ር.ሊ.ጳ.፥ ደገፍ ነቲ ብደርቂ ንዝሳቐይ ዞባ ሳሔል

ኣፍሪቃ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዕለት 10 ግንቦት 1980 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዘአንገደትሉ ዕለት ዝዝከረሉ ከምዝኾነን “ናይቲ ብደርቂ ኣዚዩ ዝሳቐይ ናይ ሕዝቢ ሳሔል ገዓር ድምጺ ኮይኖም” ዘቕረብዎ ናይ ደገፍ ጻውዒት

ዕለት 10 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ግንቦት 9 ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ ናይ ውህደት ኪደት ዝተበገሰላ ዓባይ ዕለት ምዃናን ከምኡ እውን ነቲ ብተደጋጋሚ ብዘጋጥም ዘሎ ደርቂ ንዝሳቐይ ህዝቢ ኣፍሪቃ፡ ዓበይትን ዘላቕን ናይ ደገፍ ወጥናት ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣፍሪቃን ኤውሮጳን እናሓሰቡ፥ ቅድሚ 70 ዓመት ዕለት 9 ግንቦት 1950 ዓ.ም. እቲ ብውዕሊ ሹማን ዝፍለጥ ውሳኔ “ንናይ ኤውሮጳ ውህደት ኣስተንፍሶ” ዝኾነ ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ህዝብታት ኤውሮጳ ንሓድሽን ዘላቕን፥ ኩሎም ሕዝብታት ኤውሮጳ ዝረብሕሉን ዝተዓረቕሉን ፍኖት ዝኸፈተ ምዃኑ ዘኪሮም ንናይ ኤውሮጳ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነዚ መሰረታዊ ዝኾነ ዓቢይ ዕላማ’ዚ ንኽዝክሩ፥

እቲ ውሳኔ ሹማን ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዓቢይ ሓላፍነት ንዘለዎም ሎሚ እውን ኣስተንፍሶ ክኸውን እላበው፡ ኣብዚ ነቲ ለብዒ ስዒቡ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ጸገማት ብልባውን ምትሕብባርን መንፈስ ክገጥዎ ሓደራ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ቅዱስነቶም ኣፍሪቃ እውን ዘኪሮም፡ ኣፍሪቃ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዕለት 10 ግንቦት 1980 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዘአንገደትሉ ዕለት ዝዝከረሉ ከምዝኾነን “ናይቲ ብደርቂ ኣዚዩ ዝሳቐይ ናይ ሕዝቢ ሳሔል ገዓር ድምጺ ኮይኖም” ዘቕረብዎ ናይ ደገፍ ጻውዒት ናቶም ገይሮምን ኣብዚ እዋን’ዚ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ኣብ ሓገዝን ደገፍን ንዝዓዩ መንእሰያት ስለ እቲ ዘካይድዎ ህርኩት ጻዕሪ ምስጋናኦም ከምዘቕረብ ኣፍሊጠን።

ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ - ሳሄል እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ብድምነት ንምዕጋት ዓቢይ ሓምላይ ቀርጺ ዝብል ኣብ 2005 ዓ.ም. ዝተወልደ መደብ ልምዓት ከምዘሎን ነተን ነዚ ሓደጋ ዝተቓልዓን ዝጉድኣን ንዘለዋ ናይ 22 ሃገራት ማሕበረሰብ ድኽነት ንምስናፍ ዝገብሮ ጻዕሪ ዘተባብዕን ደገፍ ዘቕርብን ኮይኑ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ውጽኢት ክህልዎ ተስፋ ዝተነበረሉ ኮይኑ፡ ድሮ 100 ሚሊዮን ሄክታር ንዳግማይ ውልደት ከምዘብቕዔን፡ ሕጂ እውን እቲ ከባቢ ዝቐርበሉ ዘሎ ደገፍ ብቑዕ ከምዘይኮነን ብኻልእ መዳይ እውን ኣብቲ ከባቢ ብዝርአዩ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሕድ ሕዳዊ ምስሕሓባትን ግርጭትን እቲ መደብ ልምዓት ካብ ምድንጓዩ ክንየው ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል የተዓናቕፍ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዱስነቶም ኣብቲ ከባቢ ሰላም ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ኣብ ጫድ ንዓሰርተ ዓመት ዘገልገሉ ሎሚ ናይቲ ብኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ዝሰናደው ኒግሪዚያ ናይ እተሰምየ ወርሓዊ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ልኡካነ ወንጌል ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ኣባ ፊሊፖ ኢቫርዲ ጋናፒኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ምስቲ ስነ መሓድሮ ምክልኻልን ምኽባርን ዝብል ዓቢይ ሕሎሞም ቅድው ኮይኖም ኵለንተናዊ መሓድሮ የተሓሳስቡ፡ እታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዓቢይ ሕልሞምን ናይ ኵላትናን ሕልሚ እዩ፥ ንእዋናዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን መሰረት እውን እዩ፡ ስለዚህ ዓቢይ ሓምላይ ቀጽሪ ዝብል መደብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽን ብኢደ ሰብ ድዩ ብናይ ተፈጥሮ ጸገም ምኽንያት ዘጋጥም ዘሎ ምስፋሕ ብድምነት ንምውጋድ ናይ ሓባር ጻዕርን ኣብ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ፍትሒ ዝብል እዩ ኢሎም።

ሳሔል ብቛንቋ ዓረብ ትርጉሙ ገማግም ማለት እዩ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም እዚ ኣብ ትሕቲ መድረ በዳ ሰሓራ ዝርከብ እዩ ምስ በሉ ክንየው ናይ ተፈጥሮ ጸገም፡ እቲ ከባቢ ምስ ዓልቃይዳ ምትእስሳር ብዘለዎ ቦኮ ሓራም ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፈጥሮ ዕግርግርን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት እውን እቲ ከባቢ ንስእነት ሰላምን ምርግጋእን ይዳርግዎ ኣለዉ፡ እዚ ኹሉ ጸገም’ዚ ነቲ መደብ ልምዓት እውን ዕንቅፋት እዩ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ለብዒ ኮቪድ 19 ተወሲኽዎ እቲ ከባቢ ንኸቢድ ቅልውላው ተቓሊዑ ይርከብ ኣሎ ምስ በሉ እቲ ከባቢ ከይርሳዕ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰማዒ ክረክብ ናይ ኵላትና ተስፋ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚምም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ደገፍ ነቲ ብደርቂ ንዝሳቐይ ዞባ ሳሔል
10 May 2020, 14:26