ዝተመሓላለፈ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ ዝተመሓላለፈ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ 

ዝተመሓላለፈ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ

እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹልና . . . ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና (ግብ. ሓዋ. 28,2) እዚ ኸኣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ስበኣውነት እንግዶት ገበርሉና ማለት እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ካብ ናይ ረፓብሊካዊት ማልታ ርእሰ ብሔርን ካብ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናትን ኣብ ማልታ ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ብዝቐረበሎም ወግዓዊ ዕድመ መሰረት ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ማልታን ጎዞን ምብጻሕ ከካይዱ ተወሲኑ ከምዝነበረን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ማልታ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ተወሲኑን መደባቱ እውን ተሓንጺጹን ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተህዋስ ኮሮና መዓስ ከይተወሰነ ከምእተመሓላለፈ ቅድም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ተወላዲ ማልታ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኦልቨር ቦርግ ምስ ዜና ቫቲካን ዛዕባ ሃዋሁ ካቶሊካውያንን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ማልታ ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎትን ሓገዝ ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ኣብ ዝብሉ ኣራስታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹልና . . . ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና (ግብ. ሓዋ. 28,2) እዚ ኸኣ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ስበኣውነት እንግዶት ገበርሉና ማለት እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ካብ ናይ ረፓብሊካዊት ማልታ ርእሰ ብሔርን ካብ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናትን ኣብ ማልታ ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ብዝቐረበሎም ወግዓዊ ዕድመ መሰረት ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ማልታን ጎዞን ምብጻሕ ከካይዱ ተወሲኑ ከምዝነበረን፡ ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መለለዪ ኣብ ሓንቲ ብማዕበል ኣብ ማያት ባሕሪ ኣብ ነውጺ እትርከብ መርከብን ካብታ ትናወጽ ዝነበረት መርከብ ንመስቀል ዘመልክታ ኣእዳው ንላዕል ዝተዘርገሓን፡ እቲ ኣእዳው ንብጻይካ ቀረባ ምዃን ዝብል ክርስቲያናዊ እንግዶት ዘዘኻኽርን፡ እታ መርከብ ብዙሓት ቤቶምን ንረቶምን ዛሕዚሖም ካብ ዝፈላለዩ ጸገማት ንኸምልጡ ብባሕሪ ዝጐዓዙን ልክዕ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያዊት ምዕ. 27 ካብ ፍቕዲ 27 ክሳብ ፍቕዲ 44 ከምኡ እውን ኣብ ምዕ. 28 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 10ን ጳውሎስ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጠሞ ሓደጋን ኣብ ማልታ ዝተገበረሉ እንገዳን ኣቀባብላን ዘዘኻኽር ኰይኑ፡ እዚ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ በቲ ተኽሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምእተሰረዘ ምስ ተሓበረ ሕዝቢ ማልታ ብኸመይ ተቐቢልዎ ንዝብል ሕቶ ተወላዲ ማልታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ን45 ዓመት ዘገልገሉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኦልቨር ቦርግ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሕዝቢ ብውዕዉዕ ስምዒት ንቅዱስነቶም ይጽበ ስለ ዝነበረ ብርግጽ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ክመሓላለፍ ምኽንያታዊ እውን እንተነበረ፡ ጓሂ ክስምዖ ባህርያዊ እዩ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህልው ኩነታት ዓለምን ኤውሮጳን ክዛረቡን ንመንግስታትን ንልኡካን መንግስታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማልታ ቃሎም ከስምዑ ብዙሕ ትጽቢት ነይሩ፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ድሕሪ ውግእ ዓለም ካብ ኤውሮጳ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ እዩ ናብ ላቲን ኣመሪካን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳን ዝተሰደ፡ ስለዚህ ንሕና ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝነበርናሉ ታሪኽ ርሑቕ ኣይኮነን፡ እንግዶት ዝረኽብና ሕዝቢ ኢና፡ ስለዚህ እንግዶት ኣይፋል ክንብል ዘሕዝን እዩ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ከምቲ ብዙሕ እዋን ዘዘኻኽርዎ እዩ፡ እቲ ናይ ማልታ ሓዋርያዊ መገሻኦም እውን ተዘክሮ ኤውሮጳ ንምንቕቓሕ ዝሃቀነ እዩ ዝነበረ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝምራሓ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ማእከል ኣሎ በዘን ማእከላት እዚኣተን ድማ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰብኣዊ ኣገልግሎት ይቐርብ፥ እቶም በዚ ማእከል ዝድገፉ ብቐጻሊ እውን እንተዘይኮነ ሓሓሊፉ ናይ ስራሕ ዕድል ዝረኽቡ ነይሮም እዮም፡ ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ግና ኩሎም ካብ ስራሕ ወጻኢ እያቶም፡ ስለዚህ እዚ ነቲ  ናይቲ ማእከል ኣገልግሎት ዝፈታተን ጥራሕ ዘይኮነ ዘድሊ ኣገልግሉት ንኹሉ ንምቕራብ ዘሰናኽክል እውን እንተመሰሉ ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከብን ቀረባ እያ ኢሎም።

ኣገልግሎት ካህናት ኣብዚ እዋን ለብዒ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ክምልሱ እንከለዉ፥ መንፈሳዊ ድጋፍን ምዕዳንን ሕንጸትን ሱባኤታትን በቲ ብስነ ኣሃዝ ዝመጠቐ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሊካ ይካየድ እዩ፡ እንተኾነ ግና እቲ ዝቐርብ መንፈሳዊ ሓገዝ በዚ ተወሲኑ ክተርፍ የብሉን፡ ስለዚ እቲ ለብዒ ኣብቂዑ ናብቲ ንብሩ ሕይወት ንኽንምለስ ናይ ኩሉ ተስፋን እምነትን እዩ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ ተህዋስ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ማልታ 400 በቲ ተህዋስ ከምእተለኽፉን ሓቢሮም ናይ ማልታ ኤኮኖሚ ዳርጋ ኣብ መስህብ በጻሕቲ ዝተመስረተ እዩ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንቅልውላው ይዳርጐ ኣሎ፡ እቲ ለብዒ እንተድኣ ከጺሉ ብዙሕ ሕዝቢ ንስእነት ስራሕ ክቃላዕ እዩ፡ ማልታ ካብተን ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ጽኑዕ ኤኮኖሚ ዘለዋ እያ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ይከኣል ኣብ መስህብ በጻሕቲ ዝጸንዔ ኤኮኖሚ ብምዃኑ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እንትድኣ ቀጺሉ ብዙሓት ዜጋታት ንዝኸፍኤ ቅልውላው ክቃልዑ እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ኤውሮጳ ንጸልይ ከምዘብሉ ዘኪሮም፡ ንብዙሕ ዓመታት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዘገልግሉ ከምዝነበሩ ገሊጾም፡ ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን’ዚ ንታሕቲ ወሪዳን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ቀጥዒ ዓለቦ ብሔራውነትን ሕዝብነትን ኤውሮጳ ንዓበይቲ ውግእ ዝዳረጋ ምኽንያትን ካብቲ ውግእ ምስ ተላቐቐት ተስፋ ዝገበረትሉን ዝኣመተቶን ሰናይ ዘበለ ኩሉ ትርስዕ ከምዘላ ዝሕብር እዩ፡ ስለዚህ ተዘክሮ ታሪኻ ህያው ክትገብር ኣለዋ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ እዮም ዘተሓሳስቡ፥ ሕውነትን ምትሕብባርን ጥራሕ እዩ መጻኢ ዘህልው ምስ በሉ ወርሒ ግንቦት ወርሃ ማርይም እዩ፡ ሕዝቢ ማልታ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ዓቢይ ኣኽብሮት ዘለዎ ብርቱዕ ማርያማዊ መንፈሳውነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘኪሮም ኣብዚ እዋን ምሕረት እግዚኣብሔር በማልዳነት ማርያም ይምሕጸን ኣሎ እንክብሉ  ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 27 ግንቦት 1990 ዓ.ም. ከምኡ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 18 ለካቲት 2010 ዓ.ም. ኣብ ማልታ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ዝተመሓላለፈ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ
01 May 2020, 17:52