ቅድስቲ ማርታ፥ ኣገዳስን ፍርሒ ዝስዕር ኢየሱስን ቅድስቲ ማርታ፥ ኣገዳስን ፍርሒ ዝስዕር ኢየሱስን  ርእሰ ዓንቀጽ

ቅድስቲ ማርታ፥ ኣገዳስን ፍርሒ ዝስዕር ኢየሱስን

ነቲ ዘሎና ፍርሒ ዝነብሩ ዝነበሩ እያቶም ስመስሉ፡ በቲ ለብዒ ፈሪሕና ከይላገበና ኣብ ኣባይትና ተዓጺና ንርከብ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ በቲ ዕጹው መዓጹና ይሓልፍ እሞ ኣብ ቤትና ይኣትውን ኣብ ልባትና ይኣትውን ኣብ ልዕሊ ፍርሕና ይዕወት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ነታ ብናይ ገዛ ዕዮ ኣዚያ ዝተጸምደት ብዝነበረትን ብሓብቲ ኣልኣዛርን ማርያም ዝጽዋዕ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ወትሩ ንጐሆ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕሽሽ ከይንብሎ የዘኻኽሩና። እቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቱ ተዓጽዮም - ብፍርሒ ኣብ ቤቶም ተወሺቦም ንዝነበሩ ብህላዌዉ ነቲ ዝነበሮም ፍርሒ ከሰንፉ ይገብሮም፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ  መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ክኸውን እንከሎ፥    

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ለብዒ ካብ ዝተበገሰሉ ዕለት ኣትሒዞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ንዝቑጸሩ ምእመናን ወትሩ ንጐሆ ብዘዕርግዎን ዝብከቶምን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባንን የሰንዩ። ቅድስነቶ ነቶም ኣብ ቤቶም ተወሺቦም ንዘለዉ ምእመናን ዕለት ብዕለት በቲ ብቕጥታ ኣብቲ መንበሪኦም ካብ ዝኾነ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብዝተፈላለየ ናይ ጸሎት ሓሳብ ቅድም ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ የሰንዩ።

ማርታ ሓብቲ ኣልኣዛርን ማርያምን እያ፡ እዛ ተቐማጢት ቤታንያ ዝኾነት ስድራ ቤት ብኢየሱስ ፍቕርትን ብዙሕ እዋን እውን ብኣኡ እትብጻሕ ዝነበረት እያ። ሉቃስ ወንጌላዊ ከምዝሕብሮ፥ ማርታ ኢየሱስ ናብ ቤቶም ምስ መጸ ንኣኡ ናዝራዊ ንኸተገልግል ብናይ ቤት ዕዮ ተጸሚዳ ከምዝነበረትን ሓብታ ማርያም ግና ኣብ ቅድሚ እቲ ጋሻ ህላዌ ትነብር፡ ኣብ ቅድሚ ህላዌ ናዝራዊ ነበረት። ማርታ ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር ስለ ዝነበረት ደው ኢላ ከኣ “ጐይታ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግል ዶ ግዲ የብልካን” ክትብል ጓሂኣ ኣስሚዓ “ክትድግፈኒ ንገራ ትብሎ፡” ኢየሱስ ከኣ “ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጉህይን ኣሎኺ፡ እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ፡ ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ” እንክብል ይምልሰላ።

ኣብዚ ካብ ቅዳሴን ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ ዘርሕቕ ጸገም ኣብ እንርከበሉ ኣዋን ኢየሱስ ንኣና ከም ማርያም ኣብ ናይ ቤት ዕዩ ተጸሚድና ላዕልን ታሕትን ኣብ እንበለሉ ህልው ኩነት፡ እቲ ዘገድስ ከይንዝንግዖ የተሓሳስበና። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ብዘዕግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣቢሎም በቢ  ዕለቱ ናብ ቤትና ይኣትዉን ንኣና ማርታውያን ንዝኾንና እቲ ዘገድስ የዘኻኽሩና። ቅዱስነቶም ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንጐይታ ንኸነስተንትን መታን በስተንትኖን ስግደትን ኣምልኾን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ይዛዝምዎ፡ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝብልዎ ብጐይታ ንኽምራሕ ንኽንፈቕደሉ መታን።

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝተሰምየ ኣብ ተስዓታት እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሓርዩ ካብ  መላእ ሃገራት ዓለም ናብ ሃገረ ቫቲካን ንዝመጹ ካርዲናላት መአንገዲ ክኸውን ብዝብል መደብ ብድላይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሓንጸ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ከኣ ብማርያም ዘይኮነ ብሓብታ ማርታ ስም ዝጽዋዕ እዩ፡ ንመፈስ ቅዱስ ዝተወከፈ፡ እዚ እቲ ኣብ ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. ካለይቲ ሰንበት ድሕሪ ፋሲካ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 20 ካብ ፍቕዲ 19 ክሳብ 31 ዝተወስደ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይዅን፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ። ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን በሎም። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ”፡ ዝብል ምንባብ የዘኻኽረና።

ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጽርሃ ጽዮን ፈሪሖምን ተዓጽዮም ልክዕ ከምቲ ኣብዚ እዋን ውሸባ ዝስምዓና ስምዒትን ነቲ ዘሎና ፍርሒ ዝነብሩ ዝነበሩ እያቶም ስመስሉ፡ በቲ ለብዒ ፈሪሕና ከይላገበና ኣብ ኣባይትና ተዓጺና ንርከብ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ በቲ ዕጹው መዓጹና ይሓልፍ እሞ ኣብ ቤትና ይኣትውን ኣብ ልባትና ይኣትውን ኣብ ልዕሊ ፍርሕና ይዕወት። ኣብተን ዘቤታውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾና ኣባይትና፡ ቤትና እቲ ቀዳማይ ምስክርነት እነቕርበሉ ስፍራ ከምዝኾነ የዘኻኽረና። ንኣኡ (ንጐይታ) ምጥማት እንተድኣ ንፈልጥ ኰይናን ብኣኡ ንኽንጥመት ምስ እንፈቅድን ቤትና እምነት ዝመሓላለፈሉ ቤተ እምነት ይኸውን እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰዓ ዓንቀጻ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ቅድስቲ ማርታ፥ ኣገዳስን ፍርሒ ዝስዕር ኢየሱስን
20 April 2020, 21:33