ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ንይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽትን ክንክን ንናይ ሓባር ቤትናን ዝተወከፈ ፍሉይ ዓመት

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ጽንኩር እዋን ምእንቲ ሰላምን ዘተ ኣብ መንጐ ሃገራትን ነገልግሎት ድኻታትን ንምዕቃብ ፍጥረትን ንዓወት ሰብኣዊ ፍጥረትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቆዑ፡ ዕለት 24 ግንቦት ዝተዛዘመ ቅነ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ - ክንክን ናይ ሓባር በይትና እናሓሰቡ፡ ለምዘበን ነቲ ዓዋዲ መልእኽትን ክንክን ናይ ሓባር ቤትናን ዝተወከፈ ዓመት ከምዝኾነን ምልስ ቢሎም ምስ ኣዘኻኸሩ፥ በዛ ዕለት እዚኣ እውን ናብ ሰበኻ ኣቸራ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ተሓንጺጹ ዝነበረ መደብ በተ ተኸሲቱ ዘሎ ለምብዒ ኮቪድ - 19 ከምእተሰጋገረን ክኡል ምስ ዝኸውን እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ከምዝኾኑን እውን ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሓባር ቤትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እቶም “እዚዮም ተኣፋፍያን” ዝኾኑን ምክንኻን፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ዕለቱ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቐዓሉ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ከምዝኾነን ገዓር መሬትን ድኻታትን ፍሉይ ኣተኵሮ ክግበረሉ፥

እቲ ብናይ ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘሰናደዎን ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘሞ ቅነ ይሴባሕ ምኽንያት ዘነቓቐሖ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት እመስግን፥ ካብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብፍሉይ ንይሴባሕ ዝትወከፈ ዓመት እዩ!

ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ንናይ ሓባር ቤትናን ንሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ነቶም ተኣፋፍያን ፍሉይ ምክንክን ክገብር እዕድም!

እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥

ጸሎት

ብዓመት ይሴባሕ ምኽንያት ቅዱስነቶም ዝደረስዎ ጸሎት ብሓባር ክንደግሞ ክንደይ ሰናይ እዩ ቢሎም ኩሉ ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ክሓብር ከምእተላበዉን፥

ፈቃር እግዚኣብሔር

ገባሬ ሰማይ ወምድር ኵሉ ኣብኡ ዘሎን

ኣእንዳውና ክኽፈታ ግበር ልባትናን ተንክፍ

ክሳብ ናይቲ ዝፈጠርካዮ ጸጋ ዝኾነ ፍጥረትካ ወገን እንኸውን።

ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንኹሉ ነቶም ሓገዝካ ዘድልዮምን ህልው ኵን

ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኩር ድኽነት ንዝርከቡን ተኣፋፍያንን!

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ሓቆፋዊ ለብዕን ሳዕቤናቱን

ብመሃዛይ ምትሕብባርን ክንገጥሞ ሓግዘና።

ነቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝብል ምልዋጥ ሓንጉፋይ ቢልና ንኸነእንግድ ብርቱዓት ግበረና

ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ኩላትና ተማራዀስትን ተራኻብያንን ከምዝኾንና ክስምዓናን፡

ናይ ድኻታትን ናይ መሬትን ገዓር እንሰምዕ ግበረና፡

እቲ ናይ እዋንና ስቓይ ሓድሽ ሕውነታውን ዘላቕን ዓለም ዝወልድ ሕማም ሕርሲ ክኸውን መታን፡

ትሕቲ ኣፍቃሪት የዕንቲ ረዳኢተ ማርያም ኮይንና ብጐይታና ክርስቶስ ንልምነካ፡

አሜን!

ዝብል ዝደረስዋ ጸሎት ደጊሞም፡

ዓወት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሕማም

ኣብዚ ብፍላይ ንሰላምን ንድኻታትን ንፍጥረትን ናይ ኣካልን ልብን መንፈስን ሕማም ንምፍዋስን ተመስጦን ሓያል ጻዕርን ከምዘድሊ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ጽንኩር እዋን ምእንቲ ሰላምን ዘተ ኣብ መንጐ ሃገራትን ነገልግሎት ድኻታትን ንምዕቃብ ፍጥረትን ንዓወት ሰብኣዊ ፍጥረትን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝርአይ ናይ ኣካልን ልብን መንፈስን ሕማም ንምብዳህ ብተመስጦን ብህርኵት ጻዕሪ ንዘገልግሉ ዘለዉን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ነታ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ ረዳኢት ንዝኾነት ማርያም ኣማላድነትን ነማዕቁብ፡

ኣቸራን ካምፓኒያን

ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ ይሴባህ ኣብ ከተማ ኣቸራን ኣብቲ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካምፓኒያ በቲ ዝወረዶ ብከላ ምኽንያት መሬት ሓዊ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ከባቢ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ዝነበሮም መደብ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ምኽንያት ከምእተሰጋገረን ክኡል ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ክፍጽሙ ምዃኖም ክሕብሩ እንከለዉ፥

ኣብዛ ዕለት እዚኣ (24 ግንቦት 2020 ዓ.ም.) ኣብ ኣቸራ ኣብቲ ብዝወርዶ ብከላ መሬት ሓዊ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋ ከባቢ ንምእመናን ኣብ እምነት ንኸጽንዕ ሓውጾተ ኖልዎ ንኸካይድ መደብ ከምዝነበረን፥ ህልው ኩነታት ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ዘይከኣል ገይርዎ እውን እንተኾነ፡ ንናይቲ ከባቢ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባይቲ ስድራን ንመላእ ናይቲ ከባቢ ሰበኻታት ሰላምታይን ሓዋርያዊ ቡራኬይ ኣመሕላልፍ . . . ብርግጽ ክበጽሓኩም እየ፡ ክሳብ እንራኸብ ድማ አበረታትዓኵም!

ከምዝበሉን፥

ሰላምታ ንሳሊዝያውያን

ዕለቱ ንረድኢተ ማርያም ዝተወከፈ ከምዝኾነ ዘኪሮም፡ ንመላእ ሳሊዝያን ማሕበር ኣባላት ካህናትን ኣሃውን ደናግልን ሰላምታኦም ከቕርቡ፥

            እቲ ካብ ደናግል ደቂ ማሕበር ዶን ቦስኮ ዝረኸብኵዎ መንፈሳዊ  ሕንጸት ብሞሳ እዝክር

ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ኣኵይሊኖም ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ ንይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽትን ክንክን ንናይ ሓባር ቤትናን ዝተወከፈ ፍሉይ ዓመት
25 May 2020, 15:22