ድምጺ እግዚአብሔር ህያው እዩ፡ እንክንስምዖ ሽዑ ንሽዑ ሠናይ ነገር ክንገብር ይዕድመና! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ነተን ኣባግዑ በብሽመን ከምዝጽውዔን ንሰን እውን ድምጹ ካብ ድምጺ ተዃሉ ፈልየን ኣለልየን ከምዝምልሳሉ ብምግላጽ ንሕና እውን ድምጺ እግዚአብሔር ካብ ካልኦት ፈሊና ክንሰምዕ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ራብዓይ ሰንበት ትንሣኤ ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ቢላ ብምስማይ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክተስተንትን ዓመት መጸ በዛ ዕለት ከኣ ስለ ጸዋዕታ ክህነትን ስለ ካህናትን ትጽሊ።

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ 10 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ንምግላጽ 'እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን' እንክብል ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ምእመናኑን ዘሎ ርክብ ምናዳ ኸኣ ድምጹ ኣብ ምስማዕን ምልላይን ናይ ጸላኢ እውን ፈሊኻ ኣብ ምኽኣልን ዘተኮረ ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል ወንጌል ብምብጋስ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝዛረበና ድምጹ ሰሚዕዎ ንዝኽእል ወትሩ ከምዘሎ ኰይኑ ግን እቲ ጥንተ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎ እውን ኣምሲሉ ከምቲ ናይ ኣቦና ኣዳም ንከሰሓሕት ሕሹዅ ከምዝብል ከስድዕ ከምዝጽዕር ብምግላጽ `ድምጺ እግዚአብሔር ወትሩ ህያው እዩ እንተኾነ ካልእ መሰሓሓቲ ድምጺ እውን ኣሎ። ነዚ ኣሌሊኻን ፈሊኻን እንተዘይከኣልካ ጸገምን ውድቀትን ጥፍኣትን ከጋጥም ይኽእል። ስለዚ ከምተን ኣባጊዕ ድምጺ ጓሳኤን ኣለልየን ዝኽእላ እሞ ዝስዕባኦ ንድምጺ ጸላኢ ግን ዝነጽጋኦ ንኹን` ከመይ ክልቲኦም ድምጽታት ዝተፈላለየ ቋንቋ ስለዘለዎ ነስተውዕል ኢሎም።

“ድምጺ እግዚአብሔር ብምንም ተኣምር ተጽዕኖ ኣይገብርን! ሓሳብ ጥራይ የቅርብ። ከምዚዶ እምበይመሓሸን ይብል እምበር ተጽዕኖ ኣይገብርን። እንተ ድምጺ ጸላኢ ሰላሕ ኢሉ የታልል ቀስ ብቀስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ መዋጽኦ ኣብ ዘይብሉ ባርነት ይኸተካ። ብሓላፊ ደስታ ኣታሊሉ ተጣዒስካ ኣብ ዘይትምለሰሉ ጥፍኣት የብጽሕ። ናብ መጻወድያኡ ንከእትወና ኩሉ ከምእንኽእልን ኩሉ ከምእንፈልጥን ተስፋ ይህበና ምስ ኣውደአና ከኣ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ይሓድገና! ኣይትጠቅምን ኢኻ ዋጋ የብልካን እንክብል ኣብ ተስፋ ቁርጸት የብጽሕ። ድምጺ እግዚኣአብሔር ግን ይእርም ብብዙሕ ትዕግሥቲ ክሳብ ንምለስ ይጽበ የተባብዓና የጸናንዓና። ወትሩ ተስፋ የስንቀና። ድምጺ እግዚኣብሔር መኣዝን ዘለዎ ተስፋ ዘለዎ መጻኢ ዘለዎ እንክኸውን ድምጺ ጸላኤ ሠናያት ግን ክሳብ ኣብ ጸግዒ ዘብጸሓካ ይሓባብለካ ኣብታ ዝደልያ ኩርናዕ ምስ ኣብጸሓካ ከኣ ኣብ ባርነት ይሸመካ። ድምጺ እግዚኣአብሄር ካብ ማንም ፍርሃትን ምምራርን ሓራ የውጽኣካ እሞ ሃዲእካ ብሰላም ከምእትነብር ይገብረካ።”

ድምጺ እግዚአብሔር ካብ ፍርሕን ምምራርን ሓራ የውጽኣና!

ካልኣይ ፍልልይ ኣብ መጎ ድምጺ እግዚአብሔርን ጸላኤ ሠናያትን ዘሎ ቀንዲ መጋበሪ ዲያብሎስ ዝኾነ ፍርሂ ብዛዕባ መጻኢ ወይውን ብዛዕባ ዝሓለፈ እናኣማረርካ ከም እትነብር ምግባሩ እዩ። ጸላኤ ሠናይት ብዛዕባ ሕጂ ክሰምዕ ኣይደልን። ወይ ብዛዕባ ዝሓለፈ ክተማርር ወይውን ብዛዕባ መጻኢ ከም እትሽቊረር እዩ ዝገብር። በዚኸስ ድምጺ ሕያዋይ ጓሳን ዕሱብን በዚ ክንፈልዮ ንኽእል።

“ድምጺ እግዚኣአብሔር ወትሩ ሕያው ኰይኑ ሕጂ ገለ ክትገብር ክደፋፍእ ድምጺ ጸላኢ ግን ንሕጂ ረሲዕካ ወይ ኣብ ሕሉፍ ወይ ንመጻኢ ብጣዕሳን ምረትን ወይውን ፍርሒ ክትነብር ይቅስበካ። እታ ቀንዲ ግን እታ ናይ ጐይታ ሕጂ ስለዝኾነት ገለ ንክትገብር ድምጹ ንክትሰምዕ ትዕደም። ድምጺ እግዚኣአብሔር ኣብዛ ሕጂ እያ ትዛረበካ። ሕጂ ገለ ጽቡቅ ነገር ክትገብር ትኽእል ሕጂ ነታ ዝተዓደለትካ ናይ ፍቅሪ ፈጠራ ክትሰርሓላ ትኽእል ሕጂ ነቲ ብዛዕባ ዝሓለፈ ተማርሮ ንልብኻ ጅሆ ሒዝዎ ዘሎ ጉዳያት ርጥርጥ ኣቢልካ ገዲፍካ ክትሓዊ ትኽእል ይብል። ይኲስኲሰና የበራትዓና ንቅድሚት የገስግሰና ። እዚ ግን ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ሕጂ እዩ። ከመይ ድምጺ እግዚአብሔር ሕያው ንሕጂ ዝምልከት እዩ። እንተ ድምጺ ጸላኢ ግን ሰላም ዝህብ ኣይኮነን።”

ድምጺ ጸላኤ ሰላም ኣይህብን!

ድምጺ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ሕልናና ጽቡቕ ነገር ንክስምዓኒ እንታይ እግበር ዝብል እንክኸውን ናይቲ ፈታኒ ጸላኤ ሠናያት ድምጺ ከኣ እንታይ ክገብር ቢልካ ከምእትጭነቅ ይገብረካ። እቲ ክፉእ ድምጺ ኣብቲ ኣነ ዝብል ኣምር ዕንክሊል እንክብል ስምዒታቱን ድሌታቱን የለዓዕል እሞ ሽዑ ንሽዑ እንተዘይረኸቦ ከምቲ ሕጻናት ዝገብርዎ ሕጂ እንተዘይሂብኩምኒ ኢልካ ኣብ ምባካይን ዕሚም ምባልን የብጽሕ። ድምጺ እግዚአብሔር ከምዚ ዓይነት ትሑት ዋጋ ዘለዎ ደስታ ኣየለዓዕልን ክንዮ እዚ ክንከይድ እሞ ነቲ ሓቀኛ ሠናይ ነገርን ሰላምን ንክንደሊ ይዕድመና።

ጸልማትን ብርሃንን!

ቅዱስነቶም ዘቅረብዋ ካልእ ንጽጽር ናይዘን ክልተድ ድምጽታት ከመይ ዝበል ኩነት ከምዝመርጹ ብምምልካት እንክኸውን ጸላኤ ሠናያት ወትሩ ጸልማት እንክመርጽ ድምጺ ሓሶትን ምትላልን የስምዕ እንተ እግዚአብሔር ግን ብርሃን ይመርጽ ኣብኡ ከኣ ሓቂ ዘበለ ኩሉ ይዛረብ። ጸላኤ ሠናያት ኣብ ኣነነትና ተዓጺና ብድምጺ ክንፈርህን ክንሽቚረርን እንክዕድም እግዚአብሔር ግን ኣብ እግዚአብሔርን ኣብ ብጾትን እምነት ከምዝህልወና ገሩ ልብና ንኣታቶም ከምእንኸፍት ይገብረና ኢሎም።

“ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ብዙሕ ሓሳባትን ሻቅሎትን ኣብ ሓንጎልና ይመላለስ ኣሎ። ኣብ ልብና ንእንሰምዖም ድምጽታት ክንጥቀቀሎም ኣሎና። ካበይ ይመጹ ኢልና ክንሓትት ግድን እዩ። ጐይታ ንድምጹ እንለልየሉን እንስዕበሉን ጸጋ ክህበና ነታ ካብ ናይ ኣነነት ሓጹር ኣውጺኣ ናብ ጒስነት ሓርነት እትመርሓና ድምጺ ሕያዋይ ጓሳ ሰሚዕና ንኽኣል። እመ ምክረ ሠናይ ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ናይ ምልላይ ክእለትና ኣንፈት ኣትሒዛ ተሰንየና ኢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት መሪሖም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
03 May 2020, 23:07