“ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ” (ማቴ. 20,5) “ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ” (ማቴ. 20,5) 

ምዕባለ ዓንቀጸ እምነት ተኣማንነት ኣብ ሕዳሴ

ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብቶም ዝተኻየዱ 20 ጉባኤታት ንሓደስቲ ምዕባሌታት ኣይንቕበልን ዝብሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተራእዮ እዮም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሕዳሴ ዘይቕበሉ ኣካላት ነይሮም እዮም ኣለዉ እውን፡

ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ናይ እዋንና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍንውዎ ነቐፋ ንኻልኣይ ቫቲካን ጉባኤ እያቶም ዝቃወሙን ንናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16 ስልጣናዊ ትምህርቲ ናብ ምርሳዕ ዘብሉ እውን ከምዝኾኑ ናይ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የመላኽቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ንእዋናዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዓንቀጸ እምነት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዝፍንውዎ ነቐፌታ ቀስ ብቐስ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እናረሓቑ ዝኸዱ ምዃኖም ተስተውዕል፥ እዚ ኸኣ ካብ ገለ ገለ ውሳኔታት ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጥራሕ ዘይኮነ ከብ መላእ ትሕዝቶን ስልጣናዊ ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብጠቕላላ ካብ ምሉእ ሰነዳትን ትሕዝቶ ውሳኔታትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝረሓቑ እያቶም፡ እቶም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነቕፉ እቲ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነቕፍሉ መንጽር ኣንጻር እቶም ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንናይ ዓነቀጸ እምነት ምዕባለ ዓቢይ ኣበርክቶ ንዘቕረቡ ንዮሓንስ ጳውሎስን ዳግማውን  በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኣንጻር ምዃኖም እዩ ዘረጋግጽ።

ናይ ዘተ ትንቢት

ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝሰፈረ ሓሳብ ንምርግጋጽ እታ መበል 25 ዓመት ሕትመታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተብዓለ “Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ዘራስታ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ብዛዕባ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ዘተን ምስ ካልኦት ዘይካቶሊካውያን ሃይማኖታት ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝግበር ናይ ሓባር ርክብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ጻዕሪ ምዃኑ ተረጋግጽ፡ . . . እዚ ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ ቀዳምነት ዝሃብሉ ርእሰ ጉዳይ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ውዕዉዕ ድላይ ንሓድነት ብምእዛዝ እዩ።

ናይ ምሕረት ትንቢት

ኵሉ ከምዝዝክሮ ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ ዕለት 12 መጋቢት 2000 ዓ.ም. ኢዮበልዩ ቅዱስ ዓመት ምኽንያት ናይ ምሕጽንታ ምሕረት መዓለቲ ኮይኑ ክሕሰብ ገይሮም ብደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ሓጢኣት ምኽንያት ብወግዒ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ምሕረት ከምዝሓተቱ ይዝከር፡ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ክበሃል እንከሎ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እውን የጠቓልል። ይቕረታ ወይ ውን ምሕረት ምሕታት ምልስ ቢልካ ዝሓለፈ ሕወትን ታሪኽን ንኽትምልከትን ንናይ ሕልና መርመራ ዝድርኽ እዩ፡ እዚ ዓቢይ ስግኣት እውን እንተኾነ። ዎይትይላ ናይ ሓቂ ፍኖት መረጹ፡ ቤተ ክርስትያን ሓቂ ከፍርሓ የብሉን ክትፈርሖ እውን ኣይግብኣን፡ ሓቂ እዩ ናጻ ዘውጽእ፡ ኣብቲ እዋን ካርዲናል ዝነበሩ ጆሰፍ ራትዚንገር ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ምሕረትን ይቕረታን ምሕታት ‘ሓድሽ ወስታ’ እንክብሉ ገሊጾም “ቤተ ክርስትያን ናይ ትማልን ሎምን ሓጢኣታ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብግልጺ ብሓጢኣተይ ቢላ ጣዕሳኣ ተቕርብ፡ እዚ ብሓቒ ሓድሽ ጥልቅን ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ቀጻልነትን ምስ ርእሰ ምስትውዓልን ዝተኣሳሰረ እዩ።

መመራን ዓመጽን፥ እናዓበየ ዝኸይድ ሕልና

ብዛዕባ መርመራዊ መጠይቕን ዝተፈጸመ መቕጻዕትን ዘይምጻርን ዝብል ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኽ ብዙሕ ተጋኒኑን ካብ ሓቀይና ታሪኽ ብምጥምዛዝ ጥቁን ኣፈ ታሪኽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽን ንሰብኣውነት ዝፈጸመቶ ዓብይን ወሳንን ተፍጻም ንምሕኻኽ ብዝሃቀነ ኣገባብ ምቕራብ ልሙድ እዩ፡ ብዙሓት ሓቅን ኵውንነትን ብምጥምዛዝን ነቲ ዝተጠማዘዘ ታሪኽ ክሳብ ምምላኽ ብዝድርኽ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝንዛሕ ዝነበረ ኩሉ፡ ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ እቲ ሓቂ እንታይን ከመይን ከምዝነበረ ኣነጺሮምዎ እዮም፡ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ድግማዊ ዝበልዎ ናይ ዝሓለፈ ዝምባዐታት ኣብ ህልው ኵነት ንሕድገታትን ንግድድፍን ዝብል ሕልና ዘነቓቕሕ እዩ፡ . . . ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ትምራሕ . . .  ምስ ወንጌል ገዛእ ርእሳ ንኸተሰማምዕ ዘይ ምጽውዋርን ዓመጽን ኣብ ታሪኽ እቲ ኹሉ ወጅሃ ዘትሞመን ዓይነት ተግባር ኩሉ ትቃወምን ትነጽግን።

ጉዳይ ጋሊለዮ

ቤተ ክርስቲያን ብኽርስቶስ ዝተመስረተት እውን እንተዀነት ብፍጡራን ሰባትን ዘይፍጹማንን ውስንነት ብዘለዎም ምስ እዋኖምን ባህሎምን ምትእስሳር ብዘለዎም ሰባት እትምራሕ ብምዃና ምኽንያት፡ ስቓይ ክትከውን ትኽእል ስለዚህ እቲ ዝተፈጸመን ዝፍጸምን ኵሉ ምስቲ ዝነበረቶ መሓቑፎ ብምትእስሳር ብናይቲ እዋን ታሪኽን ኣመለኻኽታን መንጽር እዩ ክርአይ ዘለዎ እዚ ማለት ድማ እቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ምኽንያታዊ እዩ ንምባል ዘይኮነ ነቲ ጌጋ ተመላኽን ንእዋናዊት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን መጠቀኒ ከይከውንን ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተፈጸመ ጌጋታት ኣፍልጦ ብምሃብ ይቕረታ ክትሓትት ኣየፍርሓን እዩ፡ ንኣብነት ጋሊለዮ ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ምርምር ሊቅ ካቶሊክ ምእመን ስቓይ ወሪድዎ እዩ፡ እዚ ክንሕብኦ ኣይግባእን ነዚ ዝበሉ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ብተመክሮ እውን እትመሃር እያ፡ ሓቂ ኣብ ምርዳእ ትዓብይ ምኽንያት ሓቂ ሓንሳብ ንሓዋሩ ውሁብ ኣይኮነን፡ ነቲ ዝተሃበ ሓቂ ኣብ ምፍላጡን ምስትውዓሉን ምዕባይ የድሊ። ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ጌጋ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይቕረታ ሓቲቶምሉ እዮም።

ኮፐርኒኩሳዊ ሶውራ

ኣብ ስነ ኣቀማጣ መልክኣ ምድር መሬት ማእከል እያ ዝብል ኣመለኻታን ትምህርትን ኣብቲ እዋን ቅቡልን ምስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ትምህርትን ዝሳነይ እውን ብምዃኑ ካብዚ ወጻኢ ዝወሃብ ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ትምህርቲ ጌጋ እዩ ይበሃል ነይሩ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ብዝኽተልዎ ዝነበረ ናይ ስነ ምርምር ሜላታቶም ተጠቂሞም ክቃወምዎ ተራእዩ እዩ፡ እዚ እውን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝትንትንሉ ሜላ ኣብ ሕቶ ንኸእትዉ ደሪኹ እዩ፡ ኮፐርኒኩሳዊ ሰውራዊ ሜላ ኣብ ልዕሊ ትንታነ ቅዱስ መጽሓፍ ዓቢይ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ፡ ጋሊለዮ ናይ ስነ ምርምር ሊቅ እምበር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣይኮነን፡ ካቶሊክ እውን እንተነበረ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ፒዮስ መበል 12 ኣብ 1943 ዓ.ም. ኣብታ Divino afflante Spiritu - ብመንፈስ ቅዱስ ዝሰረጸ  ኣብ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን እዩ።

ህልዩ ፍልቀት

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ዝተነብረ ነቲ ናይ ዘፈጥረት መሰረታዊ ሕጊ ዝጻረር ህልዩ ፍልቀት ዝሕብሮ ተገራጫዊ ኣመለኻኽታ ዝዓቖረ ምስተዓል ክብ እናበለ ከምዝኸደን ብቐዳምነት ፒዮስ መበል 12 “Humani generis - ዘርኢ ሰብ” ኣብ ዘርእስቱ ናይ 1950 ዓ.ም. ዓዋዲ መልእኽቶም፡ ነቲ ምስትውዓል ንዝሕብር ኣመለኻኽታ ኣንፈት ሃቡ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ዘፍጥረት ብናይ ፍልቀት ብርሃን ይብገስ” እዚ ኸኣ ‘እግዚኣብሔር ከም ፈጣሪ መሬትን ሰማይን ንኣመንቲ ጭቡጥ ኣብ ግዜ ቀጻሊ ዝኾነ ፍጥረት’ እንክብሉ ይገልጽዎ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ ፍጥረት ከነንብብ እንከሎና እግዚኣብሔር ምትሓተይና ገርካ ናይ ምርኣይ ፈተና ከጋጥም ይኽእል፥ ብናይ ምትሃት በትሪ ገይሩ ነገራት ዝኽውን ገርካ ምሕሳብ፡ ከምዚ ኣይኮነን፡ እግዚኣብሔር ነገራት ፈጠረ ብናጽነት ድማ ብመሰረት እቲ ንሱ ብዝሃቦ ውሳጣዊ ሕጊ መሰረት ክምዕብል ፈቐዲ ፈጠሮ፡ ምኽንያቱ ናብ ምልኣት መታን ክበጽሕ ( . . . ) ኣብዚ እዋን እዚ ‘Big Bang - ዓቢይ ረጽሚ’ ዝብል ዝንገረሉ ህልዮ ዘፍጥረት ንናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ፈጣሪ ምንጋወ ዝጻረር ዘይኮነ በንጻሩ ዝጠልቦ እውን እዩ፡ ፍልቀት ፍጥረት ምስ ናይ ዘፍጥረት ኣምር ዝጻረር ኣይኮነን፡ ምኽንያት ፍልቀት ዘፍጥረት ናይ ክውናት ፈለቕ ከም ኵነት ዝሓቶን ወይ ከኣ ኣቐዲሙ ዝጠልቦን እዩ” እንክብሉ የብርሁ።

ናይ ናጻነት ኣምር ምዕባለ

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብኡ ጥራሕ እውን ዘይኮነ ብዛዕባ ናጽነት ዝምልከት ታሪኽ ዝቐየሩ ጥልቂ መጸውዓት ንርከብ፡ እዚ ርኽበት እዚ ግና ቀስ እናበለ ዝተረኽበ እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. በኒፋዚዮ ሻምናይ “Unam sanctam - ሓንትን ቅድስትን” ብዝል ናይ 1302 ዓ.ም. ሕታመት ኣቢሎም መንፈሳዊ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ምድራዊ ስልጣን ጽብሉል እዩ ዝብል ኣምር ደጊሞም የመላኽቱ፡ ድሕሪ ኣስታት 700 ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ናይ ሕብረት ኤወሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ፊት ተረኺቦም ኣብ ዘምዕዎ መደረ፥ “ናይ መፋርቕ ዘመን ክርስትና ኣብ መንጐ ናይ እምነት ዓውድን በርገሳዊ ሕይወትን ዓውዲ ፍልልይ የለን” ዝብል ከምዝነበረን ነዚ ስዒቡ ነቶም ነቲ ሓቀይና እምነት ዘይናዘዙ ዘበሉ ኩሎም ካብ ዓለማዊ ማሕበረሰብ ናይ ምንጻል ዝብል ራእይ ዘለዎ ናይ ኣኽራርነት ፈተና እዩ ዘጋጠመ”፡ ኣብ 1791 ዓ.ም. ፒዮስ ሻድሻይ ንናይ ፈረንሳ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይታ ሃገር ብሔራዊ ሽማግለ  “ኣብ ሕብረተሰብ ዝነብር ሰብ ናጻ ማለት ዛዕባ ሃይማኖት ካብ ዝምልከት ጉዳይ ናጻን ብሃይማኖት ፈጺሙ ክህወኽ የብሉን ብናጽነት ባህ ከምዝበሎ ክሓስብን ብዛዕባ ሃይማኖት ዝምልከት ዝመሰሎ መጻሕፍቲ ክጽሕፍን ኣብ ጋዜጠይናታት ከሕትምን ናጻ እዩ” እንክብል ንዘንበሮ ሓሳብ ከምዝነቐፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የዘኻኽር። ኣብ 1832 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጐርጎሪዮስ መበል 16 “Mirari vos - ዘደንቕ ኣመክንዮ ንኣኹም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ናይ ሕልና ናጽነት “መርዛም ጌጋን ዘህተፍትፍ ዕብደት” እንክብሉ ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ኣብቲ ሲላቦ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ኣስተዋጽኦ ናይቲ እዋን ጌጋታት የመላኽቱ፡ ኣብቲ ናይ 1864 ዓ.ም. ዘውጽእዎ “ናይ ዘመንና ቀንዲ ጌጋታት” ኣብ ዝብል ጽሑፎም፥ ካቶሊካዊ ሃይማኖት እንኮ ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ብዝብል ኣመለኻኽታ ንኻልኦት ሃይማኖታት ምንጻግ ንማንም ኣይክሕሾን እዩ ይብሉ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ሰብኣዊ ክብርታት ኣብ ዝብል ውሳኔኡን ከምኡ እውን ኣብቲ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ዝብል ውሳኔኡን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ምስ ካልኦት ዘይክርስትያን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ዘለዎ ኣገዳስነትን በሰፊሕ የመላኽት፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ቀዳሞት ክርስቲያን ቀዳማይ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ምልስ ቢሉ ዘዘኻኻር ከምዝኾነ ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ ይሕብርዎ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅድሚ እዚ ብድሆ እዚ ጓሶት ሓቀይና ትብዓት ዘለዎም ኮይኖም ክርከቡ ይምዕዱ።

ቁመት፥ ኣበየቶን ዓመታት?

ኣብ 1988 ዓ.ም. እታ ብዛዕባ ለፈብሪያን ኣኽረርቲ ባህሊ - ስርዓተ ሊጡርጊያ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣፍልጦ ዘይህብ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሱ ንዝነጸለ ማሕበረሰብ ዝምልከት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “Ecclesia Dei – ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ውሳኔን በነዲክቶስ መበል 16 ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1962 ዓ.ም. ጥራሕ ኣጽቢብካ ዘይምድስካል ብዝብል ሓሳብ ነቲ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውሳኔ ብዝበርትዔ ኣመክንዮ ዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ ንምጥቃስ ይከኣል። ቅድም ክብል ኣብ 1870 ዓ.ም. ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ እምነት ክዛረብ እንከሎ ኣይጋገይን ዝብል ውሳኔ ዘይተቐበሉ ኦሪታውያን ካቶሊካውያን ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦም እውን ነይሮም እዮም፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብቶም ዝተኻየዱ 20 ጉባኤታት ንሓደስቲ ምዕባሌታት ኣይንቕበልን ዝብሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተራእዮ እዮም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሕዳሴ ዘይቕበሉ ኣካላት ነይሮም እዮም ኣለዉ እውን፡ እዚ ዝረአይ ሓቂ እዩ። ፒዮስ ታሽዓይ ኣብ 1854 ዓ.ም. ማርያም ብዘይ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ተጸንሰት ዝብል ሃመናዊ ድንጋጌ ምስ ኣመሓላለፉ ብዙሓት ንክቓወምዎ እውን ተላዒሎም እዮም፡ እቲ ዓቢይ ቅዱስ በርናርዶ ዲ ኪያራቫለ ዓቢይን ጥልቅን ማርያማዊ መንፈሳውነት ዝነበሮ ክነሱ ነቲ ናይ ፒዮስ ታሽዓው ውሳኔ ብግልጺ ክቃወሞ ዝተራእየ ሓቂ እዩ፡ . . . ተመሳሳሊ ተቓውሞ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባ ታሪኽ ዝተራእየን ዝረአይን ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ናይ ኢየሱስ ፍኖት፥ ሓድሽን ዝነበረ

ኢየሱስ “ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም (ክስርዞም) ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” (ማቴ. 5, 17) እንክብሉ የረጋግጽ፡ “ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ” (ማቴ. 5, 18) እንክብል እውን ባዕሉ ከምዝህሮ እዩ፡ ናይ ሙሴ ሕጊ ዝጥሕስ ኣብ ሻብዐይቲ መዓልቲ ምዕራፍ ዝብል ትእዛዝ ዘየኽብር፡ ግርዘትን ካብ እዋን ኣብርሃም ኣትሒዙ ዝነበረ ተባሂሉ ዝንገረሉን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ብግልጺ 2000 ዓመት ታሪኽ ኣለዎ ዝበሃል ትእዛዝ ዝጥሕስ ተባሂሉ ይውቀስ ነይሩ እዩ፡ ንኣረማውያን በራት ዘርህው ክሳብ ኣብቲ ክፍጸም ቢልካ ክትግምቶ ዘይከኣል እውን እዩ፡ “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። . . . (ራእይ. 21,5)፡ ‘ሓድሽ ወይኒ’ መግለጺ ወንጌላዊ  ፍቕሪ ብዙሕ እዋን ኣብቲ ናይ ሃይማኖታዊ ውሕስነታትናን ነቲ ወትሩ ብቃሉ ዝራኸበና እግዚኣብሔር ንምዕባስ ኣብ ዝብል ኩነታትና - ውሕስነትና መግለጺ ኣብ ዝኾነ በቲ  “ኣረጊቲ ሓርቢ” ኣብዝግለጽ መስፈሪና ንምእዕቋር ዝብል ስግኣት ኣሎ። ናይ መንግስተ ሰማይ ደቀ መዛሙር ናይ ሕጊ ምልኣትን ፍትሕን ዝደልይ እዩ፡ ንሱ ኸኣ እምበኣርከስ ናይ መንግስተ ሰማያት ወደ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ ዅሉ ካብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዜውጽእ ብዓል ቤት እዩ ዝመስል (ማቴ. 13,52) ከምዝብሎ እዩ፡ ኣብ ሓደስቲ ነገራት ጥራሕ ወይ ከኣ ኣብ ኦሪታውያን ነገራት ጥራሕ ዝውሰን ኣይኮነን!

24 June 2020, 16:42