ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ ፓራጓይ - ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ - ሓምለ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ ፓራጓይ - ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ - ሓምለ 2015 ዓ.ም. 

ሓዋርያዊ ቡራኬ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንድንግል ማርያም ዘካኵፐ ንዝተወፈየት ፓራጓይ

“ኣብዚ ምሳዅም ሓቢረ ምርኻበይ ኣብ ቤተይ ከምዝኣተኹ ይስምዓንን ኣብ እግሪ ኣደና ተኣምራዊት ቅድስተ ማርያም ድንግል ዘኵካፐ ምሳዅም ሓቢረ እርከብ፡ ኣብዚ ቤተ መቕደስ ንሕና ደቃ ምስኣ ኩለተናና ኣርኒብና ንርከብን ኣሕዋት ምዃንና ንዝክርን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝብን ኣብ ፓራጓይ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፡ ብጹዓን ጳጳሳት ፓራጓይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ ከወፍዩ ምድላዮም ብፍላይ ከምቲ ኣብ ኵለን ብዙሓት ሃገራት ኣብ ፓራጓይ እውን ጽኩር ኩነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሃገሮምን ህዝቦምን ንማርያም ንድንግል ማርያም ዘካኩፐ ከወፍዩ ምሕሳቦም ከምዘድነቑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበልላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣድናቖትን ቡራኬን ጸሎትን፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሃገረ ፓራጓይ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ምውፋያ ዘኪሮም፥ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ትኩእ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐይና ፓራ ንናይ ፓራጓይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቶም ዝተጠቐሙለን ሰለስተ ቃላት ከምዝኾነ ፒሮ ሓቢረን፥ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ ናይ ፓራጓይ ሓላዊት ቅድስቲ ከምዝኾነትን ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት መላእ ሃገርን ሕዝብን ንኣኣ ብምውፋያ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶ ኣድኒቖም፡ ንመላእ ምእመናን ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም፡ መላእ ሕዝብን ሃገርን ፓራጓይ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ ኣደነት ሓለዋ ጸሎቶም በማላድነታ ከምዘቕረቡ ናይ ፓራጓይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታዊ ከምዝሓበረ፡ ገሊጸን፡ እቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ናብ መላእ መእመናንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብይብጻሕ ናብ ናይ ፓራጓይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ማርቲነዝ ፍሎረስ ዘመሓላለፍዎ ከምዝኾነነ ኣፍሊጠን።

ብጹዕ ኣቡነ ፍሎረስ ብዛዕባ እቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ኣብ ናይ ፓራጓይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬት ዕለት 1 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝገበርዎ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥ 

ውፉይነት

ፓራጓይ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ ንምውፋይ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ዕለት 3 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ ብናይ ፓራጓይ ሰዓት ኣቆጻጽራ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መላእ ፓራጓይ ኣብ መላእ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ደወል ከምእተደወለን ናይ ካኵፐ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሪካርዶ ቫለንዙወላ ሪኦስ ዝመርሕዎ ናይ ሓባር ጸሎት መቑጸሪያ፡ ናይታ ሃገር መላእ ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ከካብ ሰበኻኦም ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዲያቆናትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ኩሎም ከካብ መናባርቶም ብማሕበራዊ መረብት ከምእተሳተፉን ኣብዚ ስነ ስርዓት ጸሎት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ስደተይናታት ዜጋታት ፓራጓይ ብቀጥታ ብማሕበራዊ መረብት ከካብ ኣባይቶም ከምዝሓበሩ ገሊጸን።

ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም

ዕለት 11 ሓምለ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፓራጓይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ፊት ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ድንግል ምርያም ዘካኵፐ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ “ኣብዚ ምሳዅም ሓቢረ ምርኻበይ ኣብ ቤተይ ከምዝኣተኹ ይስምዓንን ኣብ እግሪ ኣደና ተኣምራዊት ቅድስተ ማርያም ድንግል ዘኵካፐ ምሳዅም ሓቢረ እርከብ፡ ኣብዚ ቤተ መቕደስ ንሕና ደቃ ምስኣ ኩለተናና ኣርኒብና ንርከብን ኣሕዋት ምዃንና ንዝክርን፡ ዘድልየና ኩሉ ንኸንቕርበላን ንኸነመስግንን ምሕረት ንኽንሓትትን ብሓድሽ መንፈስ ሕይወትና ንኽንመርሕን፡ ማእለያ ዘይብሎም ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉሉን ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ልኡካነ ወንጌልን ጸዋዕታ ዝተዓደልሉን ብዙሓት ሕጹያት ምስጢረ ተክሊል ዝኣሰሩሉን እዚ ኹሉ ጸዋዕታ ኣብዚ ተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ እግሪ ቅድስቲ ማርያም ዘካኵፐ! ንብዓት ዝወሓዘሉን ብዙሓት እውን ናብ ቤት ኣቦ ዝተሰናበቱሉን፡ ናብዚ ቅዱስ ስፍራ ሕይወትና ሒዝና ኢና እንቐርብ፡ ስለምንታይ ኣብ ቤትና ከምዘሎና ስለ ዝስምዓና፡ ብሉጽ ቤትና ወትሩ ዝጽበየና ዘለሉ” ከምዝበሉን፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምስሊ ናይ ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘካኵፐ ቅንስል ተባሪኹ ከምእተመረቐ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፒሮ የዘኻኽራ።

02 May 2020, 22:43