ድምጺ እግዚአብሔር ህያው እዩ፡ እንክንስምዖ ሽዑ ንሽዑ ሠናይ ነገር ክንገብር ይዕድመና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ራብዓይ ሰንበት ትንሣኤ ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ቢላ ብምስማይ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክተስተንትን ዓመት መጸ በዛ ዕለት ከኣ ስለ ጸዋዕታ ክህነትን ስለ ካህናትን ትጽሊ።
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ 10 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ንምግላጽ 'እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን' እንክብል ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ምእመናኑን ዘሎ ርክብ ምናዳ ኸኣ ድምጹ ኣብ ምስማዕን ምልላይን ናይ ጸላኢ እውን ፈሊኻ ኣብ ምኽኣልን ዘተኮረ ነበረ።
ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል ወንጌል ብምብጋስ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝዛረበና ድምጹ ሰሚዕዎ ንዝኽእል ወትሩ ከምዘሎ ኰይኑ ግን እቲ ጥንተ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎ እውን ኣምሲሉ ከምቲ ናይ ኣቦና ኣዳም ንከሰሓሕት ሕሹዅ ከምዝብል ከስድዕ ከምዝጽዕር ብምግላጽ `ድምጺ እግዚአብሔር ወትሩ ህያው እዩ እንተኾነ ካልእ መሰሓሓቲ ድምጺ እውን ኣሎ። ነዚ ኣሌሊኻን ፈሊኻን እንተዘይከኣልካ ጸገምን ውድቀትን ጥፍኣትን ከጋጥም ይኽእል። ስለዚ ከምተን ኣባጊዕ ድምጺ ጓሳኤን ኣለልየን ዝኽእላ እሞ ዝስዕባኦ ንድምጺ ጸላኢ ግን ዝነጽጋኦ ንኹን` ከመይ ክልቲኦም ድምጽታት ዝተፈላለየ ቋንቋ ስለዘለዎ ነስተውዕል ኢሎም።
ድምጺ እግዚአብሔር ካብ ፍርሕን ምምራርን ሓራ የውጽኣና!
ካልኣይ ፍልልይ ኣብ መጎ ድምጺ እግዚአብሔርን ጸላኤ ሠናያትን ዘሎ ቀንዲ መጋበሪ ዲያብሎስ ዝኾነ ፍርሂ ብዛዕባ መጻኢ ወይውን ብዛዕባ ዝሓለፈ እናኣማረርካ ከም እትነብር ምግባሩ እዩ። ጸላኤ ሠናይት ብዛዕባ ሕጂ ክሰምዕ ኣይደልን። ወይ ብዛዕባ ዝሓለፈ ክተማርር ወይውን ብዛዕባ መጻኢ ከም እትሽቊረር እዩ ዝገብር። በዚኸስ ድምጺ ሕያዋይ ጓሳን ዕሱብን በዚ ክንፈልዮ ንኽእል።
ድምጺ ጸላኤ ሰላም ኣይህብን!
ድምጺ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ሕልናና ጽቡቕ ነገር ንክስምዓኒ እንታይ እግበር ዝብል እንክኸውን ናይቲ ፈታኒ ጸላኤ ሠናያት ድምጺ ከኣ እንታይ ክገብር ቢልካ ከምእትጭነቅ ይገብረካ። እቲ ክፉእ ድምጺ ኣብቲ ኣነ ዝብል ኣምር ዕንክሊል እንክብል ስምዒታቱን ድሌታቱን የለዓዕል እሞ ሽዑ ንሽዑ እንተዘይረኸቦ ከምቲ ሕጻናት ዝገብርዎ ሕጂ እንተዘይሂብኩምኒ ኢልካ ኣብ ምባካይን ዕሚም ምባልን የብጽሕ። ድምጺ እግዚአብሔር ከምዚ ዓይነት ትሑት ዋጋ ዘለዎ ደስታ ኣየለዓዕልን ክንዮ እዚ ክንከይድ እሞ ነቲ ሓቀኛ ሠናይ ነገርን ሰላምን ንክንደሊ ይዕድመና።
ጸልማትን ብርሃንን!
ቅዱስነቶም ዘቅረብዋ ካልእ ንጽጽር ናይዘን ክልተድ ድምጽታት ከመይ ዝበል ኩነት ከምዝመርጹ ብምምልካት እንክኸውን ጸላኤ ሠናያት ወትሩ ጸልማት እንክመርጽ ድምጺ ሓሶትን ምትላልን የስምዕ እንተ እግዚአብሔር ግን ብርሃን ይመርጽ ኣብኡ ከኣ ሓቂ ዘበለ ኩሉ ይዛረብ። ጸላኤ ሠናያት ኣብ ኣነነትና ተዓጺና ብድምጺ ክንፈርህን ክንሽቚረርን እንክዕድም እግዚአብሔር ግን ኣብ እግዚአብሔርን ኣብ ብጾትን እምነት ከምዝህልወና ገሩ ልብና ንኣታቶም ከምእንኸፍት ይገብረና ኢሎም።