ድለ

እግዚአብሔር እሙን ሻራና ስለዝኾነ ዘድልየና ኩሉ ክነግሮ ክንሓቶ ንኽእል! ር.ሊ.ጳ

ጸሎትከስ ክንዮ ኩለንትናና ዝኸይድ ንላዕሊ ዝውንጨፍ ኣብየቱታ ጻውዒት ልመና እዩ። እዚ ካብ መዓሙቊ ልብናን ውሽጥናን ዝምንጩ ተግባር እዚ ክረኽቦ ሃረር ዝብሎ ምሳኡ ንክዋሳእ ዝናፍቆ ኣካል ከምዘሎ ይገልጽ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 13 ግንቦት 2020 ዓም ረፍዲ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ መዝገበ መጻሕፍት ሓዋርያዊ ኣደራሽ ብተለቪዥንን ብመራኸቢ ብዙሓንን ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርዎ ኣስተንትኖ ብምቅጻል 'ክንዲ ቊልዒ ዝኸውን ኣነ በሃሊ ሰብ ንስኻ ክብል ነቲ ምንጪ ሕይወቱን እሙን ዓርኩን ዝኾነ ጐይታ ዝረኽበሉ መንገዲ ጸሎት እዩ` እንክብሉ ኣስተምሂሮም ንዝመጽእ ዕለት 18 ግንቦት ዝዝከር መበል ሚእቲ ዓመት ልደት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር ከምኡ እውን ነቲ ጽባሕ ብዓለምለኸ ደረጃ ተኸተልቲ ኩለን እምነታት ብሓባር እዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ክቅንጠጠልና እነቅርቦ ጸሎትን ጾምን ግብረሠናይን ከይንዝግዕ ኣዘኻኺሮም።

 ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነታ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርዋ ጽሎት ክርስትያን ዘርእስታ ኣስተምህሮ ብምቅጻል ጸሎት ማለት እንታይ ማለት እዩ! መነመንከ እዮ ክጽልዩ ዘለዎም! ንዝብል ሕቶታት ንምምላስ ዘንቀዱ እንክመስሉ፣ ጸሎት ብዓንዲ ርእሱ ምስ ግርማ መለኮት ፈጣሪ እንተኣወዳደርካዮ ኣብ ቊጽሪ ዘይኣቱ ብጣዕሚ ንኡስ ዝኾነ ኣነ በሃሊ ወዲሰብ ምስ ፈጣሪኡን ሓላዪኡን ዝኾነ እግዚአብሔር ፊት ንፊት ብመንፈስ ቀሪቡ ኣንታ ኣቦ ኣንታ ፈጣሪ እንበለ ዝራኸበሉ ኣነ ንስኻ ዚዓይነት ተዋስኦ እዩ ምስ በሉ ነዚ ተዋስኦ እዚ ማንም ናይ ብሕተይ እዩ ናይ ግለይ እዩ ኣነባ ቅኑዕ ናተይ እባ ዝስማዕ ዘይትብለሉ ኩሉ ወዲሰብ ዘቅርቦ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ ሰባት ከከም እምነቶም ዘቅርብዎ ምሉእ መሰል ዘለዎም እቶም ምንም እምነት ዘይብሎም እውን ከይተረፈ ዝውንንዎ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም። ኣበይ እዩ ምንጪ ካበይ ይውለድ ንዝብል ሕቶ ከኣ `ኣብ መዓሙቚ መንነትና ኣብ ውሽጢ ልብና ኣብ መንፈስና ይውለድ እሞ ብሓሳብ ብኣስተንትኖ ብቃል ብዝተፈላለየ ምውስዋስ ሰውነትና ይግለጽ። ስለዚኸስ እቲ ብሓቂ ዝጽሊ ሰብ ብልቡ እዩ ዝጽሊ። እቲ ኣፍኣዊ ነገራት ተወሳኺ እኳ እንተኾነ እቲ ቀንድስ ካብ ውሽጢ ልብና ዝነቅል ምስ ፈጣሪ ዝግበር ተዋስኦ እዩ ኢሎም።

ጸሎትከስ ክንዮ ኩለንትናና ዝኸይድ ንላዕሊ ዝውንጨፍ ኣብየቱታ ጻውዒት ልመና እዩ። እዚ ካብ መዓሙቊ ልብናን ውሽጥናን ዝምንጩ ተግባር እዚ ክረኽቦ ሃረር ዝብሎ ምሳኡ ንክዋሳእ ዝናፍቆ ኣካል ከምዘሎ ይገልጽ። ነዚ ክትረኽቦ ዝናፈቅ ሃረር እትብሎ ኣካል እስኪ ነሥመረሉ። ከመይ ክንዮ ማንም ርክብ ክንዮ ማንም ናፍቆትን ኣድላይነትን ንክትረኽቦ ንክተዕልሎ ምሳኡ ንክትከውን እትብህጎ እዩ። እዚ ደቂቅ ኣነ ዝብል ፍጥረት ንስኻ ኢሉ ኣነን-ንስኻን ቢልካ ብሕትኻ ኰንካ ልቢ ንልቢ እትዋስኦ ኣካል ሃሰስ ይብል። ወዲሰብ ነዚ ኣካል እዚ ንክረክብ ዘይገበሮ ዘይጸሓፎ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። እንተ ጸሎት ክርስትና ግን ካብ ሓደ ግልጸት ይውለድ። እዚ ንስኻ ኢልካ ትቀርቦ ተዕለሎ ኣካል እዚ ኣብ ምሥጢር ተሰቲሩ ኣይተረብን ሥጋ ለቢሱ ከማና ሰብ ኰይኑ ባዕሉ ብኣካል ክራኸበና መጺኡ። እዚ ሥጋ ዝለበሰ ቃል እዚ ኣብ ኦሪት ብነቢያቱን ባዕሉ ብድምጹን ዝዛረብ ዝነበረ ቅርበቱ ዝገልጽ ዝነበረ ኰይኑ ምሉእ ብምሉኡ ምስ ተገልጸ ነቶም ሰዓብቱ ዝኾኑ ብስሙ ዚኣምኑ ክርስትያን ዚበሃል ኣቦ ኢሎም ክጽውዑ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኢልኩም ጸልዩ እንክብል ክርስትያን ዘቦኡ ንእግዚኣአብሔር ኣቦ ኢሉ ክጽውዕ በሪ ከፊቱሉ።

 ዘቦኡ ንእግዚኣአብሔር ኣቦ ኢሉ ይጽውዕ!

ቅዱስነቶም ፍሉይነት እምነት ክርስትና እንክገልጹ `ክርስትያን ዘቦኡ ግልጸት እግዚአብሔር ብቀጻሊ ይምስክር። እግዚአብሔር ተሓቢኡ ኣይተረፈን ገዛእ ርእሱ ከምቲ ብሰብኣ ሰገልን ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ጥምቀት ኢየሱስን ኣብ ቃና ዘገሊላን ዝገብሮ እናተገልጸ እዩ። ኢየሱስ ከኣ ኣብ መወዳእታ ነዚ ርክብ እዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ውሉድን ወላድን ሓፍ የብሎ እሞ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኢልኩም ጸውዕዎ ለምንዎ ጸልዩ ይብለና`ኢሎም።

ቀዳማይ ጠባይ ጸሎት ክርስትናኸስ እዚ እዩ። ኣብ ዝቀደመ ግዝያት ደቂሰባት ናብ እግዚአብሔር እንክቀርቡ ብፍርሕን ረዓድን እኳ እንተነበረ ከመይ እዚ ዘደንቅ ምሥጢር እዚ መጀመርያ ክግለጽ እንከሎ ካብ ሲና ጀሚርካ ዘፍርህ ብምንባሩ ዳርጋ ከም ባሮት እዮም ዝቀርብዎ ዝነበሩ እዚ ከኣ ስለዕብየቱን ክብሩን ነበረ ኢየሱስ ግን ንክርስትያን ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ኣቦ ኢሎም ክጽውዕዎ ይዕድሞም። ኢየሱስ ካብኣ ዝቀረበት ቃል እውን ይጥቀም ኣባ ኣቡየ ማለት ኣቦየ ኢሉ ይጽውዖ። በዚኸስ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ንዘለዓለም ስለዝኾነ ወትሩ የፍቅረና።

እግዚኣአብሔር ወትሩ የፍቅረና።

ኣብ ክርስትናኸስ ጽግዕተኛ የለ ባርያ የለ ወዲ ወሰን የለ ኩሉ ውሉድ ኩሉ ዓርኪ ኩሉ ወዲ ኪዳን ኩሉ ወዲ ገዛ ኩሉ ወዲ ተስፋ ኩሉ ቀረባ ኩሉ ሓደ ኣብ ሕቁፉ ኣፍቃሪ ኣቦ ስለዝኾነ ኩልና ብሓባር ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኢልና ንጽሊ። ኢየሱስ ንባዕሉ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዕለታት ንሓዋርያቱ ኩሉ ነጊሩ እንክሰናበቶም 'ደጊምሲ ኣዕሩኽተይ እምበር ባሮት ኣይብለኩምን እንክብል ዘልበሰና ሓርነትን ሕውነትን ኣግሂዱልና ንሰማይ ሓሊፉ።

ኣብ ክርስትናኸስ ጽግዕተኛ የለ ባርያ የለ ወዲ ወሰን የለ ኩሉ ውሉድ ኩሉ ዓርኪ ኩሉ ወዲ ኪዳን ኩሉ ወዲ ገዛ ኩሉ ወዲ ተስፋ ኩሉ ቀረባ ኩሉ ሓደ ኣብ ሕቁፉ ኣፍቃሪ ኣቦ ስለዝኾነ ኩልና ብሓባር ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኢልና ንጽሊ። ኢየሱስ ንባዕሉ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዕለታት ንሓዋርያቱ ኩሉ ነጊሩ እንክሰናበቶም 'ደጊምሲ ኣዕሩኽተይ እምበር ባሮት ኣይብለኩምን እንክብል ዘልበሰና ሓርነትን ሕውነትን ኣግሂዱልና ንሰማይ ሓሊፉ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰማይ ኪሓልፍ እንከሎ ጸልዩ ጥራይ ኢሉ ኣይሓለፈን ሓንቲ ዓባይ ትሕጃ ገዲፉልና። ብናይ ዘመንና ኣዘራርባ ድላይካ ጽሓፈሉ ኢልካ ናይ ባንክ ቸክ ኣብ ኢድካ ከም ምውፋይ ዝገለጽዎ ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታ ኣብ ዮሓ 14. 12 ንሓዋርያቱ 'ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ' እንክብል ንዝገደፈሎም ውሕስነት ንሕናኸ ዘይፍትኖ ብዝብል ቃና የዘኻኽሩ። እግዚአብሔር ዓርኪ እዩ ወገንካ ሻራኻ እዩ በዓል ኪዳንካ እዩ። ኣብ ጸሎት ምስኡ ፍሉይ ርክብ ምትእምማን ክፍጠር ይከኣል ብሕልፊ ከኣ ኣብታ ወዱ ዝመሃረና እንኮ ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር። ንእግዚኣአብሔር ኩሉ ነገር ክንልምኖ ክንሓቶ ንኽእል ኩሉ ጸገምናን ድልየትናን እርይ ቁጽር ኣቢልና ክነዕልሎ ንኽእል። ኣብ ቅድሚኡ ጐደሎ ምዃና ኣይዓጅቦን እዩ ስለዝኾነ ከኣ ንፉዓትን እሙናትን ኣዕሩኽ ዘይክንከውን ንኽእል ዘየነመስግን ዘይንእመን ከሓድቲ ክንከውን ንኽእል እንተ ንሱ ወትሩ ካብ ምፍቃርና ኣይቋርጽን ከመይ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ። ንሱ ንዘለዓለም ምሳና ኣብ ጥቃና ኣብ ጐድንና እዩ። ትዕግሥቱን ተጻዋርነቱን ከም ኣፍቃሪ ኣቦ ከም ኣፍቃሪት ኣደ እዩ።

ነዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ክሳብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብምሥዋዕ ኣድሒናን ከመይ ዘይጠልም ኪዳኑ እሙን ቃሉ ስለዝኾነ ዋላ ንሕና ምፍቃሩ እንተኣቋረጽና ንሱ ካብ ምፍቃርና ዓዲ ኣይውዕልን። ስለዚ ናብ ሕቊፉ ምሕረቱ ቅርብ ኢልና 'ኣታ ጐይታይ ፍቅሪ ጥራሕ ክትፈልጥሲ ክንደይ ዘደንቅ እዩ' ከመይ ጽልኢ ቂመ በቀል ኣብኡ ቦታ የብሉን። ርግጽ ንሱ ተጸሊኡ እዩ ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል ንሱ ግን መሓሮም ክብል እናተጸልኤ ምሕረት ኣርእዩ ከመይ ኣብኡ ጽልኢ የለን። ሕመረት ጸሎት ክርስትያንከስ እዚ እዩ። ጸሎትና ናብቲ ፍቅሪ ዝኾነ ወትሩ ዝጽበየናን ዘሰንየናን ሰማያዊ ኣቦና ኢና እነዕርግ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

እግዚአብሔር እሙን ሻራና ስለዝኾነ ዘድልየና ኩሉ ክነግሮ ክንሓቶ ንኽእል! ር.ሊ.ጳ
13 May 2020, 18:05