ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሓድነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሓድነት  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሓድነት

ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ብጹዕ ወቅዱስ ሸኑዳ ሳልሳይን ኣብ ሮማ ንፈለማ ግዜ ዘካየድዎ ርክብ መሰረት ዝገበረ በቢ ዓመቱ ክዝከር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ዓቢይ ድላይ ከምዝገለጹ ይዝከር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ምስ ናይ  ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ብስልኪ ከምእተራኸቡን ቅዱስነቶም ምስ ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ዘለዎም ቅርበትን ሕውነትን ብምርግጋጽ ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሕውነት ዘለዎ ልዑል ክብሪ ኣዘኻኺሮም፥ “እግዚኣብሔር ንዓለምን ቤተ ክርቲያንን ይምሓር” ከምዘበሉ ጋዜጠይና ዜን ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጻዕሪ ልዕሉ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ”፡ ኣብዘን ቃላት እዚኣተን እቲ ካብ ርሑቕ ታሪኽ ዝተብገሰ ተመቓራሕነትን ምትሕልላይን ዘረጋገጽ፡ ብፍላይ ክኣ ኣብዚ ጭቡጥ 

ጽኑዕ ዝምድና

ዕለት 10 ግንቦት ኣብ ናይ  ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ርክብ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ዕለት ከምዝኾነን እዚ ኸኣ ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ብጹዕ ወቅዱስ ሸኑዳ ሳልሳይን ኣብ ሮማ ንፈለማ ግዜ ዘካየድዎ ርክብ መሰረት ዝገበረ በቢ ዓመቱ ክዝከር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ዓቢይ ድላይ ከምዝገለጹ ይዝከር።

ቅዱነቶም ዕለት 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ንፈለማ ግዜ ዕለት 10 ግንቦት ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ ሕውነታዊ ፍቕሪ ኮይኑ ክዝከር ድሕሪ ምቛሙ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 10 ግንቦት ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ ክሌኣው ሓውነታዊ ፍቕሪ ብሓባር ዝዝከር ምዃኑ ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

ምስሪ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምስርን ምስራውያንን ዘለዎም “ቅርበትን ፍቕርን” ከምዝገለጹን፡ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን ብፍላይ ብምኽንያት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓቢይ ጸገምን ኣብ ጸሎት ከምዝሓብሩ እውን ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ ዘተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ እግዚኣብሔር ንዓለምን ቤተ ክርስቲያንን መላእ ምእመናንን ምሕረቱ ክጽግው ኣብ ጸሎት ከምዝሓብሩን ነፍሲ ወከፎም ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስግር ኣብ ዝጠለቦ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝዓደመ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ንኽሓብሩን፡ እቲ ለብዒ እቲ እንኮ መጻኢና ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነትን ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጸንዓሉ መሰረት ክኽኸውን ዘተባብዕ ዕድል ገይርና ንኽንጥቀመሉ ዘተሓሳስብ መዓልቲ ጸሎት ምዃን ብምቅላሕ ፍራንቸስኮን ተዋድሮስን ዳግማዊ ደጊፎምን ክምዝሓብሩን እውን ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ብጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ድሕሪ እቲ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ፡ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብን ዝተኻየደ ርክብን ነዚ ስዒቡ ክልቲኣም ኣካላት ብሓባር “ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ዓለም ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን” ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ስዒቡ ዝቖመ ክኸውን እንከሎ ካብ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ኣይሁድን ዝተዋጽኡ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ባህልን ተመራመርቲ ኣካላትን ብኣባልነት ዝሓቁፍ እውን ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሓድነት

 

12 May 2020, 15:02