመት ነበራ። ክልቲኦም ብኣምላኽ ተኣማመኑ ሳራ በዓልቲ ቤቱ እውን ጸነሰት። ኣብቲ ዕድመ እቲ ምጽናሳ ዘደንቅ እዩ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽናን ዘሰንየናን እግዚአብሔር ዝገብሮኸስ እዚ እዩ።

በዚ ከምዚኸስ ኣብርሃም ምስ እግዚአብሔር ይለማመድ ወረ ሓንሳእ ሓንሳእ ይማጐት ወትሩ ግን ምስ ምሉእ ምትእምማን እዩ። ክሳብ እታ ዓባይ ፈተና ምስ እግዚኣአብሔር ይዛረብ ይማጐት። ነቲ ብኽንደይ ምህለላ ኣብ እርጋኑ ዝረኸቦ ውሉዱ ንይስሓቅ ሰውኣለይ ይብሎ። ኣብዚ ኣብርሃም ንእምነቱ ከም ሓደ ድራማ እዩ ዝነብሮ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ለይቲ ከም ምጒዓዝ እዩ፣ ከምዚ ዓይነት ጸገም ንዓና እውን የጋጥመና እዩ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ጒዕዞ እንተክዕነ ወትሩ ምስ እምነት ክኸውን ኣለዎ። ከመይ እግዚአብሔር ባዕሉ ነታ ንይስሓቅ ክትሥውዕ ሓፍ ዝበለት ኢዱ ደው ከብላ እዩ ከመይ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኣምኖ ስለዝረኣየ (ዘፍ 22.1-19)

ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብእምነት ምጽላይ ንጐይታ ጽን ኢልካ ምስማዕ ብእምነት ምጒዓዝ ክሳብ መወዳእታ ምስ ጐይታ ምምጓት ካብ ኣብርሃም ንመሃር። ምስ እግዚኣአብሔር ንምምጓት ኣይንፍራህ! ምናልባት ከም ክሕደት ትመስል ነገር ክብልኩም። ብዙሕ ግዜ ሰባት `ኣባቴ ከምዝን ከምዝን ምስ ኣጋጠሚ ምስ እግዚኣብሔር ተቈጢዔ` ምስ በሉኒ ዋእ ብሓቂ ምስ እግዚአብሔር ክትበኣስ ትብዓት ረኺብካ እብሎም ብልቦም እወ ምስ በሉኒ 'ኣጆኻ እዚ ሓደ ዓይነት ጸሎት እዩ ከመይ ሓደ ሓቀኛ ውሉድ ጥራሕ እዩ ምስ ኣቦኡ ዝቋየቊ ደሓር ተመሊሱ ከኣ ኣቦ ዝብሎ' እብሎም። ብእምነት ንምጽላይን ምስ ጐይታ ንምዝታይን ምምጓትን ካብ ኣብርሃም ንመሃር እንተኾነ ወትሩ ንቃል እግዚአብሔር ንክንቅበሎን ኣብ ግብሪ ንክነውዕሎን ስንድዋት ኰና ኢና እንገብሮ። ምስ እግዚኣአብሔር ከም ሓደ ውሉድ ምስ ኣቦኡ ዝዛረብ ክንዛረብ ክንሰምዖ ክንምልሰሉ ክንሕቶ ንመሃር። እንተኾነ ልክዕ ከም ሓደ ውሉድ ምስ ወላዲኡ ዝገብሮ ኩሉ ንጹር ብዝኾነ መንገዲ ይኹን። ኣቦና ኣብርሃምከስ ብከምዚ እዩ ጸሎት ዝምህረና። እግዚኣአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል|
03 June 2020, 18:22