ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ጓሳኡ ፍርንቸስኮ

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን ሓቢሮም፡ እቲ ዘገርም ከኣ ቅዱስነቶም እቲ ምስዋዕተ ቅዳሴ ንጉሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ ዘዕርግዎ ክኸውን እንከሉ፡ ብናይ ሰዓት ፍልልይ ምኽንያት ኣብ ገለ ሃገራት ለይቲ ወይ ውን ድሕሪ ቐትሪ እዩ

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ኩሉ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹሉ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ንኸሰንዩ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ዕለት 27 መጋቢት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብቐጥታ ብመረብታዊ ውሕዘት ክመሓላለፍ ከምዝገበሩን ነቲ ብቕዱስነቶም ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ሰዓታት ፍልልያት ብዘየገድስ ብዙሓት በሸሓት ዝኽቑጸሩ ምእመናን ብመንፈሳው ሱታፌ ከምዝሓበሩን፡ ካብ ምእመናንን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቡጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ናብ ቅዱስነቶም ናይ ምስጋና ቃል ይመሓላለፍ ከምዘሎ ዘጋባይ ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ ሚኒከቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ የማላኽቱ።

ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ጓሳኡ ፍርንቸስኮ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣባይትና ክርስቶስ ስለ ዘብጻሕኩም፡ ስለ ዝሓገዝኩምናን ዘጽናዕኵምናን፡ ስለ ናይ ተስፋ ቃልኩምን . . . ብመንፍሳዊ ሱታፌ . . . እቲ ለብዒ ንኸብቅዕ ጸሎት ንኸነቕርብን . . . ስለ እቲ ሰናይ ክስምዓና መታን ካብ ቅድስቲ ማርታ ዘዕረግክምዎን መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ በይናውነት ንኸንሕደገ ስለ ዘይፈቐድኩም ቅዱስ ኣቦና ነመስግነኩምን የቐንይለናን ንብለኩምን! እምነት ኣይነበረንን ሕጂ ግና ኣብ ቅድሚ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ኮይነ እነብዕ! ዝብልን ካልእን ካብ መላእ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ቅዱስ ኣቦና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ቅዱስቲ ማርታ ሕንጻ ወትሩ ንጐሆ ብቐጥታ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝመሓላለፍ፡ ኩሉ ብመንፈስ ዘሳትፍ ዘዕረግዎን ብኣስተንትኖን ቡርኬ ቅዱስ ቁርባንን ዝዛዝምዎ ዝነብረ መስዋዕተ ቅዳሴ መሰረት ናይ ምስጋና መልእኽታት ይመሓለፍ ከምዘሎ ሚኒከቲ ይሕብሩ።

ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ጓሳኡ ፍርንቸስኮ
ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ጓሳኡ ፍርንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ምእንቲ እቶም ብኮቪድ 19 ተህዋስ ዝተጠቕዑን ዝጥቕዑን ንሕሙማንን ነቶም ብግንባር ቀደም ነቲ ለብዒ ንምብዳህ ዝዓዪን ዘገግሉን ሓኻይምን ሰብ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታትን ኣባይቲ ስድራን ኣረጋውያንን ኣብ ኣባይቲ መእለይ ኣረጋውያንን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡን ንጸልይ እንክብሉ ነፍሲ ወከፍ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስቲ ህልው ኩነታት ብምትሕሓዝ ንዝተፈልየ ጭቡጥ ኩነት ናይ ጸሎት ሓሳብ ገይሮም ዘበገስዎ ፍልዩ መደብን ደሓር እውን እቲ ለብዒ ክብ ቢሉን ሕዝብን ሃገራትን ንኽውሸቡን ማሕበራዊ ምፍንታት ክንበርን ምስ ገበረ ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ንጐሆ ነዚ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ብመንፈስ ክሓብርን ጽሞናን ኣስተንትኖን ምህላላን ንኸቕርብ ገይሮምና እዮም።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን ሓቢሮም፡ እቲ ዘገርም ከኣ ቅዱስነቶም እቲ ምስዋዕተ ቅዳሴ ንጉሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ዘዕርግዎ ክኸውን እንከሉ፡ ብናይ ሰዓት ፍልልይ ምኽንያት ኣብ ገለ ሃገራት ለይቲ ወይ ውን ድሕሪ ቐትሪ እዩ፥ ነዚ በዲሆም ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝመሓላለፍ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩ ምርኣይ ፍቕሪ ካብ ሞት ብርቱዕ ምዃኑ ተረጋግጽ።

በቲ ቅዱስነቶም ዘዕርግዎ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን ጸኒዖምን ንኹሉ ኣጽኒዖምን ነቲ ለብዒ ንኽገጥምን ብእምነት ክንብድሆን ገይሮም እዮም፡ ንመንግስታት ክጽልዩን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንኹሉን ናይ ኩሉን ሕይወት ንምክልኻል ስለ ዝወስድዎ ውሳኔ ኣመስጊኖምን ብፍላይ ነቶም ዝተነጸሉን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ሕሩጋትን ኣረጋውያንን ግዱዓትን ከስተውዕሉን ኣብቲ ፍርሕን ስቓይን እግዚኣብሔር መገድታትና ከብርሃልና ጸልዮም ኣጸልዮምን እዮም።

ንገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ንናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ኣብዚ እዋን ፈተና ቀረባ ብምዃን ሕይወቶም ንዝሰውኡን ብሕማም ኮቪድ 19 ዝዓረፉን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ኣጸናንዖምን ጸልዮምን፡ ኣብዚ እዋን ንኹለን ነፍሰ ጹር ኣዴታትን ስለ ውላደን ዝስምዐን ዘሎ ናይ መጻኢ ፍርሕን ንከያንያንን ተመሃሮን ንኹሎም ነቶም ድሕሪ ለብዒ ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምብዳህ ፍኖት ዘመስርቑን ጸልዮምን ኣጸልዮምን። እቲ ቅልውላው ስቓይ እውን እንተኾነ ዘቕርቦ ዕድል ንኸነለልይ ከይተሓለሉ ኣብሪሆምልና እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ካብ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዘበገስዎ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝመሓላለፍ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝዛዘምሉ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክባት ከም ስድራ ቤታዊ ማሕበራውነትን ምስ ጐይታ ኣብ ኣባይቲ ክርስቲያንን ሊጡርጊያን ቅዱሳት ምስጢራትን ብሱታፌ ናብ ዝብለሉ ንቡር ኣገባባቱ ንኽምለስ ለወባኦም ከምዘቕረቡ ሚኒከቲ ይሕብሩ።

ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ጓሳኡ ፍርንቸስኮ
21 May 2020, 15:44