ፍራንቸስኮ፡ ድሕረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብሓባር ውልደት ተስፋ ፍራንቸስኮ፡ ድሕረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብሓባር ውልደት ተስፋ 

ፍራንቸስኮ፡ ድሕረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብሓባር ውልደት ተስፋ

“ኣዝቢ ኩሉ ኩነት እዚ ክንመሃሮ እንኽእል ጉዳይ እንተሎ፥ ሓደ’ኳ ንበይኑ ክድሕን ከምይዘክእል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ብረቒቕ ተኣፋፍያን ምዃና ኣብ ዘስተርእይ እዋን፡ ዶባት ይዓንዉን ፈላላይ መናድቕ ሃደሽ ይብሉን ኩሉ መሰረታውያን እንብሎም መደረታትና ይበንኑ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድህረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ - 19 ዝብል ካብ ጥልቂ ኣስተንትኖ ዝነቐለ ናይ “ትንስኤ መርሓ ግብሪ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ምዕዳን ዕለት 17 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. “ቪዳ ኑወቫ - ሓድሽ ሕይወት” እተሰመየ መንጽሔት ንንባብ ከምዘብቀዖን ቅዱስነቶም ናብቲ መጽሔት ዘመሓላለፍዎ ሰፊሕ ኣስተንትኖ እቲ ናይ ስቓይ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ለብዒ፡ ክብሪ ስድራ ቤት ንኽረክብን ምትሕብባርን ዝብል ሓይሊ ዳግም ንኽንረኽብን እንነብረሉ ዓለም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ንኽንርእዮ ይገብር ከምዘሎን፡ ንስቓይ ሕቖና ሂብና ታሪኽ ዳግም ንኽንጽሕፍ ከምዘይግብእና ዘተሓሳስብ እውን ምዃኑ የብርሁ።

ፍራንቸስኮ፡ ድሕረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብሓባር ውልደት ተስፋ
ፍራንቸስኮ፡ ድሕረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብሓባር ውልደት ተስፋ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣፈት ናይ ኢየሱስ መቓብር ዝዓጸወ እምኒ ከቢድን ዓቢይን እዩ ዝነበረ፡ እተን ኣንስቲ ንጐሆ ንናይ ኢየሱስ ኣካል ቅዶት ክቀብኣ ይኸዳ ኣብቲ መቓብር ምስ በጽሓ እቲ ምኽንያት ሓሴት ዝኾነ ዘደንቕ ኩነት የጋጥመን፡ ከይሓሰበኦ ኢየሱስ ወጺኡ ከኣ ይራኸብን “ተሓጎሳ” እንክብል ሰላም ይብለን።

ናይ ፍጻሜ ቃል

“ኣብዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ መዓት ኣብ ስቓይ ኣብ እንርከበሉ እዋን ተሓሰዩ ቢልካ ንሓጐስ ምዕዳም ዘቖጥዕን ወይ ከኣ ካብ ኩነት ወጻኢ ዝኾነ ጭርቃን ክመስል ይኽእል”፡ እቲ ኮቪድ-19 ተህዋስ ዘየናሕስይ ስቓይን ሞትን ኣብ ዘስዕበሉ ዘሎ እዋን፡ ቅዱስነቶም ነዚ ብምስትውዓል እውን ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ወንጌል ብዛዕባ ትንሳኤ ካብ ዘዘንትዎ ታሪኽ ምብጋስ፡ “ድቁርናን ወይ ውን ሓላፍነት ዘይስምዓካ” ከምስል ይኽእል፡ ዓለም እቲ ከቢድ መዕጸዊ ኣፈት መቃብር መን ኮን ይኣልዮ ዝብል ሕቶ የቕርብ ኣሎ፡ ተስፋን መጻእን ዝቐብር ዝመስል ናይ ሓዘንን ስቓይን ስፍራ ተመሲሉ ኣሎ። ኣረጋውያን ንበይኖም ኣብ መወሸብን “ኣባይቲ ስድራ ኣብዚ እዋን ተወሸብ ንደቃቶም መግቢ ንምቕራብ ዝሰኣኖምን - ሰብ ሞያ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ሓላፍንትን ኣብ ጽዑቕ ዕዮ ኣብ ዝርከቡሉን፡ . . . እዚ ኹሉ ጸገም’ዚ ናይ ፍጻሜ ቃል ይመስል ይኸውን፥

“ኣዝቢ ኩሉ ኩነት እዚ ክንመሃሮ እንኽእል ጉዳይ እንተሎ፥ ሓደ’ኳ ንበይኑ ክድሕን ከምይዘክእል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ብረቒቕ ተኣፋፍያን ምዃና ኣብ ዘስተርእይ እዋን፡ ዶባት ይዓንዉን ፈላላይ መናድቕ ሃደሽ ይብሉን ኩሉ መሰረታውያን እንብሎም መደረታትና ይበንኑ”

ዝተባርከ ብልሓት

ኣብቲ “ኣብዚ የሎን፥ ተንሲኡ እዩ” ኣብ ዝብል እቲ ወንጌላዊ ወሓዚ ብስራት ቃል - ፍራንቸስኮ ናይ ጥልቂ ኣመክንዮ ወይ ውን ናይ እምነት ኣምክንዮ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቲ ድሕረ ኮቪድ - 19 ዝብል ናይ ዘቕረብዎ መርሓ ግብሪ ኣመክኖዮ ምኽኑ የመላኽቱ። ካብዚ ብስራት`ዚ እዮም እቲ ድሕረ ኮቪድ ዝብል መርሓ ግብሪ ዘንቀልዎ፡ እቲ ኣመክንዮ እውን ኣብኡ እዩ፡ ነቲ ናይተን ኣንስቲ ዝተባርከ ብልሓት፡ ንኹሉ ጸገም በዲሄን ናብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ክኸዳ ዝመረጻ፡ ኣብዚ ጽንኩርን ፈታትንን ከቢድ ብምኽንያት ኮሮና ተህዋስ ብዙሕ ስቓይን ሞትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ህሙማን ንኽፍውሳ ንኻልኦት ሕይወት ንኸረጋግጻ ዘገልግላ ዘለዋ የዘኻኽር።

ዘይምምራኽ

ብዙሕ እዋን ብዙሓት ናይ ተነጽሎን ዘይተገዳስነትን ለብዒ ኣደዳ ዝኾኑ፡ ኣብ ጽኩር ኩነት ዝርከቡን ዝቃለሱን ዘሰንዩናን ምድግጋፍን ምትሕልላይን ዘተሓሳስቡና እያቶም፡ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን እቶም ኣብ ምቕራብ መሰረታዊ መግባውነት ዝዓዩን ኣብ መሸጣ መግባውነት ዘገልግሉን ኣብ ጽርየት ዕዮ ዝዓዩን ዘበዓይነታትን ሓለዋ ጸጥታን ወለንተይናታትን ካህናትን ንደናግልን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን መምሃራንን ቅብኣ ቅዱስ ዝቐብኡ ንጠምት። ዝገብርዎ ዝነበረ ብዘይምቁራጽ ክገብርዎ ከምዘለዎም ዘስተውዓሉን ዘገልግሉን።

ምሹእ ግዜ

“እቲ ወሓዚ ናይ ትንስኤ ብስራት ነተን ኣንስቲ እቲ ዝገብርኦ ዝነበራ ቅኑዕ ዝኾነ ዕዮ እናፈጸማ እንከልዋ እዩ ዝበጽሔን፥ እቲ ሓዘን ዝተመልኦ ዝነበረ ኩነተን ይቕየር፥ እቲ ዘሰናደውኦ ዘይትን ቅዶትን ንሙት ኣካል ምዃኑ ተሪፉ ቅብኣ ሕይወት ይኸውን”፡ እታ ንእሽተይ ተስፋና ኣብዚ ህልው ኩነት’ዚ ንእሽተይ ርህወት ይፈጥር፡ ብዝተሓደሰ ጥማቶ ነቲ ህልው ናይ ስቓይ ኩነታት ንኸነስተንትን ይድርኸና፡ እግዚኣብሔር ሕዝብኻ ንበይኑ ኣይትሕደጐ፡ ወትሩ ምስኡ ኩን  ብፍላይ ስቓይ ኣዚዩ  ከቢድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን”።

ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ እዋን “ዝተመሃርናዮ ዓቢይ ነገር እንተሎ፥ ሓደ’ኳ ንበይኑ ክድሕን ከምዘይክእል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ክግመት ዘይከኣል ተኣፋፍያን ምዃና ኣብ ዘስተርእይ ከቢድ እዋን፡ ዶባት ይዓንዉን ፈላላይ መናድቕ ሃደሽ ይብሉን ኩሉ መሰረታውያን እንብሎም መደረታትና ከንቱ ምዃኑ የመላኽት፡ ስለዚህ ኣብዚ ጽንኩር ኩነት’ዚ ልልያ ምግብርን ኩሉ ናብቲ ጐይታ ዝደልዮ ናብ ሓድሽ ሕይወት ዘሰንይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ትርግታ ምርካብ እዩ ዘድሊ”፡ . . . እዚ ግዜ’ዚ ሓድሽ ተኸኣሊ ጭቡጥ ዝኾነ ወንጌል ጥራሕ ክህቦ ዝኽእል ርእየት ንኽህልወና ትብዓት እንረኽበሉ እዋን እዩ . . . ።

ታሪኽ ብትኽክል ምጽሓፍ

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ኮቪድ 19 ቅድሚ ብናይ ኣካል ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝብዳህ ብምትሕብባርን ብምትሕልላይን እዩ ክሰዓር ዘለዎ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ነቲ ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ህይወት ተቕዋም፥ “ለብዕን ኵላዊ ሕውነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ዘስመረሉ ሓሳብ ጠቒሶም ክኸውን እንከሎ፡ “ነቲ ዅሉ ጥሒልናሉ ዝነበርና ምትሃት ኩሉ ዝጸርግን ከም ብሓድሽ ናይ ሓባር ታሪኽ ሓደስቲ ተዋሳእቲ ክንከውን ይምህረና፡ ስለዚ ብሓባር ማእለያ ንዘይብሎም ብሚሊዮናት ንዝቑጸሩ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ንዝርከቡ ኣሕዋትና ኣሓትናን ንዘጥቕዕ መዓት መልስ ክንህበሉ የነቓቕሓና፡ ንናንይ ብዙሃት ስቓይ ሕቖና ሂብና ህልውን መጻእን ታሪኽ ክንጽሕፍ እንፈቅድ ክንከውን ኣይግባእን” ይብሉ።

ቅኑዕ መልሲ

“ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሳቕይ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እውን ይዅን ከም ሓደ ሕዝቢ ንርከብን በሓባር ንዓይን እንተድኣ ኮይንና ጭቡጥ ማሕታ ክህልወና እዩ”፡ እንነብረሉ ዓለም ዳግም ንኽውለድ ንዝሓቶ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ነቲ ዘቕርቦ ሕቶ ምልላይ፡ ብሓላፍነት ንምግጣም፡ . . . ነቲ ንብዙሓት ንሓደጋ ስእነት መግቢ ዘቃልዕ ጸገም፡ ንኹሉ እዅል መግቢ ከምዘሎ ብምስትውዓል መልሲ ንምሃብ ዝጽዕሩ ምዃን፡  ወይ ከኣ ብጽሞና ነቲ ኹሉ ንምቑጽጻርን ንምውናንን ንስልጣንን ካብ ዝብል ድላይ ዝነቕልን ውግእ እናረኣና ከምዘይረኣና ኮይናን ኮይንና ክንነብር ንደልይ? እቲ ንብዙሓት ናብ ድኽነት ዝድርኽ እንስዕቦ ኣገባብ ህይወት ክንቅይሮ ንደልን በቲ ብዘድሊ ዘበለ ጥራሕ ዓጊብካ ምንባር ዝብል ሓድሽ ኣገባብ ሕይወት ክንትክኦ ንድለይ? ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ እነውርዶ ዕንወት ከነወግድን ንደልይ ዶ? እቲ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ሎሚ እውን ብዙሕ ስቓይ የስዕብን ናይ ብዙሓት ሕይወት ንስግኣት ይዳርግ ኣሎ . . . እዚ ዅሉ ዝፍወስ ብፍትሕን ፍቕርን ምትሕብባርን እዩ።

ቅዱስነቶም፥ “ኣይንፍራሕ . . . ናይ ፍቕርን ተስፋን ስልጣነ ምንባር ናይ ስቓይን ፍርሕን ጓህን ፈውሲ እዩ፡ ዕለት ብዕለት ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ብዘይምቁራጽ ንሕነጽ፡ . . . እዚ ናይ ኵሉ ትውሳኤን ጻዕርን ይሓትት፡ ብሓደ ዝዓዩ ማሕበረሰብ ኣሕዋት ምዃን ይጠልብ” እንክሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ መርሃ ግብር ንድሕረ ኮቪድ - 19 ዛዚሞም።

ፍራንቸስኮ፡ ድሕረ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ብሓባር ውልደት ተስፋ
18 April 2020, 16:11