ድለ

ናይ ዕለት 14 ግንቦት መደብ ጸሎትን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን

ንምእመናን ዜጋታት ፖላንድ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘለዎም ዓቢይ ፍቕሪ ገሊጾም ዝመጽእ ዘሎ ሰኑዕ ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም.

La preghiera del 14 maggio e san Giovani Paolo II

ናይ ዕለት 14 ግንቦት መደብ ጸሎትን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻውዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊስም ምስ ኣብቁዑ፥ ጸሎት “ናይ ምርኻብን ጽን ናይ ምባልን ኣገባብ” እዩ ምእንቲ’ዚ “እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስገር ናብ እግዚኣብሔር ንኽንማህለል ዝጠለቦ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ለብዒ እቲ እንኮ መጻኢና ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነትን ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጸንዓሉ መሰረት ክኸውን ዘተባብዕ ዕድል ገይርና ንኽንጥቀመሉ ሓደራ ዝብል መደብ ብምዃኑ፥

ኣብዚ መደብ ጸሎት ኵሉ ንኽሳተፍን ክሓብርን እዕድምን እላበውን፡ ከም ኣሕዋት ሓቢርና እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ፍጥረት ካብቲ ለብዒ ከድሕኖን ናይ ስነ ሕምንናን ስነ ምርምርን ተመራመርትን ሊቃውንትን እውን ኣእምሮኦምከብርሃሎም ህሙማን ክፍውስን ንለምኖ!

ምስ በሉ ንምእመናን ዜጋታት ፖላንድ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘለዎም ዓቢይ ፍቕሪ ገሊጾም ዝመጽእ ዘሎ ሰኑዕ ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም.፥

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወለድሉ መበል 100 ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት 18 ግንቦት ኣብቲ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንበረ ታቦት ብመራኸቢ ብዙሓንን ብመረብታዊ ውሕዘትን ዝመሓላለፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርግ እየ፡ እግዚኣብሔር ነዞም ቅዱስ ናይ ሮማ ጳጳሳን ር.ሊ.ጳ. ስለ ዝሃበና ሓቢርና ነመስግኖ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክሕግዘና ንለምኖ፡ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ክትልወጥን ንቕድሚት ክትብል ክሕግዛ በማላድነቱ ንጸልይ!

ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ናይ ዕለት 14 ግንቦት መደብ ጸሎትን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን
13 May 2020, 15:57