ር.ሊ.ጳ. መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምኽባር ናይ ኵሉ ጥዕና

ንጐሆ ሰዓት ሸውዓተ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ፈነወ ዝመሓላለፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርግን እየ፡ ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ብመንፈስ ክሓብር እዕድም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሰማየ ሰማያት ምንቲ ሕዝብን ኣብ ዓለም ሰላምን የማልዱ

ዕለት 17 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 18 ግንቦት ድሕሪ ውሸባን ምፍንታትን ብሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ካልኣይ ምዕራፍ ሕዝቢ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ዝከኣል ምዃኑ ከምእተሓበርን እዚ ፍጻሜ እዚ ግን ምእንቲ ናይ ኵሉ ጥዕና ሕጊ ብምኽባር ክፍጸም ኣተሕሳሲቦም፡ ኣስዒቦም እውን ዕለት 18 ግንቦት ቅዱስ ካሮሎ ዎይትይላ ዝተወለዱሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ሎሚ ኣብ ዋዜማ ልደቶም ካብ ሰማየ ሰማያት ምእንቲ ሕዝቢ እግዚኣብሔርን ሰላም ንዓለምን የማልዱ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ማርያማዊ ጸሎት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 18 ግንቦት 1920 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ከተማ ዋዶዊቸ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወለዱሉ ዕለት ኣብ መላእ ሃገረ ፖላንድን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝዝከርን፡ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ዋዜማ ልደቶም፡ መላእ ዓለም ብለብዒ ኮቪድ ኣብ ዝተጠቕዓሉ እዋን፡ ነዞም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ፍትሕን ተሓላቕን ጸረ ኩሉ ውግእን ምግምማዕን ፍቱን መድሃኒት ኣብ መንጐ ኣሕዛብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘተን ርክብን ምዃኑ ብቓልን ብግብርን ዝመስከሩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ዕለት18 ግንቦት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተቐብርሉ መንበረ ታቦት፥

ንጐሆ ሰዓት ሸውዓተ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ፈነወ ዝመሓላለፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርግን እየ፡ ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ብመንፈስ ክሓብር እዕድም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሰማየ ሰማያት ምንቲ ሕዝብን ኣብ ዓለም ሰላምን የማልዱ፡

ከምዝበሉ ሰፒያ ገሊጸን

ጥዕና ምዕቃብ

ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እቲ ወትሩ ንጐሆ ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ ኩሉ ኣብ ዝተወሸበሉን ማሕበራዊ ምፍንታት ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ እዋን ከካብ ዘለሉ ስፍራ ብቐጥታ ክሳተፍ መታን ብፈነወ ውሕዘት ክመሓላለፍ ከምዝገበሩን እዚ ምደብ እዚ ዕለት 18 ግንቦት ብምኽንያት ዝኺር መበል 100 ዓመት ልደት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብቐጥታ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ፈነወ ዝመሓላለፍ ካብት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተቐበርሉ መንበረ ታቦት ብዘዖርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ምዃኑ ቅድም ክብል ከም እተሓበረ ክዝከር እንከሎ፡ ኩሉ ኣብ ቅዳሴ ክሓባር ክዕድሙ እንከለዉ፥

ሓደራ ሕግታት ኣብ ምኽባር ንቕድሚት ንበል፡ እቶም ዝተሓንጸጹ ሕግታት ናይ ኩሉን ናይ ነፍሲ ወከፍናን ናይ ኩሉ ሕዝብን ጥዕና ንምዕቃብ ዝድግፉ እያቶም፥

ከምዝበሉ ቸቺሊያ ሓቢረን።

ኣብ ጽቡቕ ድላይን ኣገልግሎትን ምዕባይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ኩለን ቁምስናታት ሕጻናት ናይ መጀመርታ ቁርባን ዝቕበልሉ እዋን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በዓላት ምፍጻም ገና ዘይፍቑድ ምዃን፡ ነቶም ሕጻናት ኣባላት ማሕበረሰብ ቁምስናታት፥

ብምኽንያት እቲ ለብዒ ዓበይቲ ናይ እምነትን መግለጺ ዓበይቲ በዓላት ንኽመሓላለፍ ከምእተወሰነን እቶም ኣብዚ ወርሒ ግንቦት’ዚ ናይ መጀመርታ ቁርባን ክትቕበሉ ዝተሰናደኹም ፍቱዋት ሕጻናት ነዚ ኩነት’ዚ ብሃረርታን ብተስፋን ክትነብርዎ ሓደራ፡ ብጸሎትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መጽሕፍ ብምንባብን ንኢየሱስ ምፍላጥ ብምዕሟቕን ኣብ ጽቡቕ ድላይን ኣገልግሎት ኻልኦትን እትዓብይሉ ገርኩም ንበርዎ! ሰናይ ጉዕዞ!

ሓናጺ ኣገባብ ፍጥረት ንምክንኻን

ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቡራኬን ሂቦምን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቅድሚ ምስንባቶም ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝዛዘም እቲ ካብ ዝሕተምን ንንባብ ካብ ዝበቕዕን ሓምሻይ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ዓዋዲ መእኽቲ መሰረተ ገይሩ ዝቖመቅነ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘኪሮም፡

ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዝሎ እዋን፡ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃን ነስተውዕል ኣሎና፡ እቲ ዝካየድ ናይ ሓባር ኣስተንትኖን ሕርኩት ጻዕርን ፍጥረት ኣብ ምክንኻን ሓናጺ ጠባይ ክህልወና ዝገብርን ነዚ ኣገባብ’ዚ ዘሐይል ክኸውን እምነይ፡

ከምዝበሊ ቸቺሊያ ሓቢረን።ዕለት 17 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 18 ግንቦት ድሕሪ ውሸባን ምፍንታትን ብሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ካልኣይ ምዕራፍ ሕዝቢ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ዝከኣል ምዃኑ ከምእተሓበርን እዚ ፍጻሜ እዚ ግን ምእንቲ ናይ ኵሉ ጥዕና ሕጊ ብምኽባር ክፍጸም ኣተሕሳሲቦም፡ ኣስዒቦም እውን ዕለት 18 ግንቦት ቅዱስ ካሮሎ ዎይትይላ ዝተወለዱሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ሎሚ ኣብ ዋዜማ ልደቶም ካብ ሰማየ ሰማያት ምእንቲ ሕዝቢ እግዚኣብሔርን ሰላም ንዓለምን የማልዱ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ማርያማዊ ጸሎት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 18 ግንቦት 1920 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ከተማ ዋዶዊቸ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወለዱሉ ዕለት ኣብ መላእ ሃገረ ፖላንድን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝዝከርን፡ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ዋዜማ ልደቶም፡ መላእ ዓለም ብለብዒ ኮቪድ ኣብ ዝተጠቕዓሉ እዋን፡ ነዞም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ፍትሕን ተሓላቕን ጸረ ኩሉ ውግእን ምግምማዕን ፍቱን መድሃኒት ኣብ መንጐ ኣሕዛብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘተን ርክብን ምዃኑ ብቓልን ብግብርን ዝመስከሩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ዕለት18 ግንቦት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተቐብርሉ መንበረ ታቦት፥

ንጐሆ ሰዓት ሸውዓተ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ፈነወ ዝመሓላለፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርግን እየ፡ ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ብመንፈስ ክሓብር እዕድም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሰማየ ሰማያት ምንቲ ሕዝብን ኣብ ዓለም ሰላምን የማልዱ፡

ከምዝበሉ ሰፒያ ገሊጸን

ጥዕና ምዕቃብ

ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እቲ ወትሩ ንጐሆ ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ ኩሉ ኣብ ዝተወሸበሉን ማሕበራዊ ምፍንታት ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ እዋን ከካብ ዘለሉ ስፍራ ብቐጥታ ክሳተፍ መታን ብፈነወ ውሕዘት ክመሓላለፍ ከምዝገበሩን እዚ ምደብ እዚ ዕለት 18 ግንቦት ብምኽንያት ዝኺር መበል 100 ዓመት ልደት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብቐጥታ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ፈነወ ዝመሓላለፍ ካብት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተቐበርሉ መንበረ ታቦት ብዘዖርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ምዃኑ ቅድም ክብል ከም እተሓበረ ክዝከር እንከሎ፡ ኩሉ ኣብ ቅዳሴ ክሓባር ክዕድሙ እንከለዉ፥

ሓደራ ሕግታት ኣብ ምኽባር ንቕድሚት ንበል፡ እቶም ዝተሓንጸጹ ሕግታት ናይ ኩሉን ናይ ነፍሲ ወከፍናን ናይ ኩሉ ሕዝብን ጥዕና ንምዕቃብ ዝድግፉ እያቶም፥

ከምዝበሉ ቸቺሊያ ሓቢረን።

ኣብ ጽቡቕ ድላይን ኣገልግሎትን ምዕባይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ኩለን ቁምስናታት ሕጻናት ናይ መጀመርታ ቁርባን ዝቕበልሉ እዋን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በዓላት ምፍጻም ገና ዘይፍቑድ ምዃን፡ ነቶም ሕጻናት ኣባላት ማሕበረሰብ ቁምስናታት፥

ብምኽንያት እቲ ለብዒ ዓበይቲ ናይ እምነትን መግለጺ ዓበይቲ በዓላት ንኽመሓላለፍ ከምእተወሰነን እቶም ኣብዚ ወርሒ ግንቦት’ዚ ናይ መጀመርታ ቁርባን ክትቕበሉ ዝተሰናደኹም ፍቱዋት ሕጻናት ነዚ ኩነት’ዚ ብሃረርታን ብተስፋን ክትነብርዎ ሓደራ፡ ብጸሎትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መጽሕፍ ብምንባብን ንኢየሱስ ምፍላጥ ብምዕሟቕን ኣብ ጽቡቕ ድላይን ኣገልግሎት ኻልኦትን እትዓብይሉ ገርኩም ንበርዎ! ሰናይ ጉዕዞ!

ሓናጺ ኣገባብ ፍጥረት ንምክንኻን

ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቡራኬን ሂቦምን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቅድሚ ምስንባቶም ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝዛዘም እቲ ካብ ዝሕተምን ንንባብ ካብ ዝበቕዕን ሓምሻይ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ዓዋዲ መእኽቲ መሰረተ ገይሩ ዝቖመቅነ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘኪሮም፡

ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዝሎ እዋን፡ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃን ነስተውዕል ኣሎና፡ እቲ ዝካየድ ናይ ሓባር ኣስተንትኖን ሕርኩት ጻዕርን ፍጥረት ኣብ ምክንኻን ሓናጺ ጠባይ ክህልወና ዝገብርን ነዚ ኣገባብ’ዚ ዘሐይል ክኸውን እምነይ፡

ከምዝበሊ ቸቺሊያ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምኽባር ናይ ኵሉ ጥዕና
17 May 2020, 16:33