መንፈስ ቅዱስ ንስጉምታትና የብርህን ይድግፍን! ር.ሊ.ጳ

ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘስዓቦ ጸገም ካብ መዝገበ መጻሕፍት ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ንክልተ ወርሒ ምስ መመላእታ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ንመጨረሻ ግዜኡ ክኸውን ብምምናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 17 ግንቦት 2020 ዓም በቲ ጐይታ ዘተስፈወና መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ክንሰግሮ ከምእንኽእል ኣዘኻኺሮም ንዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓም ዝዝከር መበል 100 ዓመት ልደት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከኣ ንሶም ካብ ሰማይ ኰይኖም ነዛ ዘፍቅርዋ ቤተክርስትያኖምን ንመላእ ዓለም ሰላም ከማልዱ ብምዝኽኻር ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት በቲ ልሙድ መስኮት ተቀልቂሎም ብማዕዶ ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወጻኢ ኮይኖም ዝከታተልዎም ንዝነበሩ ሰላምታን ቡራኬን ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዮሓ 14.15 ኰይኑ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ’ ዝብል ዝርከቦ ኰይኑ ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ‘ብሓቂ ዘጸናንዕ ተስፋ ንሓዋርያት ዘስነቀ ንዓናውን እውን ሎሚ ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ሓጐስን ስቃይን ሰጊርካ በታ ኢየሱስ ዝመደባ መንገዲ ማለት መንገዲ ፍቅርን መንገዲ ልግስን ዝኾነት እንትርፎ ምሕረት ንማንም ዘይትፈርደላ መንገዲ ስዒብካ ምጉዓዝ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ከም እንኽእል ዘረጋግጽ እዩ’ ኢሎም። እዛ ተፍቅሩኒ እንተኾንኩም ትብል ለበዋ ኢየሱስ ትእዛዙ ክንሕሉ ትምሕጸን ትእዛዙ እንታይ እዩ እንተበልና ኸኣ ፍቅሪ ሓድሕድ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምዘይኮነ ንግንዘብ።

ፍቅሪ ሓድሕድ - እንኮ ትእዛዝ ኢየሱስ

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ንባብ ጽሙቚ ኣቢሎም ንምቅራብ ከም ልማዶም ክልተ ነገራት ንሓዝ ኢሎም እታ ቀዳመይቲ ትእዛዛት እግዚኣአብሔር ምሕላው ኰይና እዚኣ ንጐይታ ከም እነፍቅር እትመልክት እያ። እታ ካልአይቲ ድማ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ እያ። መጸናንዒ ክሰደልኩም እየ እትብል ብሓቂ ደስ እተብል ተስፋ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ እዚ ናይ መጨረሻ ዝመስል ቅዱስነቶም ኣብ መጀመርያ መዓልቲ ካብ በዓቲ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ንሕዝቢ ምስባኽ ዝበልዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ እውን ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋማሞ ብተመሳሳሊ ቃና ኣጆኹም ክብሉ ብተስፋ ኣብ ጰራቅሊጦስ ንጽብዮ መንፈስ ቅዱስ ልብና ክንከፍት ዓዲሞም።

“ኢየሱስ ንክነፍቅሮ ይዕድመና እንተኾነ እዚ ፍቅሪ እዚ ንዓኡ ኣብ ምፍቃር ጥራይ ክቊጸ ኣይደልን እንታይ ደኣ ከምኡ መሲልና ነታ ንሱ ዝተኸተላ መንገዲ ፍቅሪ ክንክተላ ንሳ ኸኣ ከምቲ ንሱ ደጋጊሙ ዝበሎ ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦኡ ንክፍጽም እዩ መጺኡ። ንሕና እውን እንፈቅሮ እንተኾና ፍቃድ ኣቦኡ ክንፍጽም እዩ። እዚ ከኣ ፍቅሪ ሓድሕድ እዩ። ንኩሉ ኩሉ ኸኣ በታ ቀዳመይቲ ፍቅሪ ክንብላ እንኽእል ፍቅሪ ኢየሱስ ‘ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ’ (ዮሓ 13.34) እንክብል ይምሕጸን። ኣብዚ ጥንቃቀ የድሊ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ኣፍቅሩኒ ኣይኮነ ዝብል ዘሎ ተፍቅሩኒ እንተኾንኩም ነንሕድሕድኩም ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ተፍቀሩ እዩ ዝብለና ዘሎ። ንሱ ካብና ምንም ከይደለየ እዩ ዘፍቅረና ግበረለይ ክገብረልካ ሕኸኸኒ ክሓከካ ኣብኡ ቦታ የብሉን። ምንም ዓይነት ግብረ መልሲ ካባና ኣይሓትት ኣይጽበ እታ እንኮ ዝምሕጸነና ከም እነፍቅሮ ነረጋግጸሉ ንብጾትና ከምቲ ንሱ ንኣና ዘፍቀረና ገርና ክነፍቅር እንከሎና እዩ። ስለዚ እታ ንሱ ክፍጽማ ዝመጻ ፍቃድ ኣቦኡ እዚኣ እያ። ከም ቅዲ ሕይወት ብነጻ ክነፍቅር ክንፋቀር ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ንብጾትና ክነፍቅር። በቃ ካልእ መንገዲ የሎን። ብዚ ከኣ ኢና ኣርድእቱ ኢና ተኸተልቱ ኢና ክርስትያን ኢና ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦና ንፍጽም ኢና ክንብል እንኽእል።”

ጐይታ ካብዚኣ ቀጺሉ እታ ሎሚ ክትንበብ ዝሰማዕናያ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ’ እንክብል ኣብታ ንሱ ዝኣዘዘና መንገዲ ጸኒዕና ንክንጐዓዝ ዝሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ከምዝሰደልና የተስፉ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጐዳና ኢየሱስ ክንጸንዕ ይሕግዘና!

ቅዱስነቶም ነታ ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ’ እትብል ጥቅሲ እንደገና ይደግምዋ እሞ እዚ ተስፋ እዚ ምናዳ ከም ለበዋ ኣብ ግዜ ምስናባቱ ክገብሮ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ጥዑምን ዘጸናንዕን ምዃኑ ክነስተማቅር ከመይ በይንኹም ኣይሓድገኩምን ዘኽታማት ኣይኮንኩምን ዘሰንየኩም ክሰደልኩም ዘጸናንዕ ዝከላኸል ንነገራት ሰሚዕካ ንምኽኣል ኣእምሮ ጥበብ ዝዕድል ንቃላት ጐይታ ንክትሕሉ ትብዓት ዘዕጥቅ ብሓቂ ደስ ዘብል ተስፋ እዩ። እዚ ውህበት እዚ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ዕለት ጥምቀት ይወርድ። ክርስትያን ዘቦኡ ኣብ ዕለተ ጥምቀቱ መንፈስ ቅዱስ ይቅበል።

“ነቶም ዝተቀበልዎ መንፈስ ቅዱስ ይመርሖም የብርሃሎም ሓይሊ የልብሶም በዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ኣብ ጉዕዞ ሕይወቱ ወላውን ተቃውሞን ጸገማትን እንተጓነፎ ኣብ ሓጐስን ስቃይን ኣብ ጐዳና ኢየሱስ ጸኒዖም ይጐዓዙ። እዚ ነገራት እዚ ዝከኣለሉ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ብምእዛዝ በቲ ዝሠርሕን ዝቅድስን ጸጋታቱ ገሩ ከጸናንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንልባትና ክልውጦ ንሓቅን ንፍቅርን ክፉት ክገብሮ ክነፍቅደሉ ኣሎና። እቲ ዳዊት መዘምር ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንሕይወተይ ቀንደል ዝበሎኸስ በዚ መጸናንዒ ኣቢሉ እዩ ኣብ ልብና ዝመጽእ። ቃል እግዚኣአብሔር ሕይወት እዩ።”

ቃል እግዚኣአብሔር ሕይወት እዩ።

እቲ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ከስ ይልውጠና፡ ነቲ ብምኽንያት ናይ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት ኣብ ውሽጢ ኩልና ዘሎ ምግጋይን ሓጢኣትን ንምሽንፋን ብምልኣት ናይ ጐይታ እዙዛት ኰና ነቲ ንስጉምታትና ብርሃን ንዓና ከኣ ሕይወት ዝኾነ ቃል እግዚኣአብሔር ብምልኣት ክነነብሮ ይሕግዘና።

“እታ ከም ቃል ሕይወት ዝተዋህበትና ቃል እግዚኣአብሔር ንልብና ትልውጥ ንሕይወትና ተሐድስ፣ ነዚ ከኣ ንክትኩንን ብምፍራድ ዘይኮነ ንኩሉ ንምፍዋስ ከም መዕለቢ ምሕረት ትጥቀም። ምሕረት እግዚአብሔር ከምዚ እዩ። ንስጉምታትና ብርሃን እትኸውን ሓንቲ ቃል እያ። እዚ ኩሉ ከኣ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሱ ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ ኰይኑ ውህበት ኣምላኽ ንደቂ ሰባት እዩ። ነቶም ሓራ ዝኾኑ ከፍቅሩ ዝደልዩ ኣፍቂሮም ዝኽእሉ ንስብከተ ወንጌል ብምዕጣቅ ነቲ ጐይታ ዝገበሮ ዘደንቅ ነገራት ከበሥሩ ሕይወት ከምዝተቀበሉ ዝስቈሮም ሰባት ከይ ይሕግዝ።”

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም እታ ኣብነት ቃል እግዚኣአብሔር ናይ ምስማዕን ምእዛዝን ዝኾነት ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ብኽፉት ልቢ ዝተቀበለት ድንግል ማርያም ንወንጌል ወዳ መንፈስ ቅዱስ ከምዝድግፈናና ከምዝመርሓናን ተረዲእና ንክነብሮ ትሓግዘና ኢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 May 2020, 11:46