ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ሕይወትና ኣብ ከውሒ ንሕነጽ! እዚ ከውሒ ኢየሱስ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሰኑይ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓም ክብረ በዓል ጠበቃ ከተማ ሮማ ዝኾኑ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን እንክዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም 'ናብ እግዚአብሔር እንጐዮ ኣብ ግዜ ጸገም ጥራይ ዘይኮነ እታ ዝዓበየት ህያብ ዝኾነ ህይወት እውን ንለምን እሞ ዳግም ንኣኡን ንኣገልግሎትን ነወፍያ' ክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ከኣ ከተማ ሮማ ብክብሪ ምእንቲ ክትነብር ንጸሊ ኢሎም። ዘቅረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ እዚ ዝስዕብ ነበረ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም! ሎሚ ጠበቃታት ከተማ ሮማ ናይ ዝኾኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ነብዕል ኣሎና። ኣብዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰማዕት ዝሞተሉን ዝተቀብረሉን ቦታ ብሓባር ክንጽሊ ምርኻብና ዓቢ ጸጋ እዩ። ናይ ዕለቱ ሥርዓተ ኣምልኾ ፍልይ ዝበለ ጉዳይ ይዝክር። ኣብ ግሐ 12 ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ካብ ቤት ማእሰርትን ሓደጋ ሞትን እግዚአብሔር ጸሎት ማሕበር ሰሚዑ ሓራ ከምዘውጽኦ ይትርኽ። ሄሮዱስ ንሓዋርያ ያዕቆብ ኣቅቲሉ ንጴጥሮስ ኣእሲሩ ብርቱዕ ስደት ምስ ኣልዓለ እታ ማሕበረ ክርስትያን ትጽሊ ከምዝነበረት እግዚኣአብሔር ከኣ መልኣኹ ሰዲዱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘውጽኦ ካብ ቊጽሪ 1-12 ግሐ 12 የዘንቱ። እንተኾነ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ቅዱስ ጴጥሮስ እንደገና ኣብ ሮማ ስለ ክርስቶስ ይእሰር። ብርግጽ እታ ናይ ሽዑ ማሕበረ ክርስትያን ሮማ እውን ጸልያ ትኸውን እያ። እንተኾነ ኣብዚ ግዜ እዚ ከምቲ ዝቀደመ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይወጽእን። ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ኣብቲ ቀዳማይ ካብ ፈተነ ዘውጽኦ ኣብዚ ካልኣይ ግን ዘየውጽኦ ኢልና ክንሓትት ንኽእል።

እቲ ምኽንያት ጒዕዞ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሕና ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ክንመሃሮ ዘሎና ጉዳይ ከብርሃልና ደልዩ እዩ ክንብል ንኽእል። ኣብቲ መጀመርያ ጐይታ ብዙሕ ጸጋ ይዕድሎ ካብ ሕማቅ ነገር ከኣ ሓራ የውጽኦ። ንዓና እውን ብዙሕ ግዜ ከምዚ የጋጥመና እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ብዙሕ ግዜ ናብ ጐይታ እንጐዮ ሓገዝ ክንሓትት ጸገም እናከጓንፈና ጥራይ እዩ ክንብል ንኽእል። እንተኾነ እግዚአብሔር ኣርሒቁ ስለዝጥምት ካብቲ ጸገምና ከናግፈና ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ናይ ኩሉ ውህበታት ጐይታ ዝኾነ ኣምላኽና ንኣኡ ክንደር እውን ክንከይድ ከምዘሎና የመላክተልና። በዚ ከኣ ጸገማትና ክነወፊ ጥራይ ዘይኮነ ሕይወትና ብዓንዲ ርእሳ ኣብ ኢዱ ክነወፍያ እውን ይጽበየና። በዚ ከምዚ ከኣ ነቲ ዝዓበየ ውህበት ይዕድለና እዚ ከኣ ጸጋ ተወፋይነት ኰይኑ ሕይወትና ከም እነወፊ ይገብረና። ናይ ሕይወት ኣገዳሲ ጉዳይከስ ከም ውህበት ንካልኦት እንክተወፍያ እዩ። እዚ ንኩሉ ይምልከት ወለዲ ሕይወቶም ንደቆፍ እንከወፍዩ ውሉድ ከኣ ንወለዶም ንሽማግለታት የወፍዩ። ኣብዚ ብዙሓት ሽማግለታት ይቅጀሉኒ። እዞም ሰባት እዚኦም ተጠቂምካ ከም እትድርብዮ ኣቅሓ ብሥድራቤታቶም ተኻሒዶም በይኖም ዝተረፉ እዮም። ድራማ ዘመንና ከኣ እዚ እዩ። ናይ ሽማግለታትና በይኖም ምዃን ፍጹም ብሕትውና። ናይ ደቅን ደቂ ደቅን ንእቦሓጎታት ግዜ ይስእን። ሕይወትካ ንካልኦት ምውፋይ ንዝተመርዓወስ ይኹን ንበዓል ውፉይ ሕይወት ኣብ ገዛስ ይኹን ኣብ ቦታ ሥራሕ ኣብ ጥቃኻ ንዘሎ ከም ህያብ ምቅራብ እዩ። እግዚአብሔር በዚ ወፈያ እዚ ክንዓቢ ይደልየና። ከምዚ ብምግባር ጥራይ ከኣ ኢና መንፈሳዊ ዕብየት እንውንን። ንካልኦት እንክንውፈ ኢና እንዓቢ። እስኪ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንመልከት በቲ ናይ መጀመርያ ካብ ቤትማእሰርቲ ሓራ ብምውጻኡ ኣይኮነን ዕብየቱ ዘግሃደ እንታይ ደኣ ሕይወቱ ምእንቲ ካልኦት መሥዋዕቲ ብምውፋዩ እዩ። ናቱ መሥዋዕትነትን ሰማዕትን ቦታ ቅትለትን ስቅለትን ዝነበረ ቦታ ተስፋ ከምዝኸውን ገበሮ እዚ እንርከቦ ቦታ ኸኣ እዩ።

እነሆ እምበአር ንእግዚአብሔር እንታይ ክንልምኖ ከምዘሎና ንመሃር! ነቲ ግዜኡ ዘድልየና ጸጋ ጥራይ ዘይኮነ ጸጋ ሕይወትና ክህበና ንለምኖ። ናይ ሎሚ ወንጌል ነታ ሕይወት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቀየረት ኣብ መንጎኡን መንጎ ኢየሱስን ዝተገብረት ዘተ የዘትወልና። ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 'ኣነ ንዓኻ መን እዩ' ዚዓይነቱ ሕቶ ምስ ሓተቶ 'ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ! ወዲ እቲ ሕያው እግዚአብሔር' ክብሉ ይምልሽ፡ ኢየሱስ ከኣ 'ስምዕን ወዲ ዮና ብፁዕ ኢኻ' (ማቴ 16,16-17) እንክብሉ ቃል ብቃሉ ደስ ይበልካ ተሓጐስ ይብሎ። ነዚ ብምባልካ ሕጉስ ኢኻ ይብሎ። ኣብዚ ነስተውዕል ጴጥሮስ ንስኻ ወዲ እቲ ሕያው እግዚኣአብሔር ኢኻ ምስ በሎ እዩ ኢየሱስ ጴጥሮስ ብፁዕ ኢኻ ይብሎ። እታ ምሥጢር ብፅዕና ኣበይ እያ ዘላ እታ ንሕይወት ሓጐስ እትህብ ኣበይ ኣላ እንተቢልና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ከም ክርስቶስ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ሕያው እግዚኣአብሔር ወዲ ሕያው እግዚእብሔር እምበር ከም ደረቅ ሓውልቲ ኣይኮነን። እዚ ማለት ኢየሱስ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ዓቢ ሰብ ከምዝነበረ ምፍላጥ ኣይኮነን ዘገድስ ወይውን ንዝበሎ ኩሉ ምፍላጡን ምድጋሙን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሕይወተይ ክሳብ ክንደይ ንኣኡ ኣወፍያ ኣብ ልበይ ክንደየናይ ቦታ እቦ እዩ ዘገድስ። ኣብቲ ግዜ እቲ ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ጐይታ ቀጺሉ ዝበሎ ዝሰምዕ 'ንስኻ ከውሒ ኢኻ ኣብ ርእሲ እዛ ከውሒ ከኣ ቤተክርስትያነይ ክሃንጽ እየ' ይብሎ። ከውሒ ዝበሃሎ ዘሎ ጽኑዕ ሰብ ዝእመን ሰብ ኰይኑ ኣይኮነን። እኳ ደኣ መዓት ጌጋትት ይፍጽምም ክሳብ ንመምህሩ ኣብ ምኽሓድ ክበጽሕ እዩ። እንተኾነ ሕይወቱ ኣብቲ ነቅ ዘይብል ከውሒ ኣብ ኢየሱስ ኪሃንጽ ወሰነ ጐይታ ኢየሱስ እውን ኣብ ሥጋን ደምን ኣይብልን ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይኮነ ዝብል እንታይ ደኣ ኣብቲ ከውሒ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ እምኒ ዝኾነሉኸስ ኣብቲ ከውሒ ዝኾነ ኢየሱስ ስለዝተጸገዔ እዩ። ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ተመሳሳሊ ነገራት ክንዕዘብ ንኽእል። ንኩሉ ጥንጥን ኣቢሉ ከም ጐሓፍ ብምርኣይ ንወንጌል ይውፈ በዚ ከኣ ንክርስቶስ ይረክብ።

ሎሚ እምበአር ኣብ ቅድሚ እዞም ሓዋርያት ኰና ነዚ ነስተንትን። ኣነኸ ሕይወተይ ብከመይ እመርሓ! ንግዚኡ ዘድልዩኒ ነገራት ጥራይዶ እሓስብ ወይስ እቲ ሓቀኛ ሃረርታይ ኢየሱስ ኰይኑ ሕይወተይ ከወፊ እደሊ! ሕይወተይ ኣብ ምንታይ ሓኒጸያ ኣብ ክእለተይዶ ወይስ ኣብቲ ሕያው ዝኾነ እግዚአብሔር! ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሐተት። እታ ብኩለንትናኣ ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣማመነት ድንግል ማርያም ዕለት ዕለት ንጐይታ መሠረት ኩለንትናና ክንገብሮ ትደግፈና። ብጸጋ እግዚአብሔር ሕይወትና ንእግዚአብሔር ኣወፊና ንምኽኣል ስለና ተማልደልና ኢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 June 2020, 12:21