ናይ ዘለዓለም መገዲ ሓጐስ ኢየሱስ ስለዝኾነ ብኣኡ ንተአመን! ር.ሊ.ጳ

እቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ 'ልብኹም ኣይሸበር' ክብል ዘጸናንዖም ንዓናውን ኣብ ኩሉ ድራማታት ሕይወትና የጸናንዓን ዝበሉ ቅዱስነቶም ክንዳና ኰይኖም ከኣ ባዕሎም 'ልብኻ ከይሽበር እንታይ ክግበር ይከኣል ከመይከ ይግበር!' ኢሎም ይሓቱ እሞ ነተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዘቅረበን ክልተ መንግድታት ክንክተል ይምሕጸኑ

ዕለት 10 ግንቦት 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ካብ መዝገበ መጻሕፍት ሓዋርያዊ ኣደራሽ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ቅድሚ ምምራሖም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ኣብቲ ንብዓትን ምክፍፋልን ዘይብሉ ሰማይ ቦታ ምእንቲ ከሰናድወሎም ቅድሚ ምኻዱ ንሱ መንገዲ ምዃኑ ስለዘረጋገጸሎም ንሕናውን ንኣኡ ክንክተል ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ መጨረሽታ ለበዋኡ ዝሃበና ዝዓበየ ተስፋ ንምግላጽ 'ኢየሱስ መንግሥተ ሰማያት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከፊቱልና። እዚ ኸኣ ሓጐስ ንሓጐስ ዝመልኦ ዘየቋርጽ ንወትሩ ምስ እግዚአብሔር ብሕብረት እንነብረሉ ምስ ብጾትና እውን ብዘይ ምንም ንብዓትን ሓዘንን ቅርሕንትን ምምቅቃልን ጐነጽን ብሕብረት እንነብረሉ ሕይወት እዩ' ምስ በሉ ነዚ መንገዲ ዝኾነና ኸኣ እቲ ካብ ሓዋርያት ሓደ ሓቲቱ ዘረጋገጾ ማለት 'ናበይ ከም እትኸይድ ዘይንፈልጥስ መንግዱ ትፈልጥዎ ኢኹም እትብለናስ ከመይ እዩ' ምስ በሎ ኢየሱስ ዝሃቦ መልሲ ማለት 'ኣነ መንገዲ እየ' ዓቢ ብርሃን ከምዝኾነ እዚ ጥራይ ዘይኮነ 'ኣነ ሓቅን ሕይወትን እየ' ክብል ዝዕበየ ርግጽነት ሂቡና ኢሎም። እዚ ባዕሉ ዝሕብረና መንገዲኸስ ንሱ ባዕሉ ኰይኑ ምሳኡ ክነብር ኣሰሩ ክንክተል ብፍቅሪ ክንመስሎ እንክዕድመና እዛ ትሕትና ዝመልኣ መንገዲ እዚኣ ክንስዕባ ነዚ ንምግባር ከኣ ከምቲ ንሱ ብትሕትና ፍቅሪ ዘዘውተረ ንሕና እውን ብትሕትና ፍቅሪ ክነዘውትር ጐደና ጸሎትን እምነትን ምስ ፈጣሪና ክንክተል ንዝኸማና ኣሕዋትና ከኣ ብትሕትና ክነገልግል ኣዘኻኺሮም። ነዚ ንምግባር እታ ኣጆኹም ልብኹም ኣይሸበር ትብል ንሓዋርያት ዝበላ ቃል ኣብ ልብና ሒዝና ነቲ ንሱ ከሰናድወልና ዘተስፈወና ቦታ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ቦታ ከሰናድወልና እኸይድ ኣሎኹ ንዝበለና ቃሉ ምሉእ ብምሉእ ኣሚና ብጽንዓት ንገስግስ ኢሎም።

ደሓን ኩኑ! ዝብል ናይ መጨረሻ ለበዋ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ!

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ መጨረሻ ለበዋ ኢየሱስ ዝበልዎ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ14.1 ቃል ብቃሉ 'ብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም' ክብሉ በብሓደ ምስ ኣንበቡ ቶማስን ፊሊጶስን ዘቅረብወን ክልተ ሕቶታት ከኣ ንዓና ዓቢይ መብርሂ ከምዝኾና ልዕሊ ኩሉ ግን ዝተሸበረ ልቢ ኣብ ኢየሱስ ምሉእ ምትእምማን ብምግባር ከምዝቀስን ገሊጾም።

ዝተሸበረ ልቢ ኣብ ኢየሱስ ምሉእ ምትእምማን ብምግባር ይቀስን!

እቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ 'ልብኹም ኣይሸበር' ክብል ዘጸናንዖም ንዓናውን ኣብ ኩሉ ድራማታት ሕይወትና የጸናንዓን ዝበሉ ቅዱስነቶም ክንዳና ኰይኖም ከኣ ባዕሎም 'ልብኻ ከይሽበር እንታይ ክግበር ይከኣል ከመይከ ይግበር!' ኢሎም ይሓቱ እሞ ነተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዘቅረበን ክልተ መንግድታት ክንክተል ይምሕጸኑ። እዚአን ከኣ ይብሉ ብመጀመርያ ንሱ ባዕሉ 'ኣባይ እምነት ይሃሉኹም' ዝበሎ ብሓሳብ ጥራይ ንክትጸናናዓሉ ዝተባህለ ዘይኮነ ኣብ ሕይወትና እቲ ዝዓበየ ሽበራ ወይውን ውሳጣዊ ራዕዲ ሓፍ ዘይብል ጸግም ከጋጥመካ እንከሎ 'ክገብሮ ኣይክእልን እየ! ክሰግሮ ኣይክእልን! በይነይ እንታይ ክገብር! ዝብል ፍርሕን ራዕድን ዝወረሮ መንፈስ ክውገድ ኣለዎ። ነዚ ከይሰገርካ ናብ ምሉእ ምትእማምን ክስገር ስለዘይከኣል ብቀዳምነት ነዚ ክንሰግር ኣሎና። በይንና ኣይኮናን ጐይታ ወትሩ ምሳና ኣሎ። ስለዚ ካብ ሽበራ ሓራ ንኹን ሽዑ ንኩሉ ኣብ ኢድ ጐይታ ክንሓድጎ ኢና። ነዚ ናይ በይንኻ ምዃን ራዕዲኸስ ኢየሱስ ምሳና ከምዝኾነን ከምዝድግፈናን ይገልጸልና። ኣብኡ እምነት ክህልወና እምበር ኣብ ክእለትና ተኣማሚንና ኣብ ገዛእ ርእስና ከይንዕጾ ጸግዕና ንሱ ምዃኑ ምፍላጥን ምግባሩን እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ሓርነት ካብ ራዕድን ፍትህን እይ። እዚ ሓርነት እዚ ከኣ ብዝላ እምነት ይግበር። ብኢየሱስ ምትእምማን ዝላ እምነት ስለዝኾነ ነዚ ዝላ እዚ ምግባር ግድን እዩ።

ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ሕያው ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኣሎ። ስለዚ ካባና ትድለ `ዎ ኢየሱስ ካብ ሞት ከምዝተንሣእካን ኣብ ጐድነይ ከምዘሎኻ እኣምን እየ። ጽን ኢልካ ከም እትሰምዓኒ እውን እኣምን እየ። ንዘጨንቅንን ዘሻቅለንን ጉዳያት ሒዘልካ መጺኤ ኣሎኹ። ብኣኻ እእመን እየ ኩለንታይ ኣብ ኢድካ አንብሮ ኣሎኹ` ምባል ጥራሕ እዩ። ኣብ ሰማይ ቦታ ንከሰንድወልና እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኢየሱስ ኣብ ሰማይ ቦታ ኣሰናድዩልና ኣሎ!

ድሕሪዛ ቀዳመይቲ ፍታሕ ዝኾነት ዝላ እምነት እትስዕብ ካልኣይቲ መድሓኒት ከኣ እታ ንሱ ዝሃበና ተስፋ 'ኣብ ቤት ኣቦይ ቦታ ከሰናድወልኩም እኸይድ ኣሎኹ` እንክብል ኣብ ሰማይ ቦታ ንዓና ምስናዳው እያ። ሰብኣውነትና ለቢሱ ክንዮ ሞት ኣሳጊሩ ኣብ ሰማያት ሓዲስ ቦታ የሰናድወልን። ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ንሕናውን ምእንቲ ክንህሉ ነዚ ይገብር። እዛ ርግጽነት እዚኣ እያ ተጸናንዓና! ንነፍሲወከፍና ኣብ ሰማይ ቦታ ኣሰናድዩ ይጽበየና። ንዓይ ዝኸውን ቦታ እውን ኣሎ። ነፍሲ ወከፍና ነዚኣ ንድገማ ንዓይ ዝኸውን ቦታ ኣሎ። ብዘይ ዕላማን ብዘይውሳኔን ኣይኮናን እንነብር። ኣብ ትጽቢት ዘሎና ሕሩያትን ክቡራትን ኢና። ተፈቂርና ኢና ደቁ ኢና። ንዓና ንደቁ ዝበለጸን ዝሓሸን ነገር ኣሰናድዩልና ኣሎ እዚ ከኣ መንግሥተ ሰማያት ይበሃል። ነዚ ኣይንረስዕ ዓድና መንግሥተ ሰማያት እዩ። ኣብዚ ዓለም እዚ ከም ኣጋይሽ ከም ሓለፍቲ መንገዲ ኢና። እዚ ከኣ ናይ ዘለዓለም ታሕጓስ እዩ።

ናይ ዘለዓለም ታሕጓስ!

ንመንግሥተ ሰማያት ዝተፈጠርና ኢና። ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝተሓረና ኢና። ነዚ ጉዳይ እዚ ክንርድኦ ክንሓስቦ ኣይንኽእልን ንኸውን። ዘዐይን ኢርእየ ወእዝን ኢሰምዐ ውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተኀለየ ብሓቂ ዓይኒ ዘይረኣዮ እዝኒ ዘይሰምዖ ኣብ ልቢ ደቂሰባት ዘይሕሰብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ምስ እግዚአብሔር ምስ ዝኸማና ደቂሰባትን ብሕብረት ብዘይ ንብዓትን ቂመበቀልን ምክፍፋልን ሽበራን ራዕድን ተሓጒስና እንነብረሉ እዩ። ናብዚ ዘብጽሓና ከኣ ኢየሱስ ባዕሉ ስለዝኾነ ኣነ መንገዲ እየ ይብለና።

ኢየሱስ ‘ኣነ መንገዲ እየ’ ይብለና!

ቅዱስነቶም ናብዚ ብኩሉ ኩሉ መህረፊ ዝኾነ መንግሥተ ሰማያት ከመይ ኢልካ እዩ ዝብጻሕ! ኢሎም ይሓቱ እሞ ናብ ቃል ወንጌል ምልስ ኢሎም ኢየሱስ ብዘየዳግም ኣገባብ ናብ መንግሥተ ሰማይ ዝመርሓናን ዘብጽሓናን ንሱ ምዃኑ `ኣነ መንገዲ እየ` ክብል የረጋግጸና ስለዚ ናብ መንግሥተ ሰማያት ክንወጽእ እንተደለና ብኢየሱስ ክንጐዓዝ ካብኡ ወጻኢ ካልእ መንገዲ ከምዘየሎ ተገንዚብና ብፍቕሩ ክንመስሉ መንገዱ ክንክተል ከም ክርስትያን ከኣ ካብ ሎሚ ጀሚርናይ ኣየናይ መንገዲ እየ ዝኽተል ዘሎኹ ኢልና ሕልናና ንመርምር ኢሎም። ናብ መንግሥተ ሰማያት ዘይመርሑ መንገድታት ከምዘለው ምስትውዓል የድሊ። እዘን መንገድታት እዚኤን መንገዲ ሥልጣን ዓለማውነት ኣፍቅሮ ርእስኻ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብሉ ካልእን ኣለው። እንተ እታ ናይ ኢየሱስ መንገዲ ግን ትሑት ፍቅሪ መንገዲ ትሕትና መንገዲ ጸሎን እምነትን መንገዲ ኣገልግሎት ብጾትና እያ። ናተይ መንገዲ ዘይኮነ መንገዲ እቲ ሕይወተይ ዝኾነ ኢየሱስ እያ ክትከውን ዘለዋ። በዚ እናገስገስና እስኪ ሎሚ `ኢየሱሰይ ብዛዕባ ምርጫ መንገዲ ሕይወተይ እንታይ ትሓስብ! ኣብዛ ኣነ ዘልኹዋ እንትትህሉስ እንታይ ኮን ምገበርካ! ምስዞም ዘሎኹዎም ሰባት እንትትህሉስ እንታይ ኮን ምገበርካ! እናበልና ንሕተቶን ነስተንትንን። እኖና ድንግል ማርያም ናብቲ መንግሥተሰማያት ዝኸፈተልና ወዳ ኢየሱስ ተብጽሓና። ንግሥተ ሰማያት ድግንል ማርያም ንኢየሱ ኣብ ምኽታል ትደግፈና። ንኢየሱስ ምልክታት መንገዲ መንሥተ ሰማይ ከብርሃልና ንለምኖ።

ናይ ዘለዓለም መገዲ ሓጐስ ኢየሱስ ስለዝኾነ ብኣኡ ንተአመን! ር.ሊ.ጳ
11 May 2020, 15:00