ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ቡዙሕ ንቕድሚት ተሰጉይሙ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ቡዙሕ ንቕድሚት ተሰጉይሙ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ቡዙሕ ንቕድሚት ተሰጉይሙ እዩ

ከም ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ እቲ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ብሓባር ኣብ ጉዕዞና ዘሰንየናን ቅዱስ መጽሓፍ ዘብርሃልናን ትንሱእ ክርስቶስ ህላዌ ክስምዓናን ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ንምብጻ ዝብል ትጽቢት ኣብ ዝተነብሮ ምፍታት እንጌራ ከነለልዮን

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Un unum sint-ሓደ ምእንቲ ንዀኑ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርክስቲያን ሓድነት ናብ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ሰነድ ዘንበርዎ ሓሳብ ኩሉ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕሪ ብዘይቅልበስ ኣገባብ ደጊመ አረጋግጽ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ድልያ ንምሉእ ሓድነት” ናይ ኩሎም ክርስቲያን ኪደት ቅዱስነቶም ዝሻረኽዎ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፥ “ካብዚ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንላዕሊ ክንገብር ከምእንኽእልን ዝግብኣናን እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ስለ እቲ ኩሉ ንሓድነት ተኣሚቱ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርት ዓመታት ዝተፈጸሙ ስጉምታት ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኣኤ ቫቲካን ነቲ “ናይ ዘመናትን ኣሸሓት ዓመታትን ኣቝሳል ንምሕዋይ ዝተዓትሩ ተበጽሖታት ንእግዚኣብሔር አመስግን ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም፡

ናይ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነት ዝግበር ጻዕሪ ዘይቅልበስ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓሙሽተ ዓመት ቅድሚ 2000 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመት ቅድም ቢሉ ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ፥ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ሳልሳይ ሺሓዊ ጉዕዞኣ ናይ መምህርና ጐይታን ‘ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ!’ ዝብል ውዕዉዕ ልባዊ ጸሎት ህልው ገይራ ክትዕቅቦ ዓቢይ ድላይ ከምዝነበሮም ኣዘኻኺሮም፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዘይቅልበስ ኣገባብ እተመላኽቶ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ጻዕሪታታ ኩሉ አረጋግጽ ቢሎም፡ ኣብ በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ይብሉ እስዒቦም በቲ ኣብ ፍልልያት ናይ ሓድነት ቀንደይና ተዋስኢ ዝኾነ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምልክታን ከምኡ እውን ብሊጡርጊያውን መንፍሳውን ማዕቅፍ ትሕዝቶታታ ንዝክሮን ንሕዝበ እግዚኣብሔር እውን ነቕርባ ከምዝበሉ ዱ ቡሶሎ ሓቢሮም።

መንፈስ ቅዱስ ብዙሓነትን ናይ ሓድነት ተግባርን የነቓቕሕ

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በቲ Unitatis redintegratio - ዳግም ሓድነት ንምጽናዕ (ሓድነት ክርስቲያን) ብዝብል ውሳኔኡ ኣቢሉ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ ኣፍልጦ ይህብ፥ እዚ ናይቲ ዝተፈላለየ ጸጋን ኣገልግሎትን ናይ ዝኽውን “መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ”፡ እታ “ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ዘረእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዝሓነት ወይ ፍልልያት ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ሕጋውነቱ ዘረጋግጽ እምበር ብፍጹም ዝጻረር ኣይኮነን፥ ብጭቡጥ ውግዓውን ንናይ ተልእኾኣ ፍጻሜ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ ዕለት 29 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ኢስታምቡል ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ካቴድራል መንፈስ ቅዱስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ብዝሓነት ፍልልይን ዘመንጭውን ብተመሳሳሊ እውን ሰራሕ ሓድነት ምዃን ዘረጋግጽ”፡ “ንቤተ ክርስቲያን ዘሰንይ ንሱ እዩ” ምኽንያቱ ንሱ ንገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ስኒት ስለ ዝኾነ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ናይቲ ኣበርቲዕናን ብዝበለጸን ክንዓዪ ንኽእል ኢና ዝብል ቅዱስ ተርባጽ

እዚ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽክቲ፥ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ተሓባሪኦም ናይ ዝትፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ንሓድነት ብዙሕ ጻዕሪ ይግበር እውን እንተኾነ ብዙሕ ኣይንዓይን ኣሎና ዝብል ኣልቦ ትዕግስቲ ዝሻረኾ ሓሳብ እዩ፡ ኮይኑ ግን ነቲ ናይ ዘመናትን ሽሓውን ቍስሊ ንምፍዋስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ሓድነት ንኽብጻሕ ብዙሕ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ክንኣምንን ኣፍልጦ ክህነበሉን ይግባእ።

ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ንምብጻ ትጽቢት ዘለዎ ብዙሕ ስጉምታት ተኸዊኑ እዩ

ነቲ ዝነበረ ሱር ዝሰደደ ቅድመ ፍርድታትን ንምስጋር ሕድ ሕዳዊ ምፍላጥን ምክብባርን ከምዝበረኸን ቲዮሎጊያዊን እቲ ናይ ፍቕርን ዘተ ከምዝማዕበለን፡ ብጀካ እዚ እውን ኣብ ዛዕባ ሕይወትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህልን ዝተፈላለዩ ቅርጸ ምትሕብባር ክብ ከምዝበለ እውን ዘኪሮም፡ ሓሳበይ ናብተ ናይ ዝተፈላለያ ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣሕዋተይን ንኹሎምን ንኹለንን ንናይ  ዝተፈላለየ ክርስቲያናዊ ባህሊ ኣክል ዝኾኑ መጓዕዝትናን እናሓሰብኩ

ከም ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ እቲ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ብሓባር ኣብ ጉዕዞና ዘሰንየናን ቅዱስ መጽሓፍ ዘብርሃልናን ትንሱእ ክርስቶስ ህላዌ ክስምዓናን ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ንምብጻ ዝብል ትጽቢት ኣብ ዝተነብሮ ምፍታት እንጌራ ከነለልዮን፡

ይግባእ ቢሎም፥

“ሰነደ ሓበሬታ” ንጳጳሳትን መጽሔት ናይ ሓድነት ግብሪ ዘርእስቱ መጽሔትን

እቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህያው ዝገብርን ሓድነት ዘይንጸግ ሸቶ ብምዃኑ ነቶም ኣብቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘገልገሉን ዝዓዩን ንዘለዉ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ነቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ተበግሶታቱ ኩሉ ብሓሴት ይበል ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ዛዕባ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ዘማእከለ ናይ ሰነድ ሓበሬታ ንጳጳሳትን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀውዒ ተሰናድዩ ክቐርብ ከምዝኾነን እቲ ሓባሪ ሰነድ ንሓድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ሓላፍነት ክስምዖምን ክበራትዑን ዝበጽሓሉ ደረጃ ዘመላኽትን ትሕዝቶኡ ዝሕብርን ከምዝኾነን ገሊጾም ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ናይ ጳጳሳት ተልእኾ ምዃኑ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ Lumen gentium - ብርሃነ ኣሕዛብ ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ዘስመረሉ ሓሳብ ኣመላኺቶም፡ እቲ ካልኣይ ተበግሶ ከኣ ናይ ሓድነት ተግባር  ዘርእስታ ናይቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነስቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መጽሔት ነቶም ብቐጥታ ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት ንዝዓዩ ሓበሬታን ድጋፍን ዝህብን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ሓድነት ተኣምር ዘይኮነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጉዕዞ ዝኽውኖ እዩ

ቅዱስነቶም፥ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ “ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ዘስመሩሉ፥ ኣብ ቅድመና ክንከዶ ዝግብኣና መገዲ ርሕቐቱ ክንደይ ኮን ይኸውን? ዝብል ሕቶ ጠቒሶም ዕለት 25 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

ሓድነት ብመሰረቱ ናይ ገዛእ ርእስና ተግባር ዘይኮነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ እዩ፥ ስለዚህ ኣብ መወዳእታ ዝፍጸም ተኣምር ዘይኮነ ካብ ጉዕዞ ዝምጽእን ኣብ ጉዕዞ መንፈስ ቅዱስ ዝኽውኖን እዩ፡

ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዕዙዝ ፍቕሪ፥ “ዓለም መታን ክኣምን”

“ነፍሲ ወከፍና ብዝተሓደሰን ብውዕዉዕን መንፈስ ምእንቲ ሓድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ክዓዩ ጽዉዕ ምዃኑ ከስተውዕልን መንፈስ ቅዱስ ስጉምትታትናን ኽመርሕ ብእምነት” ክንምሕጸኖ ተላብዮም፡ መንፈስ ቅዱስ ሓደስትን ነቢያዊ ወስታን ከበራትዕን ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ክርስቶስ ፍቕሪ የሕይል፥ ስለምንታይ ዓለም መታን ክኣምንን፡ ነቲ ኣብ ሰማየ ሰማያት ንዘሎ ኣቦ ዝቐርብ ምስጋና ከበራኸት መታን” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጡ።

 

26 May 2020, 13:03