ር.ሊ.ጳ.፥ ነዚ ናይ ስቓይ እዋን ሓደ’ኳ ንውልቃዊ ረብሓ ከይምዝምዞ!

“ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓደግካኒ” ዝበሎ፥ እቲ ንጹሕ ዘቕርቦ ሓገዝ ዝሓትት ገዓር፥ “ኣምላኸይ ካባይ ኣይትርሓቕ፥ ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎ፡ ዝሕግዘኒውን የልቦን እሞ፡ ካብይ ኣይትርሓቕ . . . ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽን ሰብን ብህዝቢ እናተናዕቀን እየ እምበር ሰብሲ ኣይኰንኩን”

ዕለት 4 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እቲ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ዝመሓላለፍ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኣብዚ ጽንኵር እዋን እግዚኣብሔር ፍትሓውን ቅኑዕን ተግባር ክህልወና ዘብቅዕ ሕልና ክጽግወና ከምዝጸለዩን፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ካብቲ ንእሽተይ ደሓር ግና እናዕበየ ዝሰፍሕ ናብ ሓጢኣት ዘውድቐ ደሓር ቅቡል ካብ ዝኸውን ፈተና ንጠንቀቕ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ራብዓይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ቀዳም ናይ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ መኽፈቲ ጸሎት ካብ መዝሙረ ዳዊት 21 (22) ዘወስደ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ኣብ ወንጌላውያን ዝድገም ኢየሱስ ኣብ መስቀል፥ “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓደግካኒ” ዝበሎ፥ እቲ ንጹሕ ዘቕርቦ ሓገዝ ዝሓትት ገዓር፥ “ኣምላኸይ ካባይ ኣይትርሓቕ፥ ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎ፡ ዝሕግዘኒውን የልቦን እሞ፡ ካብይ ኣይትርሓቕ . . . ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽን ሰብን ብህዝቢ እናተናዕቀን እየ እምበር ሰብሲ ኣይኰንኩን” ዝብላ ቃላት ደጊሞም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ገሊኣቶም ንውልቃዊ ረብሓ መመዝመዚ ከይጥቀምሉ ቢሎም ጸሎት የቕርቡ።

እብዚ እዋን ብርቱዕ ናውጽን ስቓይን መከራን ብዙሓት ሰናይ ተግባር ንምፍጻም ይነቓቕሑ፡ ይዅን ደኣ እምነር ነዚ ናይ መከራ እዋን ንናይ ውልቃዊ ርብሓኦም ክምዝምዝዎ ዝደልዩ ኣይሰኣኑኑ፡ ምእንቲ’ዚ ጐይታ ፍትሓውን ቅኑዕን ኣገባብን ጠባይ ንኽህልወና ዘብቅዕ ሕልና ክጽግወና ንጸልይ

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ። 11 ካብ ፍቕዲ 45 – 56 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ሊቃውንትን መምሃራን ሕግን ሊቀ ካህናትን ብዙሓት ናብቲ ዝነብርሉ ዞባ ይውሕዙ ስለ ዝነበሩ ይጭነቝ፡ ቅድም ክብል ዮሓንስ ዘጠምቕ ነቢይ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ኣየሳቐሎምን ይሓድግዎ . . .  ደሓር ግና እቲ ብዮሓንስ መጥመቕ ዝመጽእ ተባሂሉ ዝተመልከተ ኢየሱስ ይመጽእ፡ ምልክት ከርእይን ተኣምራት ክፍጽም ጀመረ፡ ብፍላይ ከኣ ንሕዝቢ ይዛረብን ቃሉ የስምዕን ሕዝቢ እውን ይቕበሎን ይርድኦን ስለ ነበረን እዚ ግበር እቲ ኣይትግበር ዝብል ትእዛዝ ክጥሕስ ይረእዩ፡ እዚ የቕዕጦዖም፡ “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ” (ዮሓ. 11. 47-48) ከምዚ እናበሉ ኣያቶም ኣብ መንጐኦም ዝዘራረቡ ዝነበሩ . . . ክፍትንዎ እውን ደለዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ መጻወዲያ ነኽእትውዎ ቢሎም “እታ ሸውዓተ ሳዕ ዝተመርዓወት ሸውዓተ ዘእተውዋ ኣብ ትንሳኤ ናይ መኖም ክትከውን እያ” (ሉቃ. 20,33) ቢሎም ይሓትዎ በቲ ኢየሱስ ዝህቦም መልሲ ሓፊሮም ርእሶም ኣድኒኖም ይኸዱ፡ . . .  ብዛዕባ እታ ኣመንዝራ እውን ከምኡ “እቲ ካባኻትኵም ሓጢኣት ዘይብሉ እታ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርብየላ . . .  (ዮሓ. 8,7) . . .  ምስ በሎም ርእሶም ኣድኒኖም ከዱ፡ እዚ ዅሉ ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለ ዘይኰነሎም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ሓደጋ ንኸውርዱ ክመያየጡ ጀመሩ፡ ገለ እንተዘይገበርና እዚስ ዝኸይድ ኣይኰነን ዳርጋ ይበሃሃሉ፡ ከትሕዝዎ ድማ ወተደራቶም ይሰዱ . . .  እቶም ወተሃደራት ተመሊሶም “እቲ ንሱ ዝብሎ ቅድሚ ሕጂ  ብሓደ’ኳ ዘይተነግረን ዘይተበሃለን ምስ በልዎም ተቖጢዖም ንስኻትክም ውን ዶ ተታለልኩም . . .

ደሓር እውን ነልኣዛር ካብ ሞት የተንስኦ እዚ ድማ ምስ ተሰምዔ . . . ብዙሓት ካብ ይሁዳን ካብቲ  ኵሉ ነቲ ዝተፈጸመ ንኽርእዩ ናብ ቤት ኣሕዋት ኣልኣዛር ይኸዱ . . . ብዛዕባ ኢየሱስ እውን ይዛረቡን የዕልሉን እቶም ናይ ሕጊ መምሃራንን ሊቃውንትን ሊቀ ካህናትን ግና ዝገብርዎ ምስ ሰኣኑ ንጉባኤ ይቕመጡ፥ . . .  ሱቕ ቢልና እንተሓደግናዮ ብዙሓት ኣብኡ ክኣምኑ እዮም ስለዚህ እንታይ ንግበር ተበሃሃሉ . . . ሓደ ካብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ኵሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህብዚ እንተ ሞት ከም ዚሔሸና ከቶ ኣይትሓስቡን ኢዅም በሎም” . . .  እዚ ብሓቂ ትንቢት ኣውን እዩ ነይሩ፡ ሓደ ምእንቲ ድሕነት ኵሉ ክሓልፍ . . .

እቲ ዝመርጽዎ መገዲ ከኣ ክጠፍእ ምግባር እዩ፡ . . .  እቲ እቶም ሊቃውንትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ዝብልዎን ዝሓስብዎን ፈተና ኣባና ከመይ ከምዝዓዪ ዘርእይ እዩ፥ ድሕሪ እቲ ንኢየሱስ ንምጥፋእ ዝብል ድላይ ዲያብሎስ ኣሎ፡ . . . ሓጢኣት እውን ኣባና  ቀስ እናበለ መጀመርያ ከም ሓሳብ ደሓር ሚሳል እናዀነ እናዓበየ ይኸይድ፡ ካብና ሓሊፉ ክላባዕ እውን ይጅምር፡ ደሓር ናይ ኩሉ ይኸውን፡ ናይ ኵሉ ስለ ዝዀውን እውን ርትዓውን ምኽንያታውን ቅቡልን ተባሂሉ ይሕሰብ፡ . . .

ኣብ ሓጢኣት ክንወድቕ እንከለና ናብ ጐይታ ብምኻድ ምሕረት እዩ ክንሓትት ዝግብኣና . . . ናይ ኢየሱስ ሕይወት ኵሉ ሳዕ ንዓና ኣብነት እዩ፡ እቲ ኢየሱስ ዘጓነፎ ሎሚ ንኣና እውን ዘጓንፈና እዩ፡ ፈተና ኣሎ . . . ድሕሪ ዝዀነ ይዅን ዝፍጸም ሓጢኣት ካብ ርሑቕ ብንእሽተይ ዝጀመረ ፈተና መሰረት ዝገበረ እዩ፥ ኣይንረስዕ እዚ እናዓበየ ናይ ኩሉ ይኽውን ናይ ኵሉ ምስ ኮነ ምክንያታውን ቅቡልን ይኸውን፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ምስትዓውል ክጽግወና ንለምኖ ቢሎም ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም . . .

ቅዱስነቶ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥

ኢየሱስ ኣብዚ ኣብ መንበረ ታቦት ኣብ ዘሎ ቅዱስ ቍርባን ህልው ምዃንካ እኣምን፡ ልዕሊ ዝዀነ ኵሉ አፍቅረካን ኣብ መፍነስይ ሃረር እብለካን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክቕበለካ ስለ ዘይክእል ብምፈስ ናብ ልበይ ምጻእ!

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥

ንግሰተ ሰማይ ሰላም ንዓኺ፡ ናይ መላእኽቲ ንግስቲ ሰላም ንዓኺ መሰረትን ማዕጾን ድሕነት ናብ ዓለም ብርሃን ኣብጽሒ፡ ባህ ይበልኪ ዝኸበርኪ ካብ ኩለን ኣስንቲ ዝጸበቕኺ፡ ሰላም ንኣኺ ኦ ኵለንትናኺ ቅድስቲ፡ ምእንታ ንኽርስቶስ ጐይታ ጸልዪ!

ዝብል ጸሎት ደጊሞም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም።

04 April 2020, 16:29