ጸሎት መዓጹ ተስፋ ትኸፍት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 20 ግንቦት 2020 ዓም ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝቅልቀል ንዓሥራይ ግዜኦም ብዘይ ሕዝቢ ካብ መዝበ መጻሕፍቲ ሓዋርያዊ ኣደራሽ መንበረ ጴጥሮስ ብመራኸቢ ብዙሓ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል እንተወሓደ ንምሥጢረ ፍጥረት ርኢና ተመስገን ብእትብል ጸሎት ንእግዚአብሔር ክብሪ ንሃብ ኢሎም።

‘ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧ . . . ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።’ (መዝ 8.3-4,9)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ምሥጢረ ፍጥረት እናኣስተንተና ኣብ ዙርያ ጸሎት ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ክንቅጽል ኢና። ነዊሕ ከይከድና ብዛዕባ ብሕይወት ምንባርና ምስትንታን ጥራይ ንልቢ ደቂሰባት ንጸሎት ክኸፍቶ ይኽእል። ቀዳማይ ምዕራፍ ቅዱስ መጽሓፍ ሰፊሕ ናይ ምስጋና መዝሙር ይጥዕም። እቲ ደጋጊሙ ኩሉ ጽቡቅ ከምዝኾነ እግዚአብሔር ረኣየ እናበለ ከም ኣዝማች እናመላለሰ ታሪኽ ፍጥረት በብሓደ ዘዘንቱ ናይ ኩሉ ፍጥረት ጽባቀ ይገልጽ። እግዚአብሔር ብቃሉ ንኩሉ ፈጠረ ንኩሉ ከኣ ህላዌ ሃበ። ብቃሉ ንብርሃን ካብ ጸልማት ይፈሊ መዓልትን ለይትን የፈራርቅ ወቅትታት ይሠርዕ ዝተፈላለዩ ኣታኽልትን እንስሳታትን ብምፍጣር ብዝተፈላለየ ሕብሪ ይሽልም። ኣብዚ ንኩሉ ሕንፍሽፍሽ መስርዕ ዘትሓዘ ተግባር ፍጥረት ኣብ መወዳእታ ንወዲሰብ ይፈጥር። ብፍጥረት ኣዳም እግዚአብሔር ከምዝዓገበን ደስ ከምዝበሎን ዝገልጽ ኣብቲ ዝቀደመ ጽቡቅ ከምዝኾነ ረኣየ ንዝብል ልዕል ብዝበለ መንገዲ 'ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ' (ዘፍ 1.31) እንክብል ብጣዕሚ ጽቡቅ ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣብዚ ጽባቄ ኩሉ ፍጥረት ይረኤ።

ጽባቄን ምሥጢርን ሥነ ፍጥረት ኣብ ልቢ ደቂሰባት ቀዳማይ መንፈስ ጸሎት ከምዝቅስቅስ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ኣብ ቊ.2566 'ሰብ ንኣምላኽ ኪደሊ ይርከብ። እግዚኣብሔር ኣብ ስራሕ ፍጥረቱ ንነፍስወከፍ ፍጡር፣ ካብ ዘይህላዌ ናብ ህላዌ ይጽውዕ' እንክብል ይገልጾ። ክንበብ ዝሰማዕናዮ መዝሙረ ዳዊት 8.3-4 እውን ‘ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧' ይብል። እቲ ዝጽሊ ሰብ ንምሥጢረ ፍጥረት ኣብ ልቡ ሒዙ እናኣስተንተነ ነዚ ሎሚ ሥነኍዋ ኣስፊሑ ዝገልጸልና ብከዋኽብቲ ዝተሸለመ ሰማይ እናተዓዘበ ክንዮ እዚ ዘደንቅ ሥራሕ ፍጥረት ዘሎ ዕላማስ እንታይ ኮን ይኸውን እናበለ ብዛዕባ ዕብየቱን ሥፍሓቱን የስተንትን እሞ ወዲሰብከ መን እዩ እናበለ ይግረም። ኣብ ካልእ ክፍሊ ከኣ መዝሙረ ዳዊት 89.47 'ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምዃና፣ ኵሎም ደቂ ሰብ ንኸንቱነት ከም ዝፈጠርካዮም ዘክር' እንክብል ወዲሰብ ዝውለድ ዝመውት ተኣፋፊ ፍጥረት ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ኰይኑ ከብቅዕ ግን ኣብ ኩሉ ፍጥረት ወዲሰብ እቲ እንኮ ብብዙሕ ጽባቀ ዝተፈጥረን ለባዊ ፍጡርን ምዃኑ ንዕዘብ። ደቂቅ ፍጥረት ዝውለድ ዝመውት ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግን ዘየሎ እንተኾነ ለባዊ ፍጡር እዩ። እዚ ንሕና ኢና ነዚ ዘደንቅን ጽቡቅን ፍጥረት ክንግንዘብ እንኽእል ንሕና ኢና።

ጸሎት ደቂሰባት ምስ ስምዒት ኣድናቆት ዝተኣሳሰረ እዩ። ምስ ስፍሓት ፍጥረት ክነነጻጽሮ እንከሎና ዕብየት ወዲሰብ ኣብ ቊጽሪ ዚኣቱ ኣይኮነን። ዓበይቲ ዓወታቱ ምስ ተፈጥሮ እንክነጻጸር ብጣዕሚ ደቂቅ እዩ እንተኾነ ወድሰብ ኢምንት ኣይኮነን። ኣብ ጸሎት ንምሕረት እግዚአብሔር ተኣንጊቡ ኩሉ ከምዝኽእል ኰይኑ ይስምዖ። ብዕድል ዝነብር ማንም የለን ምሥጢር ተፈጥሮ ኣብ ሓጺር ትዕዝብትና ክንግንዘቦ ንኽእል። መዝሙረ ዳዊት 8.5-6 ንወዲሰብ እንክገልጾ `ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ` እናበለ ካብ እግዚአብሔር ብቁሩብ ከምእንትሕትት ይገልጽ። ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ርክብከስ ዝለዓለ ሽመቱ እዩ። ብተፈጥሮና ደቀቅቲ ኢና ዳርጋ ኣብ ቁጽሪ ዘይንኣቱ ኢምንት ኢና ብጸዋዕታ ግን ደቂ እቲ ዓቢ ንጉሥ ውሉድ እግዚአብሔር ኢና።

እዚ ተመኲሮ እዚ ብዙሓት ካባና ኣስተማቂርናዮ ኢና። ሽሕ'ኳ ኩነታት መነባብሮ ቈጺርካ ብዘይውዳእ ምረቱ ነቲ ዓቢ ጸጋ ጸሎት ኪዓብጦ እንተተደናደነ ብከዋኽብቲ ንዝተሸለመ ሰማይ ኣንቃዕሪርካ ቋሕ ምባል ወይውን ጽባቄ ዕራርቦ ጸሓይ ወይውን ሓደ ዕምባባ ጽጌረዳ ወዘተ ብምዕዛብ ነታ ክትቅህም ቀሪባ ዝጸንሔት ናይ ምስጋና ቁልዒ የበራብር። ኣብ ቀዳማይ ገጽ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦኸስ እዚ ተመኲሮ እዚ እዩ። ሰብከስ እዚ እዩ። ደረስቲ ታሪኽ ፍጥረት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክጽሕፍዎ እንከለው ሕዝበ እስራኤል ጽጉም ግዝያት የሕልፍ ነሩ። ሓይሊ ጸላኢ ንመሬቶም ሒዙ መብዛሕትኦም ኣብ ምርኮ ነበሩ ኣብ መሶጶጣምያ ኣብ ባርነት ነበሩ። ሃገር ኣይነበሮምን ቤተመቅደስ ኣይነበሮምን ማሕበራዊ ሕይወትስ ይኹን ናይ ጸሎት ሕይወት ኣይነበሮምን ባዶሽ ነበሩ።

ምስ እዚ ኩሉ ግን ካብቲ ዓቢይ ታሪኽ ፍጥረት ብምብጋስ ንእግዚአብሔር ዘመስግኑሉ መንገዲ ስለ ህላዊ ንእግዚአብሔር ክብሪ ዘቅርቡሉ ኩነት ተረኽበ። ጸሎትከስ ቀዳመይቲ ሓይሊ ተስፋ እያ። እወ ጸሎት ቀዳመይቲ ሓይሊ ተስፋ እያ። ምስ እትጽሊ ተስፋ ይዓቢ በዚ ኸኣ ንቅድሚት ትስጉም። ብኣገላልጻይ ጸሎት መዓጹ ተስፋ ይኸፍት ምበልኩ። ተስፋ ወትሩ ህልውቲ እያ ብጸሎተይ ከኣ መዓጹኣ እኸፍቶ። ናይ ጸሎት ሰባት ንመሠረታዊ ሓቂ ይዕቅቡ ዝወረደ ይወረድ ዝኸበደ ይኽበድ ነዛ ሓቂ እዚኣ ንገዛእ ርእሶምስ ይኹን ንካልኦት እናኣዘኻኸሩ ተጻይ ኩሉ ፈተናን ድኻምን ኣብቲ ዝጸገመ ዕለታት እውን ከይተረፈ በቲ ዘደንቅ ጸጋ ይጸናንዑን የጸናንዑን። በዚኸስ ጸሎት ወትሩ ክንከላኸለላን ክንዕቅባን ዘሎና ጸጋ እያ።

ኣብ ጸሎት ዝተግሁ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ካብ ዘጋጥሞም ተስፋ ዘቁርጹ ፈተናታት ተስፋ ከምዝሕይል ይፈልጡ እዮም። ፍቅሪ ካብ ሞት ከምዝሕይል ብምእማን ከኣ ሽሕ'ኳ መጻኢ ኩነታትን ግዝያትን ዘይንፈልጦ እንተኾና ፍቅሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝዕወት ይኣምኑ። ብጸሎት ዝተግሁ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ዝድርጒሕ ብርሃን ነጸብራቅ እናምጽኡ ኣብ ዝጸልመተ ዕለታት እውን እንተኾነ ጸሓይ ካብ ምብርሆም ከምዘይተቋርጽ ስለዚኣምኑ እዩ። ጸሎት የብርህ ንነፍሲ የብርህ ንልቢ የብርህ ንገጽካ እውን የብርህ። ዋላ ግዝያት ዝጸልመቱ እንተጸልመቱ ሥቃያት ኣብ ዝለዓለ ጥርዞም እንተበጽሑ ጸሎት ወትሩ ምስ ኣብርሀ እዩ።

ኩልና ሓጐስ እነምጽእ ኢና። ነዚሞ ሕሰቡሉ! ንስኻ ሓጐስ ክተምጽእዶ ትደሊ ወይስ ዘሕዝን ሕማቅ ዜና ክተምጽእ ትደሊ! እንተደሊና ኩልና ሓጐስ ክነመጽእ ንኽእል። እዛ ዘላትና ሕይወት ውህበት እግዚአብሔር እያ። ኣብ ሓዘንን ምረትን ክነሕልፋ ብጣዕሚ ሓጻር እያ። ብህላዌና ጥራይ ንእግዚአብሔር ምስጋናን ክብርን ነቅርብ። ንተፈጥሮ ንመልከት ጽባቄኡ ነስተማቅር ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዘሎና መሳቅል እውን ንዕዘብ እሞ `ኣንታ ጐይታ ኣሎኻዶ ንዓኻ ፈጢርካናስ ከምዚ ክንከውን` ክንብል ንኽእል። እዚ ምህዋጽ እዚ እውን ከይትረፈ ንእግዚአብሔር ከመስግንን ክ ውድስን የኽእለኒ እዩ። ንሕና ደቂ እቲ ዓቢ ንጉሥ ደቂ እቲ ኣብ ፍጡር ዘንበሮ ክታሙ ከንብብ ዝኽእል ደቂ ፈጣሪ ኢና። እንተኾነ እዚ እግዚአብሔር ብፍቅሩ ዝፈጠሮን ክታሙ ዘንበረሉን ፍጥረት እዚ ሓደራና ጠሊምና ንዕቅቦ የሎናን። ጐይታ ነዚ ምሥጢር ፍጥረት ብዕምቈት ንክንርድኦን ተመስገን ንምባል የብቅዓና ጸሎት ማለት ከኣ እዚ እዩ። ተመስገን ጥዕምቲ ጸሎት እያ።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 May 2020, 12:47