ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ እዮም ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ እዮም

ካብ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዕለት 8 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ እዮም

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሰንበት ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ በዓለ ጰራቅሊጦስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ብለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ተቛሪጹ ዝነበረ ምእመናን ዘሳተፈ ፍርቂ መዓልቲ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለተ ሰንበትን በዓላትን ከምዝፍጽምዎ ካብ ሓዋርያዊ መንበር ካብ ዝርከብ መስኮት ኮይኖም ነቲ ካልኣይ ደረጃ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ውሑስ ዝገብሩ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመና ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ ምዃኖም፡ ዕለት 26 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ዝበዓል በዓለ ጰራቅሊጦስ ምኽንያት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.00 ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅዱሰ ቅዱሳት መንበረ ታቦት ብመረብታዊ ውሕዘት ዝመሓላለፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ካብ ዝርከብ መስኮት ኮይኖም ምትእኽካብ ብዘይብሉ ነቲ ካልኣይ ደረጃ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ውሑስ ብዝገብሩ ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ እዮም።

ቅዱስነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ካብ ዕለት 8 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ጸሎተ ንግስተ ሰማያትን ከከም ግጻዌ ስርዓተ ሊጡርጊያ ከምኡ እውን ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ምእመናን ብኣካል ዘየሳተፈ ብመረብታዊ ውሕዘት ብዝመሓላለፍ ኣገባብ ምቕራብ ከምዝጀመሩን፡ ባዕሎም እውን ኣብቲ እዋን ንፈለማ ግዜ ምእመናን ዘየሳተፈ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ሰንበት ዕለት 8 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ከዕርጉ እንከለዉ፥ “ልክዕ ኣብ ጋቢያ ከምዘልኹ ኮይኑ እውን ዝስምዓኒ እንተኾነ፡ ኣነ እርእየኩምን እሓስበኩምን ኣብ ጸሎተይ እውን ህልዋን ኢኻትኩም” ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ብመረብታዊ ውሕዘት ዝመሓላለፍ ዘዕርግዎ ጸሎት ፈጺሞም በይኖም ናብቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ብዝርከብ መስኮት ብምኻድ ተቐልቂሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን እውን ኣይሃልዉ፡ ሓዋርያዊ ቡርኬ ምሃብ ከምዘይቋረጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ እነሆ ካብ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዕለት 8 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ምእመናን ዘሳተፈ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ እዮም
26 May 2020, 21:48