ር.ሊ.ጳ.፥ ትሕቲ ጽልዋ ጽግዕተይናነት ዘሎ ምድጋፍ ነቲ ናይ መርበብ ሓበሬታ ጽግዕተይና እውን

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ እቶም ናይ ዕጸ ፋርስን ናይ ጸያፍ ኣሳእልን ብመርበብ ሓበሬታ እውን ናይ ዝዝርጋሕ ምናባዊ ጸያፍ ኣሳእልን ናይ ኣልኮላዊ መስተን ዝተፈላለዩ ዓይነት ግብረ ምጥላዕን ጽግዕተይናታት ዝዀኑ ኵሎም ክጽለይ ከምዘተሓሳሰቡ፡ ከምቲ ልሙድ ነዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ይጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝዝርግሕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መረብታዊ ማሕበር ብወግዒ ከምዘፍለጠ ልእኽቲ ጋዜጠይን ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ, ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኵሎም እቶም ትሕቲ ጽልዋ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ዝነብሩ ብግቡእ ሓገዝ ክረኽቡን ክስነዩን ንጸልይ”፡ እንክብሉ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣበጊሶም፥ ነቲ ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ዝገንን ዘሎ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝነብርዎ ናይ ዝተፈላለየ ወልፍታት ጽግዕተይና ናይ ምዃን ሳዕቤን ንዝተፈላለየ ሓደጋ የቃልዖም ከምዘን ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ናይ ብዙሓት ሕይወት ዝትንክፍ ሓደገይና ኵነት’ዚ ናይ ዕጸ ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ጽግዕተይና ዝዀኑ ጥራሕ ዘስተውዕል ዘይኮነ፡ ምጥላዕን ናይ ጸያፍ ኣሳእልን ምናባዊ ናይ ጸያፍ ኣሳል ዝምልከት ኩሉ ዘጠቓልል ምዃኑ ዘርዚሮም፥

ኣብ ናይ ምሕረት ወንጌል ተሞርኵይዝና ካብቲ ዝወደቕሉ ንኸነተንስኦምን ክንከናኸኖምን ካብቲ ሓደስቲ ዓይነት ዝኾኑ ወልፍታትን ከነሕውዮም ንኽእል!

ካብ ዓቐን ኣልቦ ኣጠቓቕማ ምጥንቃቕ

ብጀካ እቲ ዝረአይ ዝነበረ ናይ ዕጸ ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን ጽግዕተይናነት ኣብዚ እዋን እዚ ካልእ ሓደስቲ ወልፍታት ይረኣዩ ከምዘለዉ፡ እቲ ናይ ጸሎት ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ  ማሕበር ብምምልካት ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና፥ ብዛዕባ ናይ መርበብን ናይቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ሓድሽ ናይ ኤድ ተለፎን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማን ጽግዕተይና ናይ ምዃንን ልምድታት ይሰፍሕ ኣሎ እንክብል ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ፥ እቶም ሓደስቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቑ መጋበርያታት ንብዙሕ ሰናይ ተግባር ዝጠቕም ክነሱ ብዙሕ ንሓደጋ ጽግዕተይናነት ዘቃልዕን ኣብ ልዕሊ ጥዕና ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ይኸውን ከምዘሎን፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ኣጠቓቕማን ንናይ ጸያፍ ኣሳእልን ካልኦት ዝተፈላለዩ ተግባራትን ዝሰፍሓሉ እናዀነ ናይ ብዙሓት ጥዕናን ሕይወትን ንከቢድ ሓደጋ የቃልዕ ኣሎ፡ እዚ ኣልቦ ዓቐን ዝዀነ ኣጠቓቕማ’ዚ ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን ርክባት ባህርይ ከቢድ ማህሰይቲ  የስዕብ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣባ ፎርኖስ፥ ተመኵሮ ድሕነት ብእግዚኣብሔር ምክፋል

ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ዝወደቑ ንምድሓንን ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ብዙሓት ማሕበራት ግብረ ሰናይን ውድባትን ዝድገፉ ከምዘለዉ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ገሊጾም፡ ብሕውነትን ብምሕረትን ነቶም በዚ ሓደጋ ጽግዕተይናነት ዝተጠቕዑ ንምድሓንን ምስ ኢየሱስ ንኽራኸቡን ተመክሮ ድሕነት ብእግዚኣብሔር ከስተማቕሩን ናቶም ተመክሮ ክኸውን ምግባር ዝከኣል እዩ፡ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ሓደ ባሕታዊ ኣበው ኣባ ኤቫግሪዮ ፖንቲኮ፥ ዳህሳሲ መንፈስ ተባሂሎም ዝግለጹ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናይ መንፈስ ሕማማት፡ ህይወት ስሩዕ ክኸውን ብምድጋፍ ናብቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝዀነ ጐይታ ምምራሕ ብዝብል ኣገባብ ይፍውስ ከምዝነበሩ ገሊጾም፡ እዚ መንፈሳዊ መገዲ’ዚ ናይ ፈውሲ መገዲ እዩ ይብሉ።

03 April 2020, 16:07