ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ (መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን) ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ (መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን) 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ለበዳ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ድኻን ሃብታምን ዘይፈልይ እዩ፡ ስለዚ ምስሉይነት ወይ ግብዝነት ንምቅዋም ዝዕድም ይኸውን፥ ናይ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምስሉይነት ኣዚዩ የሰክፈኒ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ድላይ ዘለዎም ይመስሉ፡ ብዛዕባ ስእነት መግቢ ኣብ ዓለም ይዛረቡ በቲ ሓደ ሸነኽ ኣጽዋር ውግእ የምርቱ

ኣብዚ ብኮቪድ 19 ምኽንያት ተኸሲቱ ኣብ ዘሎ ቅልውላው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለታዊ ሕይወቶ እንታይ ይመስል? ንድህረ ለበዳ  ኮቪድ 19 ከመይ ክንቀራረብ ይግብኣና ትብሉ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ዘማእከለ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነዚ እዋን ለበዳ ብኸመይ ይነብርዎ ኣለዉ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፥ ብጠቕላላ እቲ  ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ሓዋርያውያን ቤት ምሕደራ መዋቕራት ካብ ዕዮኡ ኣይቦኸረን፡ ርግጽ እዩ ማሕበራዊ ምቅርራብ ክህሉ ስለ ዘይብሉ፡ ስራሕተይናታት ኣብ ኣባይቲ ጽሕፈት መዋቕራት ኩሪያ ሮማና እናተበራረዩ ክዓዩን መብዛሕቲኦም ከኣ በቲ ተበጺሑ ዘሎ ብስነ  ኣሃዝ ዝተራቐ መጋበርያታት ብምጥቃም ካብ ቤቶም ኰይኖም ስርሖም የሳልጡ፡ ስለዚ ዝባዝን ሓደ’ኳ የሎን።

“ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ እጽልይ፡ ክገብሮ  እውን ዘሎኒ እዩ፡ ንሕዝቢ  እሓስብ፡ እዚ እዩ ኣዚዩ ዘተሓሳስበኒ፡ ንሕዝቢ ምሕሳብ ካብ ኢጐነት የላቕቐኒ፡ ከም ናይ ሮማ ጳጳስ፡ ነቲ ዘሎ ህልው ኵነትን ነቲ ድህረ እንብሎ እዋንን እውን እሓስብ፡ እቲ ድህረ እንብሎ ብዓንተውኡ ዘሕዝን ፍጻሜ ከምዝኸውን ርዱእ ምዃኑ ነስተዕሎ ኣሎና፡ ስለዚ እቲ ድህረ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ። እንታይ ይኸውን ዘይኰን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዝጽለው ከምዝኸውን ርዱእ እዩ፡ ስለዚህ ኣብቲ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቲ ድህረ ኮቪድ ዝብል ኩነት ኣማእኪሉ ዝዓዪ ድርገት ከምዝቖመን እዚ ድርገት’ዚ እውን ምሳይ ኣኼባታት የካይድ” እንክብሉ ይሕብሩ።

እቲ ኣዚዩ  ዘሰክፈኒ ክጽሊ እንከለዅ ዘስተውዕሎ፡ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ከመይ ገይርና ከነሰንዮን ቀረባኡ ክንከውንን ዝብል እዩ፡ እዚ እዩ እቲ  ብውሕዘት ምስማዐ ርእየት ዝመሓላለፍ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ናይ ዘዕርጐ መስዋዕተ ቅዳሴ ትርጉም፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘካይድኵዎ መደባትን እቲ ዕለት 27 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግክዎ ጸሎት እውን ከምኡ። ምስቲ ዘሎ ህልው ኵነታት ተተሓሒዙ እውን ዝርአይ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን ሕማምን ብቐረባ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ብምክትታል ሓገዝ የቕርብ፡ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ይተሓበር፡ ነዚ እዋን’ዚ ብዘይ ርጉጽነት ዝነብሮ እውን እንተዀነ ብዙሕ ምህዞን ምብልሓትን ይሓትት።

. . .  ሕዝቢ እቲ ዝጓስዩ ቀረባኡ  ክኸውን እዩ ዝደልይ፡ ብርግጽ እቲ ኽከውን ዘለዎ እውን ንሱ እዩ፡ ቀረባ ምዃን፡ ገዛእ ርእሱ ምእንቲ መጓሰይ ክስውእ ስንድው ዝኾነ ጓሳ፡ ክርስቲያናዊ ብቕዓት ምህዞ ሓደስቲ ምዕዳወ ዘርህውን ሓደስቲ መስኮት ዝኸፍት ክኸውን ኣለዎ፡ . . . ሕዝቢ ቅርበት ዝጓስዮ ይደልይ፡ ብማዕዶ ዝጓስዮ ኣይኮነን ዝደልይ።

ነቲ ሕጂ ዝዀነ ህሞት ጽባሕ እናማዕደኻ ምክንኻን የድሊ፡ ጽባሕ ብውሽጡ ዘይብሉ ህልው ኩነት የልቦን፡ ሕዳሴ ከምዝህሉ ግምት ብምሃብ . . .

ኣስዒቦም እውን ነቲ  ብዛዕባይ መንግስታት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላዊ ንምብዳህ ዝህብዎ ዘልዉ መልሲ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ቅዱስነቶም ክምልሱ እንከለዉ፥ ገለ ገለ መንግስታት ኣብነታዊ ስጉምቲ እዮም ወሲዶም፥ ሕዝቢ ንምክልኻል፡ ይኹን ደኣ እምበር ንፍተው ኣይንፍተው ኩሉ ኣብ ኤኮኖሚ ዘተኰረ እዩ ዝመስል፡ ካልእ ኵሉ ንቁጠባዊ ዓለም መስዋዕቲ ክኸው እዩ ዝግበር ሕይወት ከይተረፈ፡ . . . ገና ድቂ እንከሎ መን ይወለድ ኣይወለድ ዝብል ሕርያ፥ ናይ ዳርዊን ነቢብ! ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክሳብ ምሃብ ዝብል ሕርያ፥ ብሕጊ ዝተደገፈ ድዩ ብሕቡእ ዝፍጸም፡ ብዕድመ ዝደፍኤ መድሃኒት ዘድልዮ ክነሱ ክሳብ መዓዝ ምሃብ ዝብል ደረት ምግባር፡ ከበድ ገርካ ብምርኣዩ ዝወሃቦ ክንክን ብምቍራጽ ምስንባቱ ይሓይሽ ዝብል ተግባር፡ ቢሉ ዝውስን።

ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ስብኣዊ ሕይወት ዝርእስቱ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም፥ብዙሓት ሓዋርያዊ ግብረ ኖላዉያን ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ  ነቢያዊ ሓይሊ ዘየስተውዕሉ ኣብ ዙሪያ ጽንሲ መቖጻጸሪ መድሃኒት ኣብ ዝብል ሕቶ ወይ ጉዳይ ጥራሕ እዮም ኮለል ዝብሉ ዝነበሩ፡ . . .  እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ነቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓድሽ ማቱሳላማዊ ምንባር እዩ ዘማዕድው ዝነበረ፡ እዚ ከኣ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ፡ ስለዚህ ሕይወትን ዕድመ ምስ ብቕዓት ምህርታውነት ወይ ኣፍራይነት ዝተተሓሓዞ ኰይኑ፥ ጓሓፋይ ባህሊ ክተኣታተው እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ (ምንጻግን ምንጻልን ከም ጓሓፍ ምርኣይን) . . .  ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝራእናዮ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ምኽንያት ማእለያ ዘይብሉ መቐበል ኣጋይሽ ጥርሑ ዝእንገድ ሰብ ኣብ ዘይብሉ እዋን ኣብ ላስ ቨጋስ ነቶም ቤት ኣልቦ ዝዀኑ ዜጋታት ኣብ ደገ ሰጣሕ ኣብ መዓርፎ ማካይን ክእለዩ እዩ ዝግበር ዘሎ፡ እቲ ዘገርም ሓደ ቤት ኣልቦ ጐደና ሓደር ዜጋ ናብ መቐበል ኣጋይሽ ክኸዱ ኣይክእልን ማለት ድዩ? እዝ እዩ እቲ ሕይወት ከም ጓሓፍ ዝርእይ ባህሊ፥ ዝንጽልን ዝነጽግን።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣነባብራና ኣብ ሕቶ ዘእትውን መሓድሮኣውን ኤኮኖሚያውን ከም ማሕበረሰብ እውን ምልዋጥ ዝጠለብ እዩ ትብሉ ዶ? ቅዱስነቶም፥ “እግዚኣብሔር ይምሕር ሰብ ሳሕቲ ተፈጥሮ ብጥራሽ” ዝብል ስፓንሻዊ ብሂል ጠቒሶም፡ ብኸፊል ዝተኸስቱ ዕንወት ጽን ኣይበልናዮምን ንኣብነት እቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተኸስተ ሰደብ ባርዕ ሓውን ስርበት በረዳዊ ከባቢ ዓለምን፡ ንኣብነት ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ሓንቲ መርከብ ስሜናዊ ዋልታ ከምዘቋረጸት ይንገር፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ በረድ ከምዝሰረበ እዩ ዝሕብር፡ ብዛዕባ ምዕልቕላቕ ማይ መን እዩ ዝዛረብ? ተፈጥሮ ሕነ ይፈድይ ኣሎ እንዲዒ ዝፈልጦ ኣይኰነን፡ ተፈጥሮ ዝህቦ መልሲ ምዃን ግን ርግጸይና እየ።

. . .  እንደልዮ ጥራሕ ኢና እንዝክር፡ . . . ውግእን ወረ ወግእን ዘውረዶ ዕንወትን ህልቂትን . . . በነዲክቶስ መበል 15 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክይኽሰት ክንደይ ዘይጸዓሩ፡ ኣብ ረዲፑሊያ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምብጻሕ ኣክይደ ኣብቲ ናይቶም ናይ ዝወደቑ - ዝተሰዋኡ መካነ መቓብር እስማቶም ዝተጻፈሉ ናይ መቓብር ስፍራ . . . ከምቲ  ኣብ ከተማ ኣንዚዮ ዘሎ ናይ ስሜን ኣመሪካ ዜጋታት ወትሃደራት ናይ መቓብር ስፍራ፡ እዚ ኩሉ ተሓሊፉ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ህዝብነት ዘቃልሑ ፖለቲካዊ መደረታትን ውሳኔታትን ክትሰምዕን ክትርእን ኣብ 1933 ዓ.ም. ሂትለር ዘስምዖ ዝነበረ መደረ ምዝካሩ ከቢድ ኣይከውንን፡ . . . ዝለዚህ ተዘክሮ ምጥፋእ ኣየድልን፡ ተዘክሮ ኣንድሕነሉ እዋን እዩ፡ . . . ናብ ዝኽሪ ምምላስ ወሳኒ እዩ!

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ድኻን ሃብታምን ዘይፈልይ እዩ፡ ስለዚ ምስሉይነት ወይ ግብዝነት ንምቅዋም ዝዕድም ይኸውን፥ ናይ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምስሉይነት ኣዚዩ የሰክፈኒ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ድላይ ዘለዎም ይመስሉ፡ ብዛዕባ ስእነት መግቢ ኣብ ዓለም ይዛረቡ በቲ ሓደ ሸነኽ ኣጽዋር ውግእ የምርቱ፡ እዋኑ ካብ ምስሉይነት ምልዋጥ ዝብል እዩ፡ ናይ ስኒት ግዜ እዩ፥ ወይ ስኑያት ምዃን ወይ ከኣ ጥፍኣት እዩ ዝኸውን፡ ብዛዕባ ምልዋጥ ሓቲትካኒ፡ ቅልውላው ሓደጋ እዩ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ዕድል እውን እዩ፡ . . .  ካብቲ  ኣህላኽነት ዝብል ገለ ገለ ኣገባባትና ምልቓቕ የድሊ (ይሴባሕ, 191 ረኣ)፡ ተፈጥሮ ምስትውዓልን ምስትንታንን የድሊ፡ ምስ ጭቡጥ ከባቢና ምርኻብ የድሊ፡ እዚ ንምልዋጥ (ንምምላስ) ዕድል እዩ። . . . ካብ ፈሰስ ኤኮኖሚ ናብ ሰብ ምምላስ የድሊ፡  . . . ተፈጥሮ ካብ ምዕማጽ ናብ ምስትንታ ምልዋጥ፡ . . . ነቲ ዘጥፋእናዮ ናይ ምስትንታን ብቕዓት መሊስና ምርካቡ የድሊ።

ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ድኻታት ኩሉ ግዜ ምሳኹ ኣለዉ ይብል፡ ሓቂ እዩ። . . . ምርኣዮም ካባና እዩ፡ ሎሚ ድኽነት ዘሕፍር ስለ ዝዀነ እቲ ዘይብሉ ስለ ዝሕባእ ኣይትርእዮን ትኸውን እዚ ማለት ግና ድኻታት የለዉን ማለት ኣይኰነን፡ . . .  ኣብዝ ኵሉ ተወሺብሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ሓደ ሓለዋ ጸጥታ ኣብ መገዲ ንሓደ ሰብ ይረክብ እሞ ኪድ ናብ ቤትካ ኣብ ደገ ክትከው ኣይፍቐድን እዩ ይብሎ፥ እቲ ሰብኣይ ከኣ ቤተ ይብለይን እብ ጐደና እየ ዝነብር እንክብል ይምልሰሉ . . . ኣልቦ ቤትነት ክህልዉ ዝግብኦ ሓደ ናይ ከተማታትና ነገራት ገይርና ኢና እንሓስቦም፡ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ ትርእዮም ስለ ዝነበረት ናይ ምልዋጥ ጐደና ተኸተለት።

ድኻታት ምርኣዮም ሰብኣውነቶም ንኽምለሰሎም ምግባር ማለት እዩ፡ ግኡዝ ነገራት ወይ ውን ጓሓፍ ኣይኰኑን፡ ልክዕ ከምቶም ፈቐዶ እንረኽቦም እንስሳታት እተቕርበሎም ድጋፍ ኣይኰኑን ሰባት እያቶም፡ . . . ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብ ንሰብ ንእንስሳ ዝወሃቦ ኣተኵሮ ዝበለጸ ይመስል።

ትሕት ምባል የድሊ . . .  ብጽቡቕ መታን ክትርእይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ካህናትን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ወለንተይናታትን ገዳማውያንን እንነብረሉ ሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋል ገዛእ ርእሶም ይሰውኡ እውን ኣለዉ፡ ኣብ ምግልጋል ዝተሰውኡ . . . ።

ኣብ መንጐ ዝሕደግ ተኣምር የሎን . . .  እዚ እንነብሮ ዘሎና እዋን ናይ ምልዋጥ እዋን እዩ፡ . . .  ምስ በሉ ብዛዕባ ተቕዋምነት ቤተ ክርስቲያን ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ቤተ ክርስቲያን ተቛም እያ ተቕዋም ዝገብራ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ . . .  ቅዋሜኣ ንሱን ኣብኡን እዩ፥ ናጻ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ እዚ ማለት ግና ስርዓተ ኣልቦነት ማለት ኣይኮነን፡ ናጽነት ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ . . . ብዛዕባ  እዚ ዝትንት እቲ ዝለዓለ ናይ ቲዮሎጊያ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት እዩ ምስ በሉ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው እዚ ዓይነት ምስትውዓል ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን እያ ፈንጺጋ ክትወጽእ ዘልዋ። . . .  ተቕዋምነት ቤተ ክርስቲያን ንድሕነት ነፍሳት ዘገልግል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ . . . ናይ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ናብ ኣሕዛብ እተብጽሕ፡ ነዚ ንምፍጻም ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ኣለዋ።

ኣብ መወዳእታ ብምኽንያት ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ እቲ ምውሻብ ብኽመይ ትነብርዎ ኣሎዅም? እዚ ፍልይ ዝበለ ፋሲካ እውን? ነቶም ኣብ በይናውነት ዝርከቡ ኣረጋውያንን ከምኡ እውን ንዝተወሸቡ ኵሎም መንእሰያትን ነቲ በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናብ ድኽነት ዘንቆልቅል እንታይ መልእኽቲ እዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ጽሞናን ምርሕሓቕን . . . ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ብደቃቶም ዘይብጽሑ . . . ብዙሓት ኣብ በይናውነትን ተጠንጢኖምን ተራሒቖምን ይነብሩ! ኣረጋውያን ኣናስር እያቶም፡ ሱር ካብ ምዃን ኣይቦኸሩን፡ እቲ ኣብ መንጐ መንእሰይን ኣረጋውያንን ዘሎ ውጥረት ብምርኻብ እዩ ክንበር ዘለዎ፡ መንእሰይ ክዕንብብ ሱር የድልዮ፡ እቲ ሱር ኣረጋውያን እያቶም፡ እቶም ኣረጋውያን ዝሓልሙ ክዀን ይግባእ ከምቲ ዮኤል ኣብ ምዕ. 1 ፍቕዲ 3 ከም ዝብሎ፡ ንመንእሰያት ንቕድሚት ጠምቱ ነቢያት ኩንን ዝብል መልእኽቲ እየ ከመሓላልፈሎም ዝደልይ፡ ሕልምታትኩም ምስ ናይ ኣረጋውያን ሕልሚ ኣራኽብዎ፥ ናይ ኣረጋውያን ሕልሚ ምስቲ ትንቢትኵም ኣነጻጽርዎ ይብል ዮኤል፡ ከምቶም ዝደኸዩን ድኻታትን ምዃን . . .  ሓላይን ጠበቓን እቲ ናቶም ጸገም ናትካ ምግባር የድሊ።

ኣብ መወዳእታ ቪርጂሊዮ ኣብ ትሮያ ንኤነኣ ዘጋጠሞ ስዕረት ክዛረብ እንከሎ፡ ኤነኣ ኩሉ ምስ ሰኣነ ካብቲ  ዘጓነፎ ጸገም ንኽላቐቕ ክልተ መገዲ ከምዘለዎ ይሕብር፡ እቲ ቀዳማይ ብዘጋጠሞ ስዕረት ምኽያት ተኾዲሙ ክበክን ወይ ሕይወት ከጥፍእን ወይ ከኣ ካብ ውግእ ንኸምልጥ ኣርሒቝ ናብ ጐቦታት ምኻድ እዩ፥ . . .  እዚ እዩ ናይ ኩላትና መልሲ ክኸውን ዘለዎ ናይ ባህልና ኣናስር ሒዝና ምብራኽ እዩ፡ ናብ ላዕሊ ናብ ጐቦ ምድያብ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 April 2020, 15:57