ስርዓተ ሊጡርጊያ ሳልስትን ፍኖተ መስቀልን ስርዓተ ሊጡርጊያ ሳልስትን ፍኖተ መስቀልን  

ስርዓተ ሊጡርጊያ ሳልስትን ፍኖተ መስቀልን

ሰንበት ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ ኣብዚ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ወንጌል ብቋንቋ ግሪክን ብላቲንን ክቐርብ እዩ

ሓሙስ ሕጽበተ እግር ዓርቢ ስቐለትን ቅዳሴ ዘለሌት ዋዜማ ፋሲካን ሰንበት ሳኪና፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝተኰረን ህዱእን ዕቱብን ስርዓተ ሊጡርጊያ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ብዘይ ምእመናንን ነቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ዝብል ውሳኔ ብምኽባር ብውሕዳት ተሰንዮም ክመርሑ ምዃኖም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ርዓተ ሊጡርጊያ ዓበይቲ በዓላት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝመርሕዎ ስርዓተ ሊጡርጊያን ብመራኸቢ ብዙሓን ክምዝመሓላለፍ እውን ገሊጹ፡ ልክዕ ከምቲ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝሰፍሕ ዘሎ ሞትን ሕማምን እቲ ለበዳ ከብቅዕን ኣብ ሰገነት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኵሉ በዚ ሕማም ተላገብ ምኽንያት ኣብ ቤቱ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ምእመናን ክሳተፉሉ ዘይከኣሉ እውን እንተነበረ፡ ብናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ፡ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንም ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንሮማ መላእ ዓለምን ናይ ምሉእ ሓጢኣት ስርየት ኣብ ዝሃቡሉ ስነ ስርዓትን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 5 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንበዓለ ሆሳዕና ዝዓረገ ስርዓት  ሊጡርጊያ ኣብ ዝመርሕሉ እዋን እውን ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝርከብ ተኣምራዊ ምስሊ ስቑል ኢየሱስን ድሕሪ መንበረ ታቦት ክንበር ከምዝገበሩን፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘዕርግዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ እውን በዞም ክልተ ቅዱሳት ምስልታት ዝተሰነየ ከምዝኸውን ናይ ር.ሊ.ጳ. ብዕሎት ሊጡርጊያ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

ቅዱስ ሓሙስ/ሕጽበተ እግርን ቅዋመ ቅዱስ ቁርባንን፡ ቅዱስ ኣቦና ምስ ካህናት ተዓጂቦም ከምቲ በቢ ዓመት ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናት ሓቢሮም ስነ ስርዓት ባርዀት ቅብኣ ቅዱስ ከምዘይፍጽሙን እዚ ስነ ስርዓት’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ምስ ኣብቕዔ ክምዝካየድ ዝሓበረ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስርዓተ ዓበይቲ ሊጡርጊያ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት፡ ድሕሪ ቐትሪ ኢየሱስ ክርስትስ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን - ምስጢረ ክህነትን ዝሰረዓሉ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ክፍጸሙን፡ ሕጽበተ እግር ዘይፍጸም ክኸውን ዝከኣል እዩ ይብል።

ዓርቢ ስቕለት፥ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተ ምሸት ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ሕማማት ዘእግዚእነን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መስቀልን ክፍጸም እዩ፡ እቲ ካብ ቅዱስ ማርቸሎ ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ተኣምራዊ ስቑል ኢየሱስ ክሽፈን እዩ (ዓርቢ ኢየሱስ ጐይታ ዝተቐበረላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት) ኣብዚ ስነ ስርዓት’ዚ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላመሳ ሓጺር ኣስተንትኖ ከቕርቡ እዮም።

ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ መስርዕ ዓንድታን ት ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኣብ ዙሪያ ሓውልቲ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ፍኖተ መስቀል ክካየድን ኣብ ሰገነት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክዛዘም እዩ፡ ኣብቲ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ካብቲ ናይ ለምዘበን ናይ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ዘቕረበ ኣብ ፓዶቫ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝውክሉ እሱራትን ነቶም ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ምብዳህ ብግንባር ቀደም ዘገልግሉ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዝውክሉ ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝተዋጽኡ ሓኻይምን ሰሙ ሞያ ክንክን ጥዕናን ክሳተፉ እዮም።

ቀዳም ስዑር፥ ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ምስጢረ ጥምቀት ዘየጠቓልል ኰይኑ ዋዜማ ክፍጸምን ጸሎት ውዳሴ ክድገምን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ደወላት ክድወልን ትንስኤ ክርስቶ ክብሰር እዩ።

ሰንበት ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ ኣብዚ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ወንጌል ብቋንቋ ግሪክን ብላቲንን ክቐርብ እዩ፡ ኣብ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ኡርቢ ኤት ኦርቢ-ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ቡራኬ ክህቡ ከምዀኑ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

09 April 2020, 16:33