ድለ

ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር 

ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ንዓለም ዘድሕን ፍቅሪ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ ሰንበት ዕለት 7 ሰነ 2020 ዓም በዓለ ቅድስት ሥላሴ ስለእተኽብር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምሥጢር ናይዚ በዓለ ምሥጢረ ፍቅሪ ኰይኑ ሕይወት ክርስትና ነቲ ብፍቅሪ ሃሰስ ዝብሎ ፍቅሪ እግዚአብሔር ከናዲ ኣለዎ እንክብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ስዒቡ ይቀርብ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ 3.16-18) ኣብ በዓለ ቅድሥት ሥላሴ ዝቀርብ ጥቅልል ብዝበለ ቋንቋ ሓዋርያ ዮሓንስ ነቲ እግዚአብሔር ነዚ ዓለምና ዘለዎ ፍቅሪ ምሥጢረ ፍጥረት ይገልጽ። ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ሓጺር ዕላል ኢየሱስ ነቱ እግዚአብሔር ኣቦ ነዚ ዓለም እዚ ዘለዎ መደብ ድሕነት ንክፍጽም ከምዝመጸ ይገልጽ። ኣሕጽር ኣቢሉ ከኣ 'እዚአብሔር ንዓለም ክሳብ ክንድዙይ ኣፍቀሮ ንእንኮ ወዱ በጃ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀሮ` ክብል የረጋግጸሉ። እዘን ቃላት እዚአን ሥራሕ ቅድስት ሥላሴ ማለት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብጠቅላላ እንኮ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ንዘመደ ኣዳምን ንመላእ ዓለምን እተድሕን መደብ ፍቅሪ ንዓና ዝተመደበ መደብ ድሕነት እዩ።

እግዚአብሔር ንዓለም ሠናይን ጽቡቅን ገቢሩ ፈጠሮ እንተኾነ ድሕሪ ሓጢኣት ዓለም ብኽፍኣተ ግብርን ብብልሽውናን ተጐቢኡ። ንሕና ኩልና ደቂተባዕትዮናን ደቂኣንስትዮናን ሓጢኣተኛታት ኢና ኩልና! ከም ሓቁ ከኣ እግዚአብሔር ንዓለም ክፈርድ ንኽፍኣተ ግብሪ ክድምስስን ንሓጢኣተኛታት ክቀጽዕን ነርዎ። እንተኾነ ንሱ ንዓለም ሽሕ`ኳ ሓጢኣት መሊእዎ እንተሎ ገና የፍቅሮ። ሽሕ'ኳ ሓጢኣተኛታት እንተኾና ካብኡ እውን እንተረሓቅና እግዚኣአብሔር ንነፍስወከፍና የፍቅረና እዩ። እግዚአብሔርከስ ንዓለም ክሳብ ክንድዙይ የፍቅሮ ክሳብ ነቲ ኣሎኒ ዝብሎ ዝዓበየን ዝኸበረን እንኮ ወዱ ንድሕነት ሰባት ሕይወቱ ከምዝህብ ይገብሮ። እዚ ከኣ መይቱ ካብ ሞት ተንሢኡ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ተመሊሱ ንመንፈስ ቅዱስ ይሰደልና። ቅድስት ሥላሴኸስ ፍቅሪ እያ። ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ዓለም ኰይና ክተድሕኖን ትደሊ ብሓዲስ ከኣ ትፈጥሮ። ሎሚ ብዛዕባ እግዚአብሔር ኣቦን ወዱን መንፈስ ቅዱስን እንክነስተንትን ብዛዕባ ፍቅሪ እግዚእብሔር ንሕሰብ። ከምዝተፈቀርና ክስምዓናን ክስቈረናን እንተኽኢሉ ብጣዕሚ ጽቡቕ ምኾነ። እግዚአብሔር የፍቅረኒ እዩ! ናይ ሎሚ ስምዒትናን ዕዮ ገዛናንከስ እዚ ይኹን።

        ኢየሱስ እግዚአብሔር ኣቦ ንእንኮ ወዱ ኣወፍዩ ክብል እንከሎ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና እቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 22.1-14 ተጠቂሱ ዘሎ ጉዳይ ኣቦና ኣብርሃምን ሕቶ መሥዋዕቲ ይስሓቅ ወዱን እዩ። እዚ ከኣ ነቲ መጠን ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ይገልጸልና። ነቲ እግዚአብሔር ንሙሴ ክግለጸሉ እንከሎ ኣብ ኦሪት ዘፀኣት 34.6 ተመልኪቱ ዘሎ ምሉእ ርሕራሔን ምሕረትን ለውሃትን ንቁጠዓ ደንጓዪ ብጸጋን ተኣማንነትን ምሉእ ዝኾነ ኩነታቱ እውን ንዘክር። ምስ ሙሴ ክራኸብ እንከሎ ቅድሚ ዝኣገረ ንሙሴ የተባብዖ ከምቲ ጽሑፍ ዘዘንትዎ ከኣ ሙሴ ትብዓት ረኺቡ 'እሞ በለ፡ ጐይታይ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልና፡ ርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ፡ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ' እንክብል እግዚአብሔር ምስኦም ክህሉ ይልምን። እግዚአብሔር ወዱ ብምልኣኽ ነዚ እዩ ገሩ። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንሕና ደቂ እግዚአብሔር ኢና። ደቁ ጌሩ ስለዝተቀበለና ከኣ ርስቱ ኢና።

        ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ናይ ሎሚ በዓል ጽባቄ እግዚኣብሔር ማለት ጽባቄኡ ሕያውነቱ ሓቁ መዋዳእታ ዘይብሉ ስለዝኾነ ከም ብሓዲስ ክንድነቅ ይዕድመና። እዚ ጽባቀን ሕያውነትን ሓቅን እዚ ልዑል እኳ እንተኾነ ብትሑት መንገዲ ኣብ ሕይወትና ኣብ ታሪኽና ክጽንበር ስለዝደለየ ሥጋ ለበሰ በዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ነፍስወከፍና ኣብ ታሪኸይ ኢልና ክንዛረብ ብእንኽእለሉ ደረጃ ተገሊጹ። ምኽንያቱ ከኣ ነፍሲወፍ ወዲተባዕታይስ ይኹን ጓልኣንስተይቲ ንክንረኽቦን ዘለዓለማዊ ሕይወት ንክንወርስን እዩ። እምነት ማለት ከኣ እዚ እዩ። ነቲ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ምቅባል! ነቲ ብክርስቶስ ገሩ ዝተዋህበና ፍቅሪ እግዚአብሔር ምቅባል! እዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ከምእንንቀሳቀስ ገሩ ንኣኡ ከምእንረክብ ገሩ ብኣኡ ክንተኣማመን የኽእለና። ሕይወት ክርስትናኸስ እዚኣ እያ። ነዚ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ምድላዩ ምርካቡ ምፍቃሩ እዩ ሕይወት ክርስትና። ብመጀመርያ ዝደልየናን ዝረኽበናን ንሱ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ማሕደር ቅድስት ሥላሴ ዝኾነት ድንግል ማርያም ነቲ ብሓጐስ ዝመልኣናን ኣብዚ ምድሪ እዚ ንእንገብሮ ጒዕዞ ሕይወት ንሰማይ ገጹ እናመርሐ ትርጉም ዝህቦን ፍቅሪ እግዚአብሔር ብክፉት ልቢ ንክንቅበሎ ትደግፈና።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 June 2020, 17:18