ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት፥ ካሮል ፈተና ኩሉ ዝስገረ ኣብ ክርስቶስ ብምእታው እዩ ይብሉና

ብመንጽር ፍቕሪ ምሕረት እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ብዙሓት ፍልዩን ጽባቔን ጸዋዕታ ዘአንገዱን ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን በጽሕን ድላይ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታቶም ኣብ ግምት ዘእተዊም ዘስተውዕሉ እዮም፡ ኵሉ ነቲ መሓሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከስተማቕርን ተመክሮኦም ንኽገብር እዕድም፡ ንስኻትኩም እውን ኣብ ሕይወቶምን ትምህርቶም ክትፈልጥዎ እላበው

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ልደት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንናይ ክራኮቪያ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፥ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንቤተ ክርስቲያንን ንፖላንድን ጸጋ እግዚኣብሔር እዮም” ቢሎም “ኣፍቃሪ ሕይወትን ብናይ እግዚኣብሔርን ዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረትን ምስጢርን ብዓቢይ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ምሱጥን” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ልደት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ፖላንድ ከተም ክራኮቭያ መንእሰያት ዘሳተፈ ዝቐረበ ምርኢት ኣብ ምዝዛዛሙ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ፖላንድ ሰዓት ኣቆጻጽር ሰዓት 21.00 (ምሸት ሰዓት ትሽዓተ) ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ብቐጥታ ብናይ ፖላንድ ናይ መንግስቲ መደብር ተለቪዥን - TVP1 ከምእተመሓላለፈ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ክራኮቪያ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ኣቐዲሞም ነቶም መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ክራኮቪያ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘኪሮም፥ ኣስዒቦም እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 18 ግንቦት 1920 ዓ.ም. ኣብዛ ዓለም ጉዕዞኦም ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማ ዋዶዊቸ ኣሃዱ ቢሎም ቅድሚ 15 ዓመት ኣብ ሮማ ጉዕዞኦም ኣብዛ መሬት ከምዝብቅዑን ኣፍቃሪ ሕይወትን ብናይ እግዚኣብሔርን ዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረትን ምሱጥን እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ሓቢሮም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መረብትን ሕይወቶምን ቃላቶምን ሃሰብ በሉ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፥ Dives in misericordia - ብምሕረት ሃብታም ብዝብል ካብ ኤፈሶም ምዕ. 2 ፍቕዲ 4 ዝተወስደ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ኣርእስቲ ገይሮም ዝድረስዎ ዓዋዲ መልእኽትን ንፋውስቲና ዝኣወጅዎ ቅድስናን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ በዓላት ግጻዌ ድህሪ ሰንበት ፋሳካ ኣብ ዘላ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ክበዓል ዝደንገጉን ምዃኖም ዘክሪም፥

ብመንጽር ፍቕሪ ምሕረት እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ብዙሓት ፍልዩን ጽባቔን ጸዋዕታ ዘአንገዱን ናይ ሕጻናትን መንእሰያትን በጽሕን ድላይ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታቶም ኣብ ግምት ዘእተዉን ዘስተውዕሉን እዮም፡ ኵሉ ነቲ መሓሪ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከስተማቕርን ናቱ ተመክሮ ንኽገብሮ እዕድም፡ ንስኻትኩም እውን ንሕይወቶምን ትምህርቶም ክትፈልጥዎ እላበው፥ ኣብዚ እዋን ብመረብትን ክኡል እዩ፡

ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ፥ ናይ ስድራ ቤት ር.ሊ.ጳጳስ

ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. መዓልቲ ናይ ኣርባዕተ ር.ሊ.ጳ. እንክብሉ ዝገለጽዎ መዓልቲ እዚ ኸኣ ንር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዮሓንስ መበል 23 ቅድስና ዝኣወጅሉን ኣብቲ ዝዓረገ ንሶም ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምስታፎም እናሓሰቡ ክኸውን እንከሎ፡ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ፍቕርን ስድራ ቤትን ር.ሊ.ጳ.” እንክብሉ ገሊጾም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንናይ ስድራ ቤት ጸገምን ብድሆታትን መፍትሕን መልስን እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ፈተና ንቕድስናን ሓሴትን መሰናኽል ኣይኮነን

ነፍሲ ወከፎም እቶም መንእሰያት “ሓጎስን ስቓይን” ዝተሓትሞ “ናይ ስድራ ቤቶም ኣሰር” ሰዓብቲ እያቶም . . . ካሮል ወይትይላ ብንኡስ ዕድመኦም ኣዴኦምን ሓዎምን ኣቦእምን ብሞት ዝተፈለይዎም ምዃኖም ዘኪሮም` ተመህራይ እንከለዎ ስርዓት ናዚ ብዙሓት የዕርኽቶም ዘስኣንዎምን ድሕሪ ወግእ ከም ካህንን ጳጳሳን እግዚኣብሔር ዝኽሕድ ስርዓት ዴስነት ዘጋጠሞምን ከምዝነበሩ ይዝክሩ።

ጸገም እቲ ጽኩር እውን ናይ ብስለትን እምነትን መረጋግጾ እዩ፡ ስለዚ እዚ ዝስገር ከኣ ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ገዛእ ርእስኻ ብምሕዳግ እዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ኵነት’ዚ ኣብታ ቀዳመይቲ ‘Redemptor hominis - መድሓኒ ሰብ’ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ  መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘዘኻኸርዎ እዩ፡

ምስቲ ኵሉ ፍርሕዅምን ድኻምነትኩምን ናብ ክርስቶስ ቅረቡ

ቅዱስነቶም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ክርስቶስ መድሕን ሰነዶም፥ “ሰብ ክሳብ ምወዳእታ መዓሙቕ ገዛእ ርእሱ ክፈልጥ ዝደልይ፥ ምስቲ ኵሉ ጭንቀታቱን ድኻምነቱን ምስ ሕይወቱን ሞቱን ኣብ ክርስቶስ እዩ ክቐርብ ዘለዎ” ዝብለዎ ጠቒሶም ብሓጺሩ እዚ ማለት ከኣ ናብኡ (ናብ ክርስቶስ) ምስ መላእ ገዛእ ርስኻ (ንስኻነትካ) እተው ማለት እዩ” ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

 

19 May 2020, 10:30