2020.06.18 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ምዕባይ ሓዎም ኣባ ጆርጅ 2020.06.18 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ምዕባይ ሓዎም ኣባ ጆርጅ 

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓመሙ ሓዎም ክበጽሑ ንሃገረ ጀርመን ተጓዒዞም! ዜና ቫቲካን

ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ንዓለም ምሉእ ዘደነቀን ዘደንጸወን ውሳኔ ዝወሰዱ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ካብ ዝርከቡሉ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ዝርከብ ገዳሞም ወዲ 96 ዓመት ዝኾኑ ምዕባይ ሓዎም ንክበጽሑ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓም ብሊቀ ጳጳሳት ጋንስቫይንን ኣዛዚ ሓለዋ ጸጥታ ቫቲካንን ውሱናት ኣለይቲ ሕሙማትን ኣሰንዮምዎም ንሕሙም ሓዎም ከምዝበጽሑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።

ዜና ቫቲካን!

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ምዕባይ ሓዎም ኣባ ጆርጅ ስለዝሓመሙ ምሳኦም ምእንቲ ክኾኑ ትማል ሓሙስ ንግሆ ካብቲ ንብሕቶም ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝርከቡሉ ገዳም እመ ቤተክርስትያን ብኣካላት ሓለዋ ጥዕናን ጸጥታን ናይ ቅድስት መንበር ተሰንዮም ከባቢ ሰዓት 11.45 ናይ ንግሆ ካብ ቫቲካን ተላዒሎም ሚዩኒሽ ኣብ ዝበሃል ከተማ ጀርመን ብሰላም ኣትዮም።

ብሰላም ኣብ ሃገር ጀርመንን ኣብ ሰባኾኦምን ምብጻሕ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ዝገለጹ ሰበኻ ረገንስበርግ ነዞም ኣጋይሽ ዝተቀበሉ ብፁዕ ኣቡነ ሩዶልፎ ደርሆልዘር ምዃኖምን ናብቲ ር.ሊ.ጳ ዝቅንዩሉ ዘርአ ክህነት ሰበኻ ከምዘሰነይዎምን ኣመልኪቱ። እቲ በዛ ሰበኻ እዚኣ ዝተዋህበ መግለጺ ንኩሎም ምእመናን ሰበኻኦም ብዛዕባ ኩነታት እዞም ክልተ ዝሸምገሉ ኣሕዋት ድሕሪ ምግላጽ እዚ ርክብ ክልተ ኣሕዋት ብፍጹም መንገዲ ናይ ግሊ ጉዳዮም ስለዝኾነ ኣብ ሕዝብስ ይኹን መራኸቢ ብዙሓን ምንም ዓይነት መግለጺ ከምዘይህቡ ኣመልኪቶም።

ናይ ቅድስት መንበር ሓላፊ ሕትመትን ወሃብ ቃልን ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ መገሻ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሃገር ጀርመን ከምዝጸንሑ ኣብ ዝተሓተሉ ‘ክሳብ ዘድለዮም ግዜ’ እንክብሉ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝጸንሕዎ ግዜ ዘይውሱን ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እዞም ክልተ ዝሸምገሉ ኣሕዋት ወትሩ ብሓንሳብ ምስ ተጓዕዙ እዮም። ሽሕ’ኳ ናይ ሠለስተ ዓመት ፍልልይ ኣብ መንጎኦም እንተሎ ከም ብሥጋ ኣሕዋት ምዕባይን ምንኣስን ከምኡ እውን ክልቲኦም ብክህነት መሳቱ ምዃኖም ማለት ክልቲኦም ብሓባር ናይ ሎሚ 69 ዓመት ይገብር ኣብ ካተድራል ፍራይሲንግ ብዕለት 29 ሰነ 1951 ዓም መዓርገ ክህነት ከምዝተቀበሉ መዛግብቲ ቤተክርስትያን የመልክቱ። ሽሕ’ኳ ኩነታት ሕይወቶም ኣብ በበይኑ ዓውድታት ቤተክርስትያን እንተወሰዶም ማለት ኣባ ጆርጅ ንፉዕ ሙዚቀኛ ብምዃን ኣባ ዮሴፍ ናይ ሎሚ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ከኣ ሊቅ ንባበ መለኮት ብምዃን ኣገልግሎቶም ንቤተክርስትያን በብጸጋኦም እንከገልግሉ ወትሩ ጥቃ ጥቃ ምስ ኰኑ እዮም።

ኣባ ጆርጅ ራጺንገር ካብ 2005 ክሳብ 2013 ዓመ ሓዎም ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ብዙሕ ግዜ ናብ ቫቲካን ተመላሊሶም። ብ2008 ክልቲኦም ኣብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ካስተል ጋንዶልፎ እንከለው ናይቲ ከተማ ከንቲባ ናይ ክብሪ ዜግነት ከምዝሃቦም እንክዝከር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ነዚ ሠናይ ተግባር ‘ካብ ምጅማር ሕይወተይ ኣትሒዘ ሓወይ ብጻይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጉዕዞ ሕይወተይ እሙን መራሒ እውን ኰይኑኒ እዩ። ውሳኔታት ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ሕይወተይ ንጹር መወከስን ቈራጽ ውሳኔታቱን ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ’ እንክብሉ ቅርበት ናይዞም ዝተዓደሉ ኣሕዋት ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ገሊጾም ነሮም። በዚ ከምዚኸስ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዕርክነት ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳዖል ንጉሥን ንምግላጽ ሓንቲ ነፍሲ ነበሩ ዝብሎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ሎሚ እውን ወዲ 96 ዓመትን 93 ዓመትን ኰይኖም ኣብ ጥዑምስ ይኹን ከቢድ እዋናት ብሓባር ንምዃን ብጸገም ጥዕና ኣብ ሆስፒታል ንዝርከቡ ዓቢ ሓዎም ኣብ ጆርጅ ንከሰንዩ ኣብዚ ዕድመ እዝን ኣብዚ ኩነታት እዝን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክጐዓዙ ምኽኣሎም ዓቢ ምስክርነት ናይዚ ሕውነትን ውህደትን እዩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
19 June 2020, 11:20