ናይ ጽሞና ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

“ወጅሀይ ድለዩ” ኣብ ቀድም እቶም ወጅሆም ብስቓይ ዝተበላሸወ ክንየው ዝኾነ ይኹን ቅድመ ፍርድታትን ፍርሕን ቀረባኦም ምዃን

ተላባዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክህሉን ኩሉ ኣብ ቤቱ ክውሸብን ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕለሉ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ መንፈሳውያን ነጋዶን ምእመናንን ባዶ እውን እንተመሰለ ብብርሃን ሽግን ብመስቀል ኢየሱስን በሪሁን ደሚቑን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመርሔ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዕለት 10 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ከምዝዓረገ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

Via Crucis – Via Lucis - ፍኖተ መስቀል - ፍኖተ ብርሃን፥ መስቀልን ብርሃንን ኣብቲ ብስቃይ ዝመውት ኢየሱስ ሰብኣዊ ፍጥረት ተወልደ፡ ሰማዕትነቱ ውሕስነት ዘለዓለማዊ ሕይወት ኮነ! ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መቓብር ስፍራ፡ ነቲ ዝዓረገ ፍኖተ መስቀል ድሕረ ባይታ ከምዝኾኖን፡ ባዚሊካን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ መንፈሳውያን ነጋዶን ምእመናን ክትርእዮ ዘይሕሰብ እውን እንተዀነ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምርሕሓቕን ኩሉ ክውሸብን ግድን ዝብል ብምዃኑ ባዶ እውን እተመሰለ ኣብ ትሕቲ መስቀል ኵላትና እቶም ዝተሰዓርናን ዝተነዓቕናን ሓያልን ኩሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ማዕረ ኮይኑ እዩ ዝቐርብ።

እግዚኣብሔር ድምጺ ናይቶም ዘይረኣዩ ሰማዒ

ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዶ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ቅዱስ ኣቦና ክሳብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንበር ዘምጽእዎ፥ እቲ ለብዒ ክብቕዕ ጸሎት ኣብ ዘዕረግሉ ዕለት 27 መጋቢት ድሕሪ መንበረ ታቦት ዝተነብረ ተኣምራዊ ቅዱስ መስቀል ስቑል ኢየሱስ ኣብቲ ፍኖተ መስቀል ዝተኻየደሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ከምእተነብረን፡  በቲ ፍኖተ መስቀልን መብራህቲ ሽግን ብመስቀለ ክርስቶስን ዝደመቐ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዶ እውን እንተነበረ ናይ ኩሉ ሕቶን ሓቅን ናብ መስቀለ ክርስቶስ ብዝጥምታ የዕንቲ ዝተመልኤ እዩ ዝነበረ።

እቲ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ሓሙሽተ ኣባይቲ ስድራ፥ እታ ሓንቲ ናይ መቕተልቲ ግዳይ ዝኾነት ስድራ ቤትን፡ ሓንቲ ኣቦኣ ሞት ይፍታሕካ ዝተፈርዶምን ሓንቲ ንኡሱራት ኣገልግሎት ሕንጸት እትህብን ሓደ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ጉዳይ ዝከታተል ዳይናን ወደን ዝተኣስረን ኣደን ሓንቲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህርን ሓደ ብዘይ ፈጸምዎ ዝተኸሱ ካህንን ሓደ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዘገልግሉ ወለንተይና ካህንን ሓደ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ኣባል ሓለዋ ጸጥታን እዞም ዝተጠቕሱ ኵሎም ኣብቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዝርከብ ዱወ ፓላዚ ኣብ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ምስ ናይ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቆምስ ብምትሕብባር ዘሰናደውዎ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ናይ ለምዘበን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሶዩም ኣብ እተሰምየ ኣደባባይ ዘይኮነ ካብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝርከብ ኣጥሪዩም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ከምእተፈጸመ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡  ኣብ ፍኖተ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ በቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ብዝርከቡ እሱራት ተሰንዩ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሕይወትን ሞትን ዘሎ ውጥረትን እቲ ዘይተርፍ ኣብ መንጐ ሰናይን ግብረ ክፋእን ዘሎ ምትሕልላኻት ይስትውዓል፡ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ብቫቲካን ቤተ መጻሕፍት ዝተሓትመ ኣብ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ፍኖተ መስቀል ናይ ኣስተንትኖ ሰነድ መቕድም ተመልኪቱ ይርከብ።

ናይቲ ኣብ ከተማ ፓዶቫ ዝርከብ ዱወ ፓላዚ ናይ እተሰምየ ቤት ምሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ማርኮ ፖዛን ኣብቲ ቤተ ማሕቡስ እተገልግል ወለንተይና ታቲያና ማሪያ ብሓባር ነቲ ናይ ኣስተንትኖ ሰነድ ካብቶም ዝተጠቕሱ ሰባት ዝኣከብዎ ተምክሮ ጠርኒፎም ዝሰናደውዎ እውን ምንባሩ ካፐሊ ኣዘኻኺረን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ጸሎት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ናይ ንብዓት ጸጋ

ነቲ መስቀል ዝስከሙ ናይ እዋንና ቀሬናውያንን ጴጥሮስን ባራባን፡ ሚኪኤለ እሱር መስቀል ኣብ ዝባኑ ዝተነብሮ ሎሚ ሓውዩ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕይወቱ ዘዘኻኽር ኣብ ዘቕረቦ ኣስተንትኖ፥ “ስቐሎ፡ ስቐሎ!”፥ ንሕልፈት ዝተፈርደ እሱር፥ (ኢየሱስ ሞት ከም እተፈርዶ)፡ እቲ ስቐሎ ስቖሎ ዝብል ሕዝቢ ዝጭርሖ ዝነበረ ድላይ ኣብ ልዕለይ እውን ዝሰማዕክዎ እዩ፡ ኣብ መስቀል ምውዓል ገና ካብ ንኡስ ዕድመይ ኣትሒዘ ዝነበርኵዎን፡ ኣብቲ ዝተሓረገ ሕጻንንዝነብሮ ዝነበርኵ ኵነት እዩ. . . ዝሓለፈ ሕይወተይ ብጽልኣት እዝክሮ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ካብ ዝኣትው 29 ዓመት አቑጽር ኣውን እሃሉ ሰብኣውነተይ ኣየጥፋእኵን . . .

ናይ ምንባዕ ኰነ ብዝፈጸምኵዎ በደል እውን ናይ ምሕፋር ብቕዓት ኣየጥፋእኵን ( . . . )  ሕይወት ካብ ምድላይ ኣይቋረጽኵን፡ ንጹሕ ክነሱ ሎሚ እቲ ከማይ ዝተፈርደ ኣብ ሕይወት ንኽድሕነኒ መታን ንምድላየይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይመጽእ”።

ቤት ማእሰርቲ ናይ ምድሓን ምኽንያት ከምዝኾነ ይነግር።

ፈጺሙ ዘይማረኽ ሕይወት

ከበድ ናይ መስቀል፥ ጓሎም ዝተቐተለቶም ወለዲ፡ “ሕህይወትና ብዙሕ መስዋእትነት ዝተነብሮን፡ ኣብ ስራሕን ስድራ ቤትን ዝጸንዔ። ኣብቲ ተስፋ ምቝራጽ ምስ ጐይታ ይራኸቡ፡ “ከም ሰብ ሓዳር ናይ ምፍቃር ጸጋ ዓደለና፡ ንሓድ ሕድና ኣብ ምድግጋፍ ኣበርተዓና . . .” ናይ ጓሎም ሕይወት ዝተመንዘዖም ሎሚ ነቲ ግብረ ክፍኣት ፈጺሞም ከይተማረዅ ነቲ ሕይወት ዝፈጥር ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንዝደልይ ርሁው ማዕጾ ዘለዎም ኮኑ።

  ንጸልይ

   ኦ እግዚኣብሔር

   ኣብ ናይ ሕይወት ደልሃመት ከነለልይካ መታን ተስፋኻ ኣብ ልባትና ኣውሕዝ!

ሞት ዝዀነ ምውዳቕ

ኢየሱስ ንፈለማ ግዜ መስቀሉ ተሰኪሙ እንከሎ ከምዝወደቐ፡ ናይ ኩላትና ጭንቀት ኣብ ዝባኑ፡ ካብ ሓደ ሰብ ሕይወት ምቕንጻል እቲ ዝዓበየን ዝኸፈኤን ኢፍትሓውነት እዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዓለም ሰናይ የሎን ቢልካ እውን ምሕሳብ ክትግምቶ ዘይከኣል ኢፍትሓውነት እዩ።

ኣብ ድኻምና ንኽትሕግዘና ነዓ ናባናን ነቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝተዘርኤ ናይ ፍቕርኻ ምልክት ንኸነስተንትን መታን ዝርእያ የዕንቲ ዓድለና!

ሴፍ ኣብ ልቢ

ነቲ መስቀል እናተበራረዩ ዝስከምዎ ካብ ዝነበሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መውሃቢ ክንክን ይጥዕና ካብ ዘገልግሉ ሓኽካይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዘተዋጽኡ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ተላባዒ ልበዳ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ኣብ ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝዋስኡ ዘለዉ እውን ከምእተሳተፉን፥ ናይ ካልኦት ስቓይ ዝትክፋ ኣእዳውን ናይ እዋንና ማርያም ክትብለን ዘከኣላ ወደን ዝተኣሰረን ኣደ ይብላ፥ “ወደይ ድሕሪ ዝተቐበሎ ፍርዲ ፈጺመ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣይጠንጠንኵዎን፡ ኢየሱስ ምስ ኣዲኡ ከምእተራኸቦ”፡ ከም ማርያም ሰይፍ ኣብ ልበን፡ ንብዙሓት ናይ እዋንና ማርያማት ዝውክላ፡ እዘን ወደን ዝተኣሰረን ኣደ እቲ ናይ  ወደን ኩነት ክሳብ ካብ ውሽጠን እስትንፋስ ዝገትእ ከምእተፈታተነን ይገልጸኦ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሓት ስምዖን ቀሬናውያን እውን ትረክብ፡ እሱራት መስቀሎም ኣብ ምስካም ናይ መስቀል ክበድ ዝካፈልዎም፡ ኢየሱስ ኣብ ልብኻ ክውለድ ዝግበሩ ሰባት - እሱራት ከጋጥሙኻ ዝከኣል እዩ። ናይ ሓሴት ቀሬናውያን!

ናይ ተስፋ ጠጥዒ

“ገጸይ ድለዩ” ኣብ ቀድሚ እቶም ወጅሆም ብስቓይ ዝተበላሸወ ክንየው ዝኾነ ይኹን ቅድመ ፍርድታትን ፍርሕን ቀረባኦም ምዃን። ሓደ ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውር ዝነበረ እሱር ገበነይና፡ መላእ ስድራ ቤቱ ንማእሰርቲ ዝለከመ፥ ክትገልጾ ዘይከኣል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዓቢይ ሕፍረት ዝስምዖ፡. . . “እቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኵሉ ሎሚ ምልስ ቢለ ክሓስቦ እንከሎዅ ምቕባሉ ይሰኣነኒ፡ ሎሚ ብዘሎኒ ልብን የዕንትን ክርእዮ እንከለዅ ምእማኑ ይሰኣነኒ”፡

ኦ እግዚኣብሔር ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዘይትሓድገና ድኻምነትና ደግፍ ካብ ናይ ክፍኣት ሰንሰለት ሓራ ኣውጽኣና፡ ዋልታ ኩነና፡ ንዘለዓለም ምሕረት ምታን ከነብስር!

ተስፋ ዝተፈናጨለ ኩሉ ጠርኒፉ ዝነበሮ ቅርጺ የቕውም

“ብዘይ ኣቦ 28 ዓመት አቑጽር ኣሎዅ” ነዚ ዝበለት ጓል ሓደ ሞት ይፍታሕካ ዝተፈርዱ ወላዲ ክትከውን እንከላ ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ኢየሩሳሌም፡ “ኢየሱስ ምስ ኣንስቲ ኢየሩሳሌም ይራኸብ፥ ኣቦይ ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እናተቐየረ እዩ ዝነብር በዚ ምኽንያት እውን ንኽትረኽቦን ክበጽሖን ደድሕሪኡ ኰለል እብል፡ ብዙሓት ወለዲ ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተለዓዒሎም ንደቃቶም ለባማትን ብሱላትን ንኽኾኑሎም ብትዕግስቲ ይጽበዩ፡ ንኣይ ግና ከምኡ ኣይኰነን፡ ሓደ መዓልቲ ኣቦይ ናባይ ክምለስ ብፍቕሪ እጽበይ ኣለዅ፡ እቲ ምጽባይ ናተይ ኰነ፡ ነቶም ከማይ ዝዀኑ ተስፋ ሕርያ ዘይኰነ ናይ ግድን እዩ”

ጽባቔ ሓንቲ ቤት እቲ ዝተፈናጨለ ኣካላታ ኣብ ሓደ ካብ ምቛም እዩ፡  እቲ ኣነ ዝነብሮ ኩነት ቀሊል ኣይኰነን ዓቢይ ትርጉም ግና ኣለዎ ትብል!

ብርሃን ዳግም ምልባስ

“ኢየሱስ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ከምእተሸንከረ”፥ ነዚ ኣስተንትኖ ዘቕረቡ ሓደ ብዘይ ወዓልዎን ዘይገበርዎን ብግብረ ክፍኣትን ብሓሶትን ዝተኸሱ ንኣስታት 10 ዓመት ኣብ ፍኖተ መስቀል ዘሕለፉ፡ ሓሶት ኣብ ልዕሌኦም ዝተዋሕዞምን ጥርጠራን ክስን ወቐሳን ኢፍትሓውነትን ጸርፍን ከም መስቀል ዝተሰከሙ፡ ናብ ቀራንዮ እናደየቡ እንከለዉ ነቲ ዝተሰከምዎ መስቀል ከብርይዎም ናይቲ መስቀል ክብድ ምስኦም ዝተኻፈሉ ብዙሓት ቀሬናውያን ከምዘጓነፍዎምን ብሓባር ምስኦም ስለ እቲ ብሓሶት ዝኸሰሶም ነቲ መስቀል ኣብ ልዕሌኦም ክዓርፍ ዝገበረ መንእሰይ ይጽልዩ፥ “ካብ ቤት ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ዝወረደኒ ክሲ ናጻን ኣይወዓልካዮን ዝብል ብይን ምስ ተወሃበኒ፡ ክቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዘይነበረኒ ክትገልጾ ዘይከኣል ብርቱዕ ሓሴት ተሰመዓንን ኣብ ሕይወተይ ብኢደይ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ንምትንካፍ በቃዕኩ፡ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ክህነተይ ተዀለዓ” ይብሉ።

ዝኹነ ይኹን ሰብ እቲ ዝፈጸመ ሓጢኣት ኣይኰነን

“ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ከምዝሞተ”፥ ነዚ ምዕራፍ ዝኸውን ኣስተንትኖ ዘቕረቡ፡ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ተቖጻጻሪ ዳይና፥ “እውነተይና ፍትሒ፥ ሰብ ንሓዋሩ ኣብ መስቀል ከይሽንከር ብምሕረት ጥራሕ እዩ ዝከኣል፥ እውነተይና ፍትሒ ብምሕረት እዩ”፡ ዝተጋገየ ዋላ’ኳ ካብ ልቢ ሰብ ክፍኣት ንምጥፋእ ዝከኣል ኣይዅን ካብቲ ዝወደቖ ግብረ ክፍኣት ንኽትንስእ ብዘይ ቅድመ ፍርድ ምድጋፍ እዩ” እዚ ዝከኣል “ድሕሪ ዝዀነ  ይኹን ግብረ ክፍኣት ሰብ ኣሎ ኣብ ዝብል ርግጹነት እዩ፡ እቲ ዝፍረዶ ሰብ እዩ፡ ደያይኑን ጠበቓታትን ኵሎም ዝህብዎ ብፍላይ ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ኣገልግሎት ብቕኑዕ ተግባር ክፍጽምዎ ስሌኦም ንጐይታ ንጸልይ” ሰብ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ወይ ውን መደል ኣይኰነን፡

ኢየሱስ እታ ካብቲ ዝተወግአ ጐንኻ ዝተወልደት ቤት ኣብ ቅድሚ ዘይምዕዋትን ኣብ ቅድሚ ደጋውነትን ተስፋ ከይትቖረጸት ነቲ ናይ ሓጐስ ቃል ብስራት ድሕነት ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ክትወጽእ መታን ነቦኻ ሕድሪ ንብል!

ር.ሊ.ጳ. መስቀል ይርከቡ

ኣብ መወዳእታ ካብ ማእከል ቅርዓት ቅድስ ጴጥሮስ ነታ መስቀል እናተበራረዩ ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነበሩሉ ኣጥሪዩ በጺሖም እታ መስቀል ቅዱስነቶም ብቕዱስነቶም ምስ ኣረከቡ “ኢየሱስ ተቐብረ” ነዚ ምዕራፍ እዚ ዝኸውን ኣስተንትኖ ዘቕረቡ ሓደ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ኣባል ሓለዋ ጸጥታን ቀዋሚ ዲያቆን ዘቕረብዎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ናይ ዝርከብ እሱራት ስቓይ ብኢዶም ዝትክፉን፡ “ሓደ ለዋህ ዝነበረ ሰብ ኣብዚ ኩነት’ዚ ሳደይና ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ሓደ ኣራዊት እትብሎ እውን ዝበለጸ ሰብ ክኸውን ዝኽእለሉ ስፍራ እዩ፡ ስለዚ ኵሉ ካባኻ እዩ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ሓለዋ ጸጥታ ክትዓዪ፡ እዚ ክልተ ጫፍ ኣብ ቅድሜኻ የጓንፈካ፡ ዘይተገዳስነት እትነብር ምዃን እውን ዝከኣል እዩ፡ ወስታኻን ቃላትንካ ዓቢይ ግደ ኣለዎ፡ ነቲ ዝሰንደበን ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከብ ተስፋ ዝህብ . . . ብሩህ መጻኢ መታን ከማዕድው” ነቶም እሱራት፥ “ምስ እግዚኣብሔር እቲ ናይ መወዳእታ ቃል ሓጢኣት ከምዘይከውን አዘኻኽሮም”፥ ንዳግማይ ውልደት ርሁው ዝኾነ ስቓይ ኣብ እግዝኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝብል ኣስተንቶ ተነቢቡን ዝዓረገ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምእተዛዘመ ካፐሊ ሓቢረን።

11 April 2020, 15:41