ቅዱስ ዮሴፍ ቅዱስ ዮሴፍ 

ቅዱስ ዮሴፍ፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ከም ፒዮስ መበል 12

እቲ ቅዱስ ሓወልቲ ብናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብዝነበሩ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ (ዕለት 21 ሰነ 1963 ዓ.ም. መበል 260 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ - ዕለት 6 ነሓሰ 1978 ዓ.ም.) ዝተበርከ ክኸውን እንከሎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ግንቦት ዓመታዊ  በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ቅዱስ ሓወልቲ ክንበር ከምዝገበሩን፡ እቲ ቅዱስ ሓወልቲ ኣብ 1956 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ማሕበር ሰርሕተይናታት ኣብ ዝተቐበልሉ ዕለት በቶም ሰራሕተይናታት ዝቐበረበሎም ከምዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሶም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብትኽክል ቅድሚ 64 ዓመት ለብዒ እውን እንተዘይነበረ ኣብቲ እዋን ካቶሊካውያን ማሕበር ሰራሕተይናታት ናብ ቫቲካን ሒዞምዎ ንገደት ፈጺሞም ዘቕረብዎ ሓወልቲ ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ዕለት 1 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ክንበር ከምዝገበሩን፥

ቅዱስ ዮሴፍ፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ከም ፒዮስ መበል 12
ቅዱስ ዮሴፍ፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ከም ፒዮስ መበል 12

ካብ ሚላኖ ናብ ሮማ

እቲ ቅዱስ ሓወልቲ ብናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብዝነበሩ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ (ዕለት 21 ሰነ 1963 ዓ.ም. መበል 260 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ - ዕለት 6 ነሓሰ 1978 ዓ.ም.) ዝተበርከ ክኸውን እንከሎ ካብ ሚላኖ ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሄሊኮፕተር በጺሑን ዕለት 2 ግንቦት ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ካቶሊካውያን ማሕበር ሰራሕተይናታት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ኣብ ዝለገስሉ ዕለት ከምዝባረኽዎን ዕለት 1 ግንቦት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ  በዓል ሕጹይ ማርያም ሓብሓቢ ኢየሱስ ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ክበዓል ከምዝወሰኑ የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ሓወልቲ ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ዘምረሔ ዑደት

እቲ ብኪነ ጥበበይና ኤንሪኮ ደል በረውኒንግ ካብ ነሓስ ዝተሰርሔ 150 ሴንቲ መትር ዝቑመቱ ኣብ ናይ ካቶሊክ ሰራሕተይናታት ማሕበር ሕንጻ ዝተነብረ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 1 ግንቦት 1955 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ማሕበር ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ሒዞምዎ ናብ ቫቲካን ከምዝመጹን ከምኡ እውን ዕለት 1 ግንቦት 2005 ዓ.ም. ብመዓልት ስራሕን ሰራሕተይናታትን ምኽንያት ናብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብ ዘዕረግሉ እዋን፡ እቲ ማሕበር ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሒዞምዎ ዑደት ከምዝፈጸሙን፡ ዕለት 23 ግንቦት 2015 ዓ.ም. እቲ ማሕበር ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ሒዞምዎ ከምዝመጹን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ቅዱስ ሓወልቲ ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ዕለት 1 ግንቦት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ ቤተ ጸሎት ከምእተነብረ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናጻና ደጋፍን ስራሕ

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ስራሕ ዓለም ሰራሕተይናታትን ኣብ ነውጺ ይርከብ ምህላዉ፡ ብሔራዊ ናይ ካቶሊካውያን ማሕበር ሰራሕተይናታት ኣቦ መንበር ሮበርቶ ሮሲኒ ናብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ “ቅዱስነትኩም ደጋጊምኩም ማንም ሰራሕተይና ብዘይ መሰልን ክብርን ከይርከብን ስራሕ ናጻን መሃዛይን ማሕበራዊ ኣሳታፍን ደጋፍን ክኸውን” ስለ እተቕርብዎ ምዕዳን ነመስግን እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመረሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ዮሴፍ፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ከም ፒዮስ መበል 12
02 May 2020, 18:44