ናብቲ ውጽኢት ተግባራትና ዘይኮነ ናብቲ ምንጪ ኵሉ ተልእኾ ዝኾነ ምባል ናብቲ ውጽኢት ተግባራትና ዘይኮነ ናብቲ ምንጪ ኵሉ ተልእኾ ዝኾነ ምባል  ርእሰ ዓንቀጽ

ናብቲ ውጽኢት ተግባራትና ዘይኮነ ናብቲ ምንጪ ኵሉ ተልእኾ ዝኾነ ምባል

ወንጌላዊ ልኡኽ ምዃን፡ ናይቲ ዓቢይ ህያብ መቓልሖን ስለ ዝግብኣካን ብቑዕ ስለ ዝኾንካ እትቕለበሎ ዘይኮነ፡ ልክዕ ከምቲ ወርሒ ካብ ጸሓይ ዝቕበሎ ብርሃን ዘቃልሕ፡ ካብ ካልእ ዝተቐበልካዮ ብርሃን ምንጽብራቕ ማለት እ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጳጳሳዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ተግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንጥፈታት ተልእኾ ወንጌል ካብቲ መሰረቱ ዝኾነ ዝኣልይ ጸጋ ምዃኑ ካብ ዘደብን ስነ ሕማም ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናብ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጽኑዕን ጭቡጥን መልእኽቲ፡ ኣብ ዝሃብዎ መምርሒ እቲ እንኰን ፍሉይን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ምንጪ መንነትን እንታይነትን ብተወሳኺ እውን እቲ ተልእኾ ወንጌል ዘደብንን ካብቲ ኣናስሩ ዝምሕውን ስነ ሕማም ንኸይህሉ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣመላኺቶም፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተልእኾ ይብሉ - ዕውሉም ናይ ቃልሲ ሜላታትን ስነ መጐታትን ወይ ውን ናይ ጥበባውን ሞያውን ብቕዓት ውጽኢት ዘይኮነስ፡ ካብቲ ጐይታ ዝጽገውናን ናይ መንፈስ ቅዱስ ጻማ ዝኾነ ካብቲ ጅርቡብ ሃሴት ዝውሕዝ እዩ፡ እቲ ሓሴት ሓደ’ኳ ንገዛእ ርእሱ ብገዛእ ርእሱ ዘይዕደሎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከምዘዘኻኽሩ ይሕብሩ። ወንጌላዊ ልኡኽ ምዃን፡ ናይቲ ዓቢይ ህያብ መቓልሖን ስለ ዝግብኣካን ብቑዕ ስለ ዝኾንካ እትቕለበሎ ዘይኮነ፡ ልክዕ ከምቲ ወርሒ ካብ ጸሓይ ዝቕበሎ ብርሃን ዘቃልሕ፡ ካብ ካልእ ዝተቐበልካዮ ብርሃን ምንጽብራቕ ማለት እዩ። “መሰኻኽር” ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ኩነት ብኻልእ ዝተፈጸመ ዕማም ዘረጋግጹ እያቶም፡ በዚ ኣገባብ እዝን በዚ ኣገባብ እዚ ጥራሕን እዩ ናይ ክርስቶስን ናይ መንፈስ ቅዱስን መስኻኽር ክንከውን እንኽእል” እንክብሉ የዘኻኽሩ። እቲ ኣብ ቀዳሞት ዘመን ንኣበው ቤተ ክርስቲያን ክቡር ዝኾነ mysterium lunae - ናይ ወርሒ ምስጢር ዝብል ኣምር፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህሞትን ድህረ ህሞትን ብጸጋ ክርስቶስ እትነብር ከምዝኾነት ዝነበሮም ርግጹነት ምልስ ቢሉ ዘዘኻኽር ከምዝኾነ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ። ልክዕ ከም ወርሒ፡ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ኣይኮነትን እትኹላዕ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ከተተኩርን ወይ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ብቕዓት ክትተኣማመንን እንኮላ ኣብ ገዛእ ርእሰ ወከሳ ተብቅዕን ንሓደ እኳ በርሃን ከተበጽሕ ዘይከኣላ ኮይና ትተርፍ።

ቅዱስነቶም ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ትሕዝቶ “Evangelii gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት” ዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምዕዳን እዩ። እዚ ሓዋርያዊ ምዕዳን’ዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መርሓ ግብሪ መሰረትን እዩ፡ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ክርስትና እምነት ኑዛዜን ካብቲ ፖለቲካውን ባህላውን ስነ ኣእምሮኣውን ወይ ወን ሃይማኖታውን ግብረ ኣስዳዕነትን ዝተፈልየ ከምዝኾነ የዘኻኽሩ፡ ቤተ ክርስቲያን እትዓብይ ብምምራኽ እምበር ብምስዳዕ ኣይኮነን፡ “ንኢየሱስ ሕጉስ ኮይንናን ስለ ዝተማረኽካን እትስዕቦ እንተድኣ ኲይንካ ብርግጽ ካልኦት ነዚ ከስተውዕልዎ ኣይከጸግሞምን ክድነቑ እውን እዮም።

ቅዱስነቶም ናብቲ ናብ ጳጳሳዊ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ተልእኾ ወንጌል ልክዕ ከም ምኩሕ ፍልጠትን ናብ ዝብልን ኣብ ጠረጴዛ ብዝተሓንጸጸ መርሓ ግብርን ዝፍጸምን ክትገብሮን ብሜላዊ ኣገባባት ዝትንተንን ብሰብኣዊ ኣመክንዮ እተቃልበሉን ብዕሱብ ተወፋይነትን ብታዕሊምን ዝፍጸም ብዝብል ዝንባለ ይገታእን ይተዓናቐፍን። እዚ በቲ ዕለት 21 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ዝተዘርገሐን ንንባብ ዝበቕዔን ናይ ሮማ ጳጳስ ናብ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተግባር ብዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም፡ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ከጋጥም ዝኽእል ፈተናን ስግኣትን ብጥልቂ የነጽሩ። ብርእሰ ውከሳን ናይ መርሕነት ጭንቀትን ብሸቐልቀልን ምርኣይን ተልእኾ ወንጌል ንዝለዓሉ ሙያተይናታት ደርቢ ብውክልና ዝወሃብን ነቲ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ሕዝበ እግዚኣብሔር እተወዓውዖን እተንቀሳቕሶን ከም እኵብ ቍስ ምምልካትን ዝብሉ ፈተናታትን ስግኣትን ብጥልቂ  ዘርዚሮም፡ ክርስቲያናዊ ተልእኾ፡ ናጻን ሞሳን ትሑትን ነቲ ናይ ሰብ ህይወት ኣብ ዝርከበሉን ከም ምዃኑን ቀረባውነትን ንትሑታንን ድኻታትን ሓለፋ ዝብል ከምዝኾነ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም የብርሁ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

ናብቲ ውጽኢት ተግባራትና ዘይኮነ ናብቲ ምንጪ ኵሉ ተልእኾ ዝኾነ ምባል
22 May 2020, 15:15