መንፈስ ቅዱስ ንስጉምታትና የብርህን ይድግፍን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ 14.15 ኰይኑ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ’ ዝብል ዝርከቦ ኰይኑ ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ‘ብሓቂ ዘጸናንዕ ተስፋ ንሓዋርያት ዘስነቀ ንዓናውን እውን ሎሚ ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ሓጐስን ስቃይን ሰጊርካ በታ ኢየሱስ ዝመደባ መንገዲ ማለት መንገዲ ፍቅርን መንገዲ ልግስን ዝኾነት እንትርፎ ምሕረት ንማንም ዘይትፈርደላ መንገዲ ስዒብካ ምጉዓዝ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ከም እንኽእል ዘረጋግጽ እዩ’ ኢሎም። እዛ ተፍቅሩኒ እንተኾንኩም ትብል ለበዋ ኢየሱስ ትእዛዙ ክንሕሉ ትምሕጸን ትእዛዙ እንታይ እዩ እንተበልና ኸኣ ፍቅሪ ሓድሕድ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምዘይኮነ ንግንዘብ።
ፍቅሪ ሓድሕድ - እንኮ ትእዛዝ ኢየሱስ
ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ንባብ ጽሙቚ ኣቢሎም ንምቅራብ ከም ልማዶም ክልተ ነገራት ንሓዝ ኢሎም እታ ቀዳመይቲ ትእዛዛት እግዚኣአብሔር ምሕላው ኰይና እዚኣ ንጐይታ ከም እነፍቅር እትመልክት እያ። እታ ካልአይቲ ድማ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ እያ። መጸናንዒ ክሰደልኩም እየ እትብል ብሓቂ ደስ እተብል ተስፋ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ እዚ ናይ መጨረሻ ዝመስል ቅዱስነቶም ኣብ መጀመርያ መዓልቲ ካብ በዓቲ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ንሕዝቢ ምስባኽ ዝበልዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ እውን ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋማሞ ብተመሳሳሊ ቃና ኣጆኹም ክብሉ ብተስፋ ኣብ ጰራቅሊጦስ ንጽብዮ መንፈስ ቅዱስ ልብና ክንከፍት ዓዲሞም።
ጐይታ ካብዚኣ ቀጺሉ እታ ሎሚ ክትንበብ ዝሰማዕናያ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ’ እንክብል ኣብታ ንሱ ዝኣዘዘና መንገዲ ጸኒዕና ንክንጐዓዝ ዝሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ከምዝሰደልና የተስፉ።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጐዳና ኢየሱስ ክንጸንዕ ይሕግዘና!
ቅዱስነቶም ነታ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ’ እትብል ጥቅሲ እንደገና ይደግምዋ እሞ እዚ ተስፋ እዚ ምናዳ ከም ለበዋ ኣብ ግዜ ምስናባቱ ክገብሮ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ጥዑምን ዘጸናንዕን ምዃኑ ክነስተማቅር ከመይ በይንኹም ኣይሓድገኩምን ዘኽታማት ኣይኮንኩምን ዘሰንየኩም ክሰደልኩም ዘጸናንዕ ዝከላኸል ንነገራት ሰሚዕካ ንምኽኣል ኣእምሮ ጥበብ ዝዕድል ንቃላት ጐይታ ንክትሕሉ ትብዓት ዘዕጥቅ ብሓቂ ደስ ዘብል ተስፋ እዩ። እዚ ውህበት እዚ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ዕለት ጥምቀት ይወርድ። ክርስትያን ዘቦኡ ኣብ ዕለተ ጥምቀቱ መንፈስ ቅዱስ ይቅበል።
ቃል እግዚኣአብሔር ሕይወት እዩ።
እቲ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ከስ ይልውጠና፡ ነቲ ብምኽንያት ናይ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት ኣብ ውሽጢ ኩልና ዘሎ ምግጋይን ሓጢኣትን ንምሽንፋን ብምልኣት ናይ ጐይታ እዙዛት ኰና ነቲ ንስጉምታትና ብርሃን ንዓና ከኣ ሕይወት ዝኾነ ቃል እግዚኣአብሔር ብምልኣት ክነነብሮ ይሕግዘና።
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም እታ ኣብነት ቃል እግዚኣአብሔር ናይ ምስማዕን ምእዛዝን ዝኾነት ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ብኽፉት ልቢ ዝተቀበለት ድንግል ማርያም ንወንጌል ወዳ መንፈስ ቅዱስ ከምዝድግፈናና ከምዝመርሓናን ተረዲእና ንክነብሮ ትሓግዘና ኢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።